ስሑል ሽረን ወላይታ ድቻ ሓደ ማዕረ ተፈላሊየን - ኢዜአ ትግርኛ
ስሑል ሽረን ወላይታ ድቻ ሓደ ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ /ሚያዝያ/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መበል 27 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ስሑል ሽረን ወላይታ ድቻን ሓደ ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተፈላሊየን፡፡
ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ÷ ፀጋዬ ብርሃኑ ንስሑል ሽረ ከምኡ እውን ብርሃኑ ኣዳሙ ንወላይታ ድቻ ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን።
ብ ካልእ ዜና ኣብ መርሃ ግብሪ መበል 27 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ዝተራኸባ ከተማ ኣዳማን ዩኒቨርሲቲ ወልዋሎ ዓዲግራትን ሓደ ማዕረ ተፈላልየን፡፡
ኣብ ስታድየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም፤ ዩኒቨርሲቲ ወልዋሎ ዓዲግራት ዳዋ ሁጤሳ ንከተማ ኣዳማ ድማ ነቢል ኑሪ ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡፡