ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ ተዓዊቱ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/25/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ ቻይና ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቶም

ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ 5 ሺሕ ሜትሮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቀዳማይ ወፂኡ።

እቲ ኣትሌት 12 ደቒቓን 50 ሰከንድን 45 ማይክሮ ሰከንድን ነቲ ውድድር ብምዝዛም ኢዩ ተዓዊቱ።

ኣትሌት ኩማ ግርማን ኣትሌት መዝገቡ ስሜን ድማ ብቕደም ሰዓብ ካብ ካልኣይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም