ሻምፒዮና ዓለም ውፅኢት መእተዊ ምዝገባ ግዘ ገደብ ኣብዚ ሰሙን ክገልፅ እዩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/7/ 2017 /ኢዜአ/ ኣብ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ውፅኢት መመዝገቢ ዝውደአሉ ግዘ ኣብዚ ሰሙን ዕላዊ ከምዝኸውን ኣትሌቲክስ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ነቲ ውድድር ቅድመ ምድላው ንምግባር ዝረድእ ውፅኢት መእተዊ ዝምዝገብሉ ግዘ ዕላዊ ከም ዝኸውን ፕሬዚዳንት እቲ ፌደሬሽን ኮማንደር ሰለሺ ሰህን ገሊፆም፡፡

ኮማንደር ሰለሺ  ኣብቲ ሻምፒዮና ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ኣብ 18 ኣዋርሕ ውሽጢ ብዘመዝገብዎ ዝተመሓየሸ መእተዊ ሰዓት መሰረት ከምዝምረፁ ተዛሪቦም፡፡

መምረፂ ውድድር ኣትሌቲክስ ዓለም 26 27 ሓምለ ወይ ድማ 16 17 ነሓሰ ጥራሕ ክኻየድ ሓዱሽ መምርሒ ምምሕልላፉ ስዒቡ ኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ዝሳተፉ ኣትሌታት ንምምራፅ ክካየድ ዝነበረ ውድድር ምስራዙ ሓቢሮም፡፡

ብዙሓት ውድድራት ዝካየዱ ኣብ ኣውሮፓ ብምዃኑ ኣትሌታት ብቪዛ ፀገም ምኽንያት ዕድል ውድድር ከምዘይረኽቡ ብምግላፅ፤ እቲ ፌደሬሽን ብዘላቒነት ንምፍታሕ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ብምትሕብባር እናሰርሐ ምዃኑ እቶም ፕሬዚዳንት ገሊፆም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም