ሓለዋ ኸበቢ
ኣብ ቐፃሊ ዘሎ ኩነታት ኣየር ንምርባሕ ኣምበጣ በረኻ ምቹው ኩነታት ኣየር ስለዝህልው ጥንቃቐ ምግባር ግቡእ 'ዩ
May 2, 2024 32
  አዲስ አበባ/ሚያዚያ/24/2016/ዘኢዜአ/ ኣብ ቐፃሊ ዘሎ ኩነታት ኣየር ንምርባሕ ኣምበጣ በረኻ ምችው ኩነታት ስለዝፈጥር ጥንቃቐ ምግባር ግቡእ ምዃኑ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዝፈነዎ መረዳእታ ከምዘፍለጦ፤ ዝህልው ምቹው ኩነታት ኣየር ኣምበጣ በረኻ ንኽራባሕን ንኽዝርጋሕን ምቹው ክኸውን ስለዝኽእል ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላዪ ክትትልን ቁፅፅርን ክገብሩ ይግባእ። ብመሰረት እቲ መረዳእታ ኣብቲ ወርሒ ትፅቢት ብዝግበር ዝለዓለ መጠን ዘለዎ ራሕሲ ሓደ ሓደ ባህርያት መሬት ማይ ዘየስርፁን ዕሙቐ ዝበሉ ሕርሻታት ራሕሲ ምብዛሕን ማይ ኣብ ዝራእቲ ምድቃስን ከስዕብ ይኽእል 'ዩ። ነዚ ንምክልኻል 'ውን ማይ ናይ ምፅፋፍ ስራሕቲ ምስራሕ ከምኡ 'ውን ናብ ውሕጅ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ሕርሻታት ድማ ዝራእቲ ብውሕጅ ተፀሪጎም ንከይኸዱ ውሕጅ ዝምልሱ ገደባት ብምድላው ስራሕቲ ቕድመ ጥንቃቐ ምስራሕ የድሊ። ብኻልእ ወገን እቲ ዝህልው ራሕሲ ሓረስቶትን ብኽፋል ኣርቢሖም ዝሓድሩን ከባቢታት ሳዕርን ቐረብ ዝስተ ማይን ብ ምርግጋፅ መዳዩ ዝዓዘዘ ግደ ይህልዎ። ነዚ ዕድል ንምጥቃም ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላዪ እታዎት ሕርሻ ብምድላው ፍርያትን መፍረያይነትን ንምዕባይ ዘኽእል ምድላው ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ 'ውን ኣብቲ መረዳእታ ተመላኺቱ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 12 ነጥቢ 6 ሚልዮን ፈልስታት ቡናን ፍራምረን ከምዝተዳለዉ ተገሊፁ
Apr 27, 2024 65
  ደሴ/ሚያዝያ 19/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝትከሉ ልዕሊ 12 ነጥቢ 6 ሚልዮን ፈልስታት ቡናን ፍራምረን ከምዝተዳለዉ ቢሮ ግብርና እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ኣብቲ ክልል ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቡናን ፍራምረን ሓዊሱ 1 ነጥቢ 7 ቢልዮን ፈልስታት እናተዳለዉ ምዃኖም እውን እቲ ቢሮ ሓቢሩ። ቢሮ ግብርና ክልል ኣምሓራ ኣብቲ ክልል ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንዝትከሉ ፈልስታት ቡናን ፍራምረን መድረኽ ምንቕቓሕ ቅድመ ምድላው ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ኣካይዱ። ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ቃልኪዳን ሽፈራው ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝባደሙ ከባብታት እቲ ክልል ንክለምዑን ሽፋን ደኒ ንምዕባይን እናሓገዘ ይርከብ። ብተወሳኺ እውን እቲ ሓረስታይ ካብ ልምዓት ቡናን ፍራምረን ብተወሳኺ ኣታዊ ብምርካብ ዓቕሚ ኢኮኖሚ ንክዓቢ ኣብ ምግባር ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም። እዚ ንምጥንኻር ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ዝትከሉ 1 ነጥቢ 7 ቢልዮን ዝተፈላለዩ ፈልስታት እናተዳለዉ ምዃኖም ኣረዲኦም። ካብቶም ዝትከሉ ፈልስታት እቶም 18 ነጥቢ 5 ሚልዮን ፈልስታት ቡናን ፍራምረን ምዃኖም ብምግላፅ፤ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 12 ነጥቢ 6 ሚልዮን ፈልስታት ቡናን ፍራምረን ተዳሊዎም እዮም ኢሎም።
 ደቂ ሰባት ዓርሶም ዝመዘዝዎ ማዓት  
Apr 27, 2024 77
  ለውጢ ከባብያዊ አየር፡ ነቲ ስለምንታይ ኣብ ዱባይ ተርእዮታት ብርቱዕ ዝናብ ከጋጥማ ከም ዝጸንሐ ዝለዓል ሕቶ ዘረድእ ምትእስሳር ከምዘለዎ ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ'ሎ። ለውጢ ከባብያዊ አየር፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብተደጋጋምን ዝያዳ ጽዑቕን ጽንኩር ኵነታት ኣየር ንኽስዕብ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ። ንምዃኑ ንማዕበል ሙቐት፡ ድርቂ፡ ባርዕ በረኻን ውሕጅን ብኸመይ እዩ ዘጋድዶ? ለውጢ ከባብያዊ አየር፡ ምስ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ዝተኣሳሰረሎም ኣርባዕተ መገድታት ዝስዕቡ እዮም። ዝያዳ ሓያል ዝናብ ኣብ ማእከላይ ዓቐን ሙቐት ዝፍጠር ነፍሲ ወከፍ ወሰኽ 1 ዲግሪ ሰሊሽየስ፡ ኣብ ከባቢ ኣየር ኣስታት 7 ሚእታዊት ዝያዳ ጠሊ ክሕዝ ይኽእል። እዚ ድማ ሓደሓደ ግዜ ኣብ ሓጺር ግዜን ኣብ ዝነኣሰ ቦታን ዝያዳ ነጠብጣብን ብርቱዕ ዝናብን ከስዕብ ይኽእል። ተመራመርቲ፡ ተፈጥሮኣውን ሰብኣውን ጠንቅታት ኣብ ግምት ብምእታው ነብሲወከፍ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ምስ ለውጢ ከባብያዊ አየር፡ ክተሓሓዝ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ንዝብል ዳህሲሶም። ለውጢ ከባብያዊ አየር፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ሚያዝያ 2024 ኣብ ዱባይ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዖማንን ዝወረደ ብርቱዕ ዝናብ ክሳብ ክንደይ ተራ ከም ዝነበሮ ብልክዕ ንምድምዳም ኣጸጋሚ ነይሩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ዞባ ብርቱዕ ዝናብ ዝዘንብ ሳሕቲ ስለዝዀነ ነቶም ተመራመርቲ ውሑድ ታሪኻዊ ምንጽጻር ጥራይ ክገብሩ ስለዝደረኾም እዩ። እዞም ተርእዮታት ግን ካብ 10-40 ሚእታዊት ዝኸበዱ እናዀኑ እዮም፤ ለውጢ ከባብያዊ አየር፡ ድማ እቲ ዝያዳ መንቀሊ ከምዝኸውን ጕጅለ ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን (WWA) ይሕብር። ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ጽንኩር ውሕጅ ኣብ ገለ ክፋል ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ’ሎ። ለውጢ ከባብያዊ አየር፡ ኣብቲ ፍጻመ እንታይ ተራ ከም ዝነበሮ ብልክዕ ንምግላጽ ገና ክኸውን ይኽእል’ዩ። ግን ከኣ ኣብ ተመሳሳሊ ዞባ ኣብ ጥቅምትን ሕዳርን 2023 ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ፡ ውህደት ለውጢ ከባብያዊ አየር፡ ‘ህንዳዊ ውቅያኖስ ዳይፖል’ ብዝብል ዝፍለጥ ተፈጥሮኣዊ ተርእዮ ኵነታት ኣየርን ከምዘጋደድዎ ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን ይገልጽ። ሰሜናዊ ክፋል ሊብያ ኣብ መስከረም 2023 ብኣዝዩ ሓደገኛ ውሕጅ ተሃሪሙ ነይሩ። እቲ ብርቱዕ ዝናብ ክሳዕ 50 ዕጽፊ ብለውጢ ከባብያዊ አየር፡ ዝተፈጥረ ክኸውን ተኽእሎ ዘሎ ኰይኑ፤ ንዓመታት ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ድማ ነቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ኣቐዲምካ ንምድላው ዝግበር ጻዕርታት ዓንቂፍዎ። ብደረጃ ዓለም፡ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዘንቀሎ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ተርእዮታት ብርቱዕ ዝናብ ዝያዳ ተደጋጋምን ጽዑቕን ኰይኑ ከምዘሎ ኣብ ጉዳይ ኩነታት አየር ዝሰርሕ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ኣይ.ፒ.ሲ.ሲ [ኢንተር ገቨርንመንታል ፓነል ኦን ክላይመት ቸንጅ - IPCC] ይሕብር። እዚ ኵነታት ከኣ ምስቲ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ዋዒ ብዘለዎ ክቕጽል ምዃኑ ኣይ.ፒ.ሲ.ሲ ይገልጽ።. 22-*22ዝያዳ ውዑይን ዝነውሐን ማዕበል ሙቐት ኣብ ማእከላይ ሙቐት እትፍጠር ዋላ ንእሽቶ ወሰኽ፡ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዋዒ ኣብ ምስዓብ ዓቢ ለውጢ እያ ተምጽእ። ዝርገሐ መዓልታዊ ሙቐት ናብ ዝለዓለ ዋዒ ይሰጋገር፤ እዚ ድማ ዝወዓየ መዓልታት ክዛይድን ክጽዕቕን ይገብሮ። ኣብ መላእ ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዝሓሰመ ማዕበል ዋዒ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ መጀመርታ ሚያዝያ 2024፡ ኣብ ማሊ ሙቐት 48.5 ዲግሪ ሰሊሽየስ በጺሑ ነይሩ። እዚ ድማ ብዝሒ ናብ ሆስፒታላት ዝኸዱ ሰባትን ሞትን ከምዘስዓበ ይግለጽ። እዚ ደረጃ ዋዒ ከኣ ሰባት ዘንቅልዎ ለውጢ ከባብያዊ አየር፡ እንተዘይህሉ ክመጽእ ኣይምኸኣለን ዝብል ጕጅለ ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን ዓለም እናወዓየት ክሳብ ዝኸደት ድማ ዝያዳ ልሙድ ከምዝኸውን ኣጠንቂቑ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዓለም ማዕበል ሙቐት ዝጸንሐሉ እዋን እናነውሐ ይኸይድ ኣሎ። ዝተናውሐ ለውጢ ከባብያዊ አየር፡- ምስ ኣብ ሓደ እዋን ዝረአ ዝዀነ ክስተት ድርቂ ምትእስሳር ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ቀረብ ማይ ኣብ ሙቐትን ዝናብን ጥራይ ዝምርኮስ ኣይኰነን፤ ተፈጥሮኣዊ ስርዓታት ኵነታት ኣየር እውን ወሳኒ ተራ ይጻወት። ኣብ መጀመርታ 2024 ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ድርቂ ነዚ ዘርእይ እዩ ነይሩ። ለውጢ ከባብያዊ አየር፡ ዘበገሶ ማዕበል ሙቐት ግን ሓመድ ክነቅጽ ብምግባር ንድርቂ ከጋድዶ ይኽእል እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣየር ብቕልጡፍ ከም ዝውዒ ብምግባር ብርቱዕ ሙቐት የስዕብ። ኣብ እዋን ውዑይ ኵነታት ኣየር ብፍላይ ካብ ሓረስቶት ጠለብ ማይ ስለዝውስኽ ኣብ ቀረብ ማይ ዝያዳ ጸቕጢ የስዕብ። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ን40 ዓመታት ዝኸፍአ ድርቂ ስለዘጋጠሞ ኣብ ገለ ክፋሉ ኣብ መንጐ 2020ን 2022ን ተኸታተልቲ ሓሙሽተ ፍሹላት ወቕትታት ዝናብ ከምዘጋጠመ ይፍለጥ። እዚ ድማ ኣብ ሶማልያ ጥራይ 1.2 ሚልዮን ህዝቢ ክመዛበል ምኽንያት ኰይኑ። ለውጢ ከባብያዊ አየር፡ ንኸምዚ ዓይነት ድርቂ ብውሑዱ ብ100 ዕጽፊ ክዓቢ ከምዝገበሮ ጕጅለ ወርልድ ዌዘር ይሕብር። ደቂ ሰባት ዘንቀልዎ ምውሳኽ ሙቐት እውን ናይቲ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ዓመት 2023 ኣብ ጫካ ኣማዞን ዘጋጠመን ብውሑድ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ዘመን ዝኸፍአን ድርቂ ቀንዲ መበገሲኡ እዩ ነይሩ። ንባርዕ ጫካ ዘጋድድ ነዳዲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ የጋጥም እዩ። ለውጢ ከባብያዊ አየር፡ ንሓደ ዝዀነ ክስተት ባርዕ በረኻ ኣስዒቡ ወይ ኣጋዲዱ ድዩ ዝብል ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ካልኦት ረቛሒታት እውን ወሰንቲ ስለዝዀኑ። ግን ከኣ ለውጢ ኩነታት አየር እቲ ባርዕ በረኻ ንኽዝርጋሕ ዝምችእ ኵነታት ኣየር ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ከምዘለዎ ኣይ.ፒ.ሲ.ሲ የመልክት። ከቢድን ነዊሕ ዝጸንሕን ሙቐት ካብ ሓመድን ኣትክልትን ኣዝዩ ዝለዓለ መጠን ጠሊ ይመጥጥ። እቶም ከምዚ ዝበሉ ደረቕ ኵነታት ከኣ ንሓዊ ነዳዲ ይህቡ። ብፍላይ ሓያል ንፋስ ኣብ ዝህልወሉ እቲ ባርዕ ንምእማኑ ብዘጸግም ፍጥነት ክዝርጋሕ ይኽእል። ምውሳኽ ዋዒ ኣብ ሰሜናዊ ጫካታት ዓለም በርቂ ናይ ምፍጣር ተኽእሎታት ንክውስኽ እውን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል፤ እዚ ድማ ባርዕ ክለዓል ይገብር። ካናዳ ኣብ ቀረባ ካብ ዝረኣየቶም ወቕቲታት ባርዕ በረኻ እቲ ዝኸፍአ ኣብ 2023 ዘጋጠማ ኰይኑ ኣስታት 18 ሚልዮን ሄክታር (45 ሚልዮን ኤከር) ተቓጺሉ። ኣብ መጻኢ ብዓለም ደረጃ ጽንኩር ባርዕ ጫካታት ብተደጋጋምን ጽዑቕን ክኸውን ተኽእሎታት ከምዘሎ ፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። እዚ ድማ ምቅይያር ኣጠቓቕማ መሬትን ለውጢ ኩነታት አየርን ተደሚሮም ዘምጽእዎ ሳዕቤናት እዩ። ክሳብ 2100 ቍጽሪ ናይቶም ኣዝዮም ጽንኩራት ባርዕ ክሳብ 50 ሚእታዊት ክውስኽ ከምዝኽእል ፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት ይእምት።
ንናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እኹል ፈልሲ ከምዝተዳለወ ተዓዚብና-ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል
Apr 25, 2024 80
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 17/2016 (ኢዜኣ) ንናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እኹል ፈልሲ ከምዝተዳለወ ኣብቲ ዝገበሮ ዑደት ከምዘረጋገፀ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፈፃፅማ ስራሕ መንግስቲ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2016 እንትግምግሙ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል ተጣይሹ ትኹረት ኣብ ዝተውሃቦም ዓውድታት ዑደት ንክገብር ኣንፈት ከምዘቕመጡ ዝዝከር እዩ። በዚ እውን ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዘተሓባብሮ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል፤ ሚኒስቴር ግብርና፣ ምድላው መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀፃሊ ክረምትን ስራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተተኸሉ ፈልስታትን ልምዓት ወሓዝትን ዘለውዎ ብርክን ተዓዚቡ። ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሕ ፈፃሚ ስራሕ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣይተ ፋኑሴ መኮንን፤ ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዜጋታት ብምስታፍ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻልን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ዝተባብዑ ውፅኢታት እናመዝገበት እያ ኢሎም። ብመበገሲ ሓሰብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ኢዜኣ) ኣብ 2011 ዓ/ም ብዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሕዚ 32 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ዝተተኸሉ እንትኸውን ብማእኸላይ 87 ሚኢታዊ ከምዝፀደቑ ተዛሪቦም። ኣብ ቀፃሊ ክረምቲ እውን 6 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ዝተተለመ እንትኸውን ብብርኪ ምድላው 7 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝተዳለዉ ገሊፆም። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦ ስፓሻልን ከምኡ እውን መራሒ እቲ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ኣይተ ኣብዲሳ ይልማ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፅዋርን ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅን ከምዝከኣል ዘርኣየ እዩ ኢሎም። እቲ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ንናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እኹል መትከሊ ቦታን ፈልስን ከምዝተዳለወ ምዕዛቡ እውን ሓቢሮም። እቲ መርሃ ግብሪ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንክኸውን እቶም ፈልስታት ኣብ እዋን ምድላውን ድሕሪ ምትካሎም ዘለውዎ ብርክን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ክትትልን ክንክንን ክግበረሎም ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ካባብያዊ ብኽለት ምክልኻል ናይ ኩላትና ሓላፍነት ክኸውን ይግባእ-ርእሰ ምምሕዳር ሙስጠፌ መሁመድ
Apr 19, 2024 89
  ጅግጅጋ/ሚያዝያ 11/2016 (ኢዜኣ) ካባብያዊ ብኽለት ብምክልኻል ፅሩይን ንናብራ ምችውን ከባቢ ምፍጣር ናይ ኩላትና ሓላፍነት ክኸውን ይግባእ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሁመድ ገሊፆም። እቶም ርእሰ ምምሕዳር ከባብያዊ ብኽለት ንምክልኻል ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ዝፍፀም ህዝባዊ ወፍሪ ሎሚ መዓልቲ ብብርኪ ክልል ኣጀሚሮም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሁመድ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ፀገም ከባብያዊ ብኽለት ንምፍታሕ እቲ ሓደ ኣጠቓቕማን ኣወጋግዳን ፕላስቲክ ምምዕባል የድሊ። ኣብ ከባብታት ኣርባሕቲ እንሰሳት እንሰሳ ዘቤት ብሰንኪ ፀገም ኣወጋግዳ ፕላስቲክ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ብምሕባር፤ ፍርያታት ፕላስቲክ መሊስካ ኣብ ረብሓ ንምውዓልን በዚ እውን ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ክስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም። እቲ መድረኽ ወፍሪ፤ እቲ ሕብረተሰብ ኣብቲ ጉዳይ እኹል ግንዛበ ሃሊዎ እጃሙ ንክዋፃእ ንምልዕዓል ዝዓለመ እዩ ኢሎም። ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ከባብን ምምሕዳር መሬት ገፀርን ኢንጅነር ሙህየዲን ኣብዲ፤ ከባብያዊ ብኽለት ኣብ ከባብያዊ ጥዕና ልዑል ጉድኣት ዘብፅሕ ምዃኑ ኣረዲኦም። ኣብቲ መድረኽ ወፍሪ ዝተረኸቡ ምኽትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ፌዴራል ኣይተ ንጉሴ ለማ ብግደኦም፤ እዚ ብብርኪ ሃገር ዝተጀመረ ወፍሪ ከባብያዊ ብኽለት ኣብ ልዕሊ ሰባትን እንሰሳትን ከብፅሖ ዝኽእል ጉድኣት ንምትራፍ ዝዓለመ እዩ ኢሎም። እዚ ወፍሪ፤ ̎ብኽለት ይኾኖ! ፅባቐ ይነቓቓሕ̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ዝተጀመረ እንትኸውን ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ዝፍፀም እዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ጎስጓስ ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ተኻይዱ
Apr 19, 2024 85
  አዲስ አበባ/ሚያዚያ/11/2016/ኢዜአ/ አብ ከተማ አዲስ አበባ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ጎስጓስ ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ተኻይዱ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ጎስጓስ ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ተኻይዱ። ኣብታ ከተማ ፀገም ብኽለት ከባቢ ንምቕራፍ ዓበይቲ ሜጋ ፕሮጀክትታት እናተሰርሑ ይርከቡ ኢለን። ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝገለፅኦ፤ፕሮጀክትታት ወሰን ሩባ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሩባታት ካብ ምጥፋእ እናድሐነ ይርከብ። ኣብ ቀረባ ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደር ኣብታ ከተማ ብኽለት ከባቢ ኣብ ዝኾነ ኣታአላልያ ፈሳሲ ዝለዓለ ጠመተ ከምዝገበረ ሓቢረን። እቲ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ብሽዱሽተ ዙራት ዝካየድ እንትኸውን ንኽልተ ነጥቢ ሸውዓተ ሚሊዮን ሰባት ብዛዕባ ብኽለት ከባቢ ግንዛበ ንምጭባጥ ዝዓለመ 'ዩ። በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ “ብኽለት ይኣክል ፅባቐ ይነቓቓሕ” ብዝብል ቴማ ካብ ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ክሳብ መስከረም 2017 ዓ.ም ዝፀንሕ ጎስጓስ ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ከምዘካይድ ምግላፁ ዝዝከር 'ዩ።
ኣብ ልዕሊ ፅልዋ ከባብያዊ ብኽለት ዘብፅሑ 1 ሽሕን 720 ትካላት ስጉምቲ ተወሲዱ-እቲ በዓል መዚ
Apr 18, 2024 75
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 10/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ፅልዋ ከባብያዊ ብኽለት ዘብፅሑ 1 ሽሕን 720 ትካላት ስጉምቲ ከምዝወሰደ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ በዓል መዚ ኣይተ ድዳ ድሪባ ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ በዓል መዚ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ቁፅፅር ከሳልጥ ፀኒሑ እዩ። ስለዝኾነ እውን ኣብ ውሽጢ 9 ኣዋርሕ 7 ሽሕን 598 ትካላት ብምቁፅፃር ልዕሊ እቲ ትልሚ ከምዘዕወተ ተዛሪቦም። በቲ ዝተገበረ ቁፅፅርን ኽትትልን ኣብ ልዕሊ ፅልዋ ከባብያዊ ብኽለት ዘብፅሑ 1 ሽሕን 720 ትካላት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ እውን ኣረጋጊፆም። ካብቶም ስጉምቲ ዝተወሰደሎም ትካላት 1 ሽሕን 661 መጠንቀቕታ ዝተውሃቦም እንትኸውን በቲ ዝተቐመጠሎም ኣንፈት ስርሖም ዘየሳለጡ 59 ትካላት ድማ ከምዝተዓፀዉ ሓቢሮም። እቲ በዓል መዚ ፅልዋ ከባብያዊ ብኽለት ንምቁፅፃር ትካላት ሕጊ ኣኽቢሮም ንክሰርሑ ዝጀመሮ ቁፅፅርን ኽትትልን ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለሉ ኣረዲኦም።
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ንናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተፈላለየ ረብሓ ዘለዎም 3 ሚልዮን ፈልስታት እናተዳለዉ እዮም
Apr 18, 2024 40
  ድሬዳዋ/ሚያዝያ 10/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ንናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተፈላለየ ረብሓ ዘለዎም 3 ሚልዮን ፈልስታት እናተዳለዉ ምዃኖም በዓል መዚ ደንን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን እቲ ምምሕዳር ከተማ ገሊፁ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት መልክዕን ስነ ምህዳርን እቲ ኸባቢ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ውሕስና ምግቢ እቲ ሓረስታይ ንምርግጋፅ እናሓገዙ ምዃኖም እውን እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ልምዓትን ሓለዋን ደኒ በዓል መዚ ደንን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣይተ ማስረሻ ይመር ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት በቲ መርሃ ግብሪ ዝተተኸሉ ፈልስታት ዝባደሙ ከባብታት ሓምለዋይ ብምግባር ሚዛንን ስነ ምህዳርን ተፈጥሮ ንክሕለው ሓጊዙ እዩ። ኣብቶም ሓምለዋይ ከባብታት ድማ ዝነፀፉ ፍልፍላትን ናይ በረኻ ኣራዊታትን ምምላስ ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም። ሓለዋ ከባቢ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምሽግጋርን ተረባሕነት ንምዕባይን ንናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተፈላለየ ረብሓ ዘለዎም 3 ሚልዮን ፈልስታት እናተዳለዉ ምዃኖም እውን እቶም ዳይሬክተር ሓቢሮም።
ኣብ ክልል ሶማሌ  ብርክት ዝበለ ረብሓ ዘለዎም ልዕሊ 1 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ፈልስታት ንተኸላ ተዳሊዮም
Apr 13, 2024 59
  አዲስ አበባ/ሚያዚያ/5/2016/ኢዜአ/ኣብ ክልል ሶማሌ ብርክት ዝበለ ረብሓ ዘለዎም ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚሊዮን ፈልስታት ሎሚ ዓመት ንኽትከሉ ከምዘዳለወ ቢሮ ሓለዋ ኸባቢን ምምሕዳር መሬት ገጠርን እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣይተ ዩሱፍ መሓመድ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ቢሮ ብለውጢ ነባሪ ኣየር ዝፍጠሩ ፀገማት ንምክልኻል ዝሕግዙ ፈልስታት ብምፍላስ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሰር ዕዉት ንምግባር እናሰርሐ ይርከብ በዚ 'ውን ኣብ ሞዴል ማእኸል መፍለሲ ፈልሲ ጅግጅጋ፣ ጎዴ፣ ዶሎ ኣዶን ደገሃቡርን ኣብ ዝተጣየሹ ማእኸላት መፍለሲ ፈልሲ እቲ ቢሮ ፈልስታት ከምዘዳለወ ገሊፆም። ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ልዕሊ 51 ሚሊዮን ፈልስታት ከምዝተተኸሉን ካብዚኣቶም 'ውን እቶም 71 ሚኢታዊ ዝኣኽሉ ምፅዳቖም መረዳእታ ቢሮ ሓለዋ ኸባቢን ምምሕዳር መሬት ገጠርን እቲ ክልል ይሕብር።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝመፅእ ኽረምቲ ዝትከሉ ልዕሊ 20 ሚሊዮን ፈልስታት እናተዳለዉ 'ዮም
Apr 5, 2024 97
  አዲስ አበባ/መጋቢት/27/2016/ኢዜአ/ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝመፅእ ኽረምቲ ዝትከሉ ልዕሊ 20 ሚሊዮን ፈልስታት ናይ ምፍላስ ስራሕቲ እናተሰርሐ ምዃኑ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ልምዓትን ኣጠቓቕማን ደኒ እቲ ቢሮ ኣይተ ተስፋይ ተክለሃይማኖት ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ዝቕፅል ኽረምቲ ንዝስርሑ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልዕሊ 20 ሚሊዮን ፈልስታት ናይ ምፍላስ ስራሕቲ እናተሰርሐ 'ዩ። ኣብቲ ክልል ኣብ ዝመፅእ ኽረምቲ ንዝካየድ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ኣመላኺቶም። ስነ-ምህዳር ንምሕላው ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፤ በዚ መሰረት 'ውን ሎሚ ዓመት ልዕሊ 38 ሽሕ ሄክታር መሬት ብፈልሲ ንምሽፋን ትልሚ ከምዝተትሓዘ ሓቢሮም። ብተወሳኺ 'ውን ዛጊድ ልዕሊ 35 ሽሕ ሄክታር መሬት ስራሕቲ ካርታ ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት መፍለሲ ፈልሲ 20 ሚሊዮን 556 ሽሕን ፈልስታት ናይ ምፍላስ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም። ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ 195 መንግስታዊ፣ ናይ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ጣብያታት ፈልሲ እናፈለሱ ዝርከቡ ፈልስታት መብዛሕቲኦም ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎምን ሃገር በቆልን ምዃኖም እቶም ዳይሬክተር ኣፍሊጦም።
ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 6 ነጥቢ 3 ቢልዮን ፈልስታት ንተኸላ ተዳሊዎም-ሚኒስቴር ግብርና
Mar 29, 2024 70
  ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 20/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 6 ነጥቢ 3 ቢልዮን ፈልስታት ንተኸላ ከምዝተዳለዉ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ። ኣብቲ ሚኒስቴር መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ኣጠቓቕማን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ፋኖሴ መኮንን ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ዝመፅእ ዘሎ እዋን ክረምቲ 6 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ተተሊሙ። ነዚ ስዒቡ ክሳብ ሕዚ 6 ነጥቢ 3 ቢልዮን ፈልስታት ንተኸላ ከምዝተዳለዉ ብምሕባር እቶ ዝተረፉ ፈልስታት ድማ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ንምድላው ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ ኢሎም። እቲ መርሃ ግበሪ ተኸላ ፈልሲ ውፅኢታዊ ንክኸውን መትከሊ ፈልስታት ጎዳጉዲ ብኣግባቡ እናተዳለዉ ምዃኖም እውን ኣረዲኦም። ክሳብ ሕዚ ዝተተኸሉ ፈልስታት ብዝተገበረ ኽትትል መጠን ምፅዳቕ እቶም ፈልስታት ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም። እቶም ፈልስታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምፅዋር ከምኡ እውን ነፂፎም ዝነበሩ ሩባታት ማይ ንክሕዙ ከምዘኽኣለ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ተሳልጦ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምክልኻል ንካልኦት ሃገራት መርኣያ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ኣብ ኣፍሪካ ዘፈር ውልቀ ኣብ ሓምለዋይ ኢንቨስትመንታት ትኹረት ንኽገብር ፃውዒት ቀሪቡ
Mar 13, 2024 69
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/4/ 2016 /ኢዜአ/ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣፍሪካ ዘፈር ውልቀ ኣብ ሓምለዋይ ኢንቨስትመንታት ትኹረት ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቡ። 6ይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣፍሪካ ኣብ ሩዋንዳ ኪጋሊ እናተኻደ እንትኸውን፥ ዘፈር ውልቀ ኣብ ሓምለዋይ ኢንቨስትመንታት ምጥቃም ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ትኹረት ከምዝገበረ ተሓቢሩ። እቲ ጉባኤ ብብርኪ ዓለም ዘይምርግጋእ ፋይናንስ ዘፈር ውልቀ ለውጢ ከባብያዊ አየር ምፅዋር ዝኽእሉ ስትራቴጂታት ንምድንፋዕ ሓምለዋይ ኢንቨስትመንታት ንኸጠናኽር ኣተሓሳሲቡ። ሚኒስትር ሓለዋ ከባቢ ሩዋንዳ ክላውዲን ኡዌራ ከምዝበሉዎ፥ ዓለም ለኸ ማሕለኻታት ፋይናንስ ምፍታሕን ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘብፀሖ ፅዕንቶ ንምፍታሕ መሰል ኢንቨስትመንታት ከጠናኽር ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡ ንለውጢ ከባብያዊ አየር ዝተላመዱ ስትራቴጂታት ምስ ሰፊሕ ሃገራዊ ፖሊሲታትን ትልምታትን ምውዳድ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ሞንጎ ቀረብን ድሌትን ፋይናንስ ለውጢ ኣየር ዘሎ ኣፈላላይ ንምምዕርራይ ምትሕብባርን ሓበራዊ ፃዕሪታትን ንኽገብሩ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም