ደቂ ሰባት ዓርሶም ዝመዘዝዎ ማዓት  

92


 

ለውጢ ከባብያዊ አየር ነቲ ስለምንታይ ኣብ ዱባይ ተርእዮታት ብርቱዕ ዝናብ ከጋጥማ ከም ዝጸንሐ ዝለዓል ሕቶ ዘረድእ ምትእስሳር ከምዘለዎ ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ'ሎ።

ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብተደጋጋምን ዝያዳ ጽዑቕን ጽንኩር ኵነታት ኣየር ንኽስዕብ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ። ንምዃኑ ንማዕበል ሙቐት፡ ድርቂ፡ ባርዕ በረኻን ውሕጅን ብኸመይ እዩ ዘጋድዶ?

ለውጢ ከባብያዊ አየር ምስ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ዝተኣሳሰረሎም ኣርባዕተ መገድታት ዝስዕቡ እዮም።

ዝያዳ ሓያል ዝናብ

ኣብ ማእከላይ ዓቐን ሙቐት ዝፍጠር ነፍሲ ወከፍ ወሰኽ 1 ዲግሪ ሰሊሽየስ፡ ኣብ ከባቢ ኣየር ኣስታት 7 ሚእታዊት ዝያዳ ጠሊ ክሕዝ ይኽእል።

እዚ ድማ ሓደሓደ ግዜ ኣብ ሓጺር ግዜን ኣብ ዝነኣሰ ቦታን ዝያዳ ነጠብጣብን ብርቱዕ ዝናብን ከስዕብ ይኽእል።

ተመራመርቲ፡ ተፈጥሮኣውን ሰብኣውን ጠንቅታት ኣብ ግምት ብምእታው ነብሲወከፍ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ምስ  ለውጢ ከባብያዊ አየር  ክተሓሓዝ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ንዝብል ዳህሲሶም።

ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ሚያዝያ 2024 ኣብ ዱባይ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዖማንን ዝወረደ ብርቱዕ ዝናብ ክሳብ ክንደይ ተራ ከም ዝነበሮ ብልክዕ ንምድምዳም ኣጸጋሚ ነይሩ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ኣብቲ ዞባ ብርቱዕ ዝናብ ዝዘንብ ሳሕቲ ስለዝዀነ ነቶም ተመራመርቲ ውሑድ ታሪኻዊ ምንጽጻር ጥራይ ክገብሩ ስለዝደረኾም እዩ።

እዞም ተርእዮታት ግን ካብ 10-40 ሚእታዊት ዝኸበዱ እናዀኑ እዮም፤  ለውጢ ከባብያዊ አየር ድማ እቲ ዝያዳ መንቀሊ ከምዝኸውን ጕጅለ ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን (WWA) ይሕብር።

ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ጽንኩር ውሕጅ ኣብ ገለ ክፋል ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙሎ።

ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣብቲ ፍጻመ እንታይ ተራ ከም ዝነበሮ ብልክዕ ንምግላጽ ገና ክኸውን ይኽእልዩ። ግን ከኣ ኣብ ተመሳሳሊ ዞባ ኣብ ጥቅምትን ሕዳርን 2023 ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ፡ ውህደት ለውጢ ከባብያዊ አየር   ‘ህንዳዊ ውቅያኖስ ዳይፖልብዝብል ዝፍለጥ ተፈጥሮኣዊ ተርእዮ ኵነታት ኣየርን ከምዘጋደድዎ ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን ይገልጽ።

ሰሜናዊ ክፋል ሊብያ ኣብ መስከረም 2023 ብኣዝዩ ሓደገኛ ውሕጅ ተሃሪሙ ነይሩ።

እቲ ብርቱዕ ዝናብ ክሳዕ 50 ዕጽፊ ብለውጢ ከባብያዊ አየር  ዝተፈጥረ ክኸውን ተኽእሎ ዘሎ ኰይኑ፤ ንዓመታት ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ድማ ነቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ኣቐዲምካ ንምድላው ዝግበር ጻዕርታት ዓንቂፍዎ።

ብደረጃ ዓለም፡ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዘንቀሎ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ተርእዮታት ብርቱዕ ዝናብ ዝያዳ ተደጋጋምን ጽዑቕን ኰይኑ ከምዘሎ ኣብ ጉዳይ ኩነታት አየር ዝሰርሕ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ኣይ... [ኢንተር ገቨርንመንታል ፓነል ኦን ክላይመት ቸንጅ - IPCC] ይሕብር።

እዚ ኵነታት ከኣ ምስቲ ኣብ መጻኢ ዝህሉ ዋዒ ብዘለዎ ክቕጽል ምዃኑ ኣይ... ይገልጽ።. 22-*22ዝያዳ ውዑይን ዝነውሐን ማዕበል ሙቐት

ኣብ ማእከላይ ሙቐት እትፍጠር ዋላ ንእሽቶ ወሰኽ፡ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዋዒ ኣብ ምስዓብ ዓቢ ለውጢ እያ ተምጽእ።

ዝርገሐ መዓልታዊ ሙቐት ናብ ዝለዓለ ዋዒ ይሰጋገር፤ እዚ ድማ ዝወዓየ መዓልታት ክዛይድን ክጽዕቕን ይገብሮ።

ኣብ መላእ ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዝሓሰመ ማዕበል ዋዒ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ መጀመርታ ሚያዝያ 2024 ኣብ ማሊ ሙቐት 48.5 ዲግሪ ሰሊሽየስ በጺሑ ነይሩ። እዚ ድማ ብዝሒ ናብ ሆስፒታላት ዝኸዱ ሰባትን ሞትን ከምዘስዓበ ይግለጽ።

እዚ ደረጃ ዋዒ ከኣ ሰባት ዘንቅልዎ ለውጢ ከባብያዊ አየር   እንተዘይህሉ ክመጽእ ኣይምኸኣለን ዝብል ጕጅለ ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን ዓለም እናወዓየት ክሳብ ዝኸደት ድማ ዝያዳ ልሙድ ከምዝኸውን ኣጠንቂቑ።

ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዓለም ማዕበል ሙቐት ዝጸንሐሉ እዋን እናነውሐ ይኸይድ ኣሎ።

 ዝተናውሐ ለውጢ ከባብያዊ አየር- ምስ ኣብ ሓደ እዋን ዝረአ ዝዀነ ክስተት ድርቂ ምትእስሳር ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቀረብ ማይ ኣብ ሙቐትን ዝናብን ጥራይ ዝምርኮስ ኣይኰነን፤ ተፈጥሮኣዊ ስርዓታት ኵነታት ኣየር እውን ወሳኒ ተራ ይጻወት።

 ኣብ መጀመርታ 2024 ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ድርቂ ነዚ ዘርእይ እዩ ነይሩ።

ለውጢ ከባብያዊ አየር  ዘበገሶ ማዕበል ሙቐት ግን ሓመድ ክነቅጽ ብምግባር ንድርቂ ከጋድዶ ይኽእል እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣየር ብቕልጡፍ ከም ዝውዒ ብምግባር ብርቱዕ ሙቐት የስዕብ።

ኣብ እዋን ውዑይ ኵነታት ኣየር ብፍላይ ካብ ሓረስቶት ጠለብ ማይ ስለዝውስኽ ኣብ ቀረብ ማይ ዝያዳ ጸቕጢ የስዕብ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ 40 ዓመታት ዝኸፍአ ድርቂ ስለዘጋጠሞ ኣብ ገለ ክፋሉ ኣብ መንጐ 2020 2022 ተኸታተልቲ ሓሙሽተ ፍሹላት ወቕትታት ዝናብ ከምዘጋጠመ ይፍለጥ። እዚ ድማ ኣብ ሶማልያ ጥራይ 1.2 ሚልዮን ህዝቢ ክመዛበል ምኽንያት ኰይኑ።

ለውጢ ከባብያዊ አየር  ንኸምዚ ዓይነት ድርቂ ብውሑዱ 100 ዕጽፊ ክዓቢ ከምዝገበሮ ጕጅለ ወርልድ ዌዘር ይሕብር።

ደቂ ሰባት ዘንቀልዎ ምውሳኽ ሙቐት እውን ናይቲ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ዓመት 2023 ኣብ ጫካ ኣማዞን ዘጋጠመን ብውሑድ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ዘመን ዝኸፍአን ድርቂ ቀንዲ መበገሲኡ እዩ ነይሩ።

  ንባርዕ ጫካ ዘጋድድ ነዳዲ

ባርዕ ሓዊ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ የጋጥም እዩ።  ለውጢ ከባብያዊ አየር ንሓደ ዝዀነ ክስተት ባርዕ በረኻ ኣስዒቡ ወይ ኣጋዲዱ ድዩ ዝብል ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ካልኦት ረቛሒታት እውን ወሰንቲ ስለዝዀኑ።

ግን ከኣ ለውጢ ኩነታት አየር እቲ ባርዕ በረኻ ንኽዝርጋሕ ዝምችእ ኵነታት ኣየር ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ከምዘለዎ ኣይ... የመልክት።

ከቢድን ነዊሕ ዝጸንሕን ሙቐት ካብ ሓመድን ኣትክልትን ኣዝዩ ዝለዓለ መጠን ጠሊ ይመጥጥ።

እቶም ከምዚ ዝበሉ ደረቕ ኵነታት ከኣ ንሓዊ ነዳዲ ይህቡ። ብፍላይ ሓያል ንፋስ ኣብ ዝህልወሉ እቲ ባርዕ ንምእማኑ ብዘጸግም ፍጥነት ክዝርጋሕ ይኽእል።

ምውሳኽ ዋዒ ኣብ ሰሜናዊ ጫካታት ዓለም በርቂ ናይ ምፍጣር ተኽእሎታት ንክውስኽ እውን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል፤ እዚ ድማ ባርዕ ክለዓል ይገብር።

ካናዳ ኣብ ቀረባ ካብ ዝረኣየቶም ወቕቲታት ባርዕ በረኻ እቲ ዝኸፍአ ኣብ 2023 ዘጋጠማ ኰይኑ ኣስታት 18 ሚልዮን ሄክታር (45 ሚልዮን ኤከር) ተቓጺሉ።

ኣብ መጻኢ ብዓለም ደረጃ ጽንኩር ባርዕ ጫካታት ብተደጋጋምን ጽዑቕን ክኸውን ተኽእሎታት ከምዘሎ ፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። እዚ ድማ ምቅይያር ኣጠቓቕማ መሬትን ለውጢ ኩነታት አየርን  ተደሚሮም ዘምጽእዎ ሳዕቤናት እዩ።

ክሳብ 2100 ቍጽሪ ናይቶም ኣዝዮም ጽንኩራት ባርዕ ክሳብ 50 ሚእታዊት ክውስኽ ከምዝኽእል ፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት ይእምት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም