ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 6 ነጥቢ 3 ቢልዮን ፈልስታት ንተኸላ ተዳሊዎም-ሚኒስቴር ግብርና

68


 

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 20/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 6 ነጥቢ 3 ቢልዮን ፈልስታት ንተኸላ ከምዝተዳለዉ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ።

ኣብቲ ሚኒስቴር መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ኣጠቓቕማን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ፋኖሴ መኮንን ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ዝመፅእ ዘሎ እዋን ክረምቲ 6 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ተተሊሙ።

ነዚ ስዒቡ ክሳብ ሕዚ 6 ነጥቢ 3 ቢልዮን ፈልስታት ንተኸላ ከምዝተዳለዉ ብምሕባር እቶ ዝተረፉ ፈልስታት ድማ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ንምድላው ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።

እቲ መርሃ ግበሪ ተኸላ ፈልሲ ውፅኢታዊ ንክኸውን መትከሊ ፈልስታት ጎዳጉዲ ብኣግባቡ እናተዳለዉ ምዃኖም እውን ኣረዲኦም።

ክሳብ ሕዚ ዝተተኸሉ ፈልስታት ብዝተገበረ ኽትትል መጠን ምፅዳቕ እቶም ፈልስታት ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።

እቶም ፈልስታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምፅዋር ከምኡ እውን ነፂፎም ዝነበሩ ሩባታት ማይ ንክሕዙ ከምዘኽኣለ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ተሳልጦ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብምክልኻል ንካልኦት ሃገራት መርኣያ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም