መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ክካየድ ኢዩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/25/ 2017 /ኢዜአ/መበል 35 ሰሙን መርሃ ግብሪታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ ናይሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ፀወታ፥ ኣርሰናል ምስ በርንማውዝ ምሸት ሰዓት 130 ዘካይድኡ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ።

ሰዓት 830 ኣስቶንቪላ ምስ ፉልሃም ክፃወታ ኢየን።

ሰዓት 1100 ድማ ኤቨርተን ምስ ኢፕስዊች ታውን ከምኡውን ካብቲ ፕሪሚየር ሊግ ዝተሰናበተት ሌስተር ሲቲን ሳውዝሃምፕተን ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

ትማሊ ኣብ ስታዲየም ኢቲሃድ ምስ ዎልቭስ ዝተፃወተት ማንቼስተር ሲቲ 1 0 ብምስዓር ምስ ኣርሰናል ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ናብ 3 ክወርድ ብምግባር መበል ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም