ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ንናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተፈላለየ ረብሓ ዘለዎም 3 ሚልዮን ፈልስታት እናተዳለዉ እዮም



 

ድሬዳዋ/ሚያዝያ 10/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ንናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተፈላለየ ረብሓ ዘለዎም 3 ሚልዮን ፈልስታት እናተዳለዉ ምዃኖም በዓል መዚ ደንን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን እቲ ምምሕዳር ከተማ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት መልክዕን ስነ ምህዳርን እቲ ኸባቢ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ውሕስና ምግቢ እቲ ሓረስታይ ንምርግጋፅ እናሓገዙ ምዃኖም እውን እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ልምዓትን ሓለዋን ደኒ በዓል መዚ ደንን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣይተ ማስረሻ ይመር ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት በቲ መርሃ ግብሪ ዝተተኸሉ ፈልስታት ዝባደሙ ከባብታት ሓምለዋይ ብምግባር ሚዛንን ስነ ምህዳርን ተፈጥሮ ንክሕለው ሓጊዙ እዩ።

ኣብቶም ሓምለዋይ ከባብታት ድማ ዝነፀፉ ፍልፍላትን ናይ በረኻ ኣራዊታትን ምምላስ ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም።

ሓለዋ ከባቢ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምሽግጋርን ተረባሕነት ንምዕባይን ንናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተፈላለየ ረብሓ ዘለዎም 3 ሚልዮን ፈልስታት እናተዳለዉ ምዃኖም እውን እቶም ዳይሬክተር ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም