ንናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እኹል ፈልሲ ከምዝተዳለወ ተዓዚብና-ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል

95



 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 17/2016 (ኢዜኣ) ንናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እኹል ፈልሲ ከምዝተዳለወ ኣብቲ ዝገበሮ ዑደት ከምዘረጋገፀ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (/) ኣፈፃፅማ ስራሕ መንግስቲ 6 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2016 እንትግምግሙ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል ተጣይሹ ትኹረት ኣብ ዝተውሃቦም ዓውድታት ዑደት ንክገብር ኣንፈት ከምዘቕመጡ ዝዝከር እዩ።

በዚ እውን ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዘተሓባብሮ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል፤ ሚኒስቴር ግብርና፣ ምድላው መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀፃሊ ክረምትን ስራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተተኸሉ ፈልስታትን ልምዓት ወሓዝትን ዘለውዎ ብርክን ተዓዚቡ።

ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሕ ፈፃሚ ስራሕ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣይተ ፋኑሴ መኮንን፤ ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዜጋታት ብምስታፍ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻልን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ዝተባብዑ ውፅኢታት እናመዝገበት እያ ኢሎም።

ብመበገሲ ሓሰብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ኢዜኣ) ኣብ 2011 / ብዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሕዚ 32 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ዝተተኸሉ እንትኸውን ብማእኸላይ 87 ሚኢታዊ ከምዝፀደቑ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ክረምቲ እውን 6 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ዝተተለመ እንትኸውን ብብርኪ ምድላው 7 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝተዳለዉ ገሊፆም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦ ስፓሻልን ከምኡ እውን መራሒ እቲ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ኣይተ ኣብዲሳ ይልማ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፅዋርን ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅን ከምዝከኣል ዘርኣየ እዩ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ንናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እኹል መትከሊ ቦታን ፈልስን ከምዝተዳለወ ምዕዛቡ እውን ሓቢሮም።

እቲ መርሃ ግብሪ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንክኸውን እቶም ፈልስታት ኣብ እዋን ምድላውን ድሕሪ ምትካሎም ዘለውዎ ብርክን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ክትትልን ክንክንን ክግበረሎም ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም