ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ሎሚ ዘመን 15 ሚሊዮን ፈልስታት ተዳሊዮም


 

አዲስ አበባ/መጋቢት/19/2016/ኢዜአ/ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ሎሚ ዘመን 15 ሚሊዮን ፈልስታት ከምዝተዳለዉ ቢሮ ፅባቐን ሓምለዋይ ልምዓትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ለውጢ ነባሪ ኣየር ንዘሕድሮ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምክልኻልን ውሕስነት ምግቢ ዜጋታት ንምርግጋፅን መንግስቲ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት እናሰርሐ ምዃኑ ዝፍለጥ 'ዩ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ዘመን ንዝካየድ መርሃ ግብሪ ልምዓት ሓምለዋይ አሰር እኹል ምድላው ከምዝተገበረ እቲ ቢሮ ገሊፁ።

መራሒ ጉጅለ ቐረብን ዝርግሐን እታዎት ጣብያ ፈልሲ እቲ ቢሮ ጌትነት ኣድማሱ፤ ንናይ ሎሚ ዘመን ልምዓት ሓምለዋይ አሰር ኣብ ትሽዓተ ጣብያታት ፈልሲ ዝተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ፈልስታት ናይ ምፍላስ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም