ብሄራዊ ዓብይ ኮሚቴ ሓምለዋይ አሰር ስራሕቲ ቕድመ-ምድላው ገምጊሙ

86


 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/18/2016/ኢዜአ/ ብሄራዊ ዓብዪ ኮሚቴ ሓምለዋይ አሰር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ኣደኣ ኣብ ዝርከብ ጣብያ ፈልሲ ጎዲኖን ኣብ 2015 . ኣብ ጣብያ ጉበሳዬ ኣብ 92 ሄክታር መሬት ኣብ ዝተተኸሉ ፈልስታትን ዑደት ገይሩ።

ብሄራዊ ዓብዪ ኮሚቴ ሓምለዋይ አሰር ንቕድመ-ምድላው ተኸላ ፈልሲ 2016 . ገምጊሙ።

መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ንምክያድ ኣብ ዝተረፉ ስራሕቲ 'ውን ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብ ጣብያ ፈልሲ ጎዲኖ 27 ዓይነት ዓሌታት ፈልሲ ከምዘለዉን ናብ 80 ንዝፅግዑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረን ኣብቲ ዑደት ከምዝተገለፀ መረዳእታ ሚኒስቴር ግብርና የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም