ከባቢ ምክንኻንን መልክዕ ተፈጥሮ ምሕላውን ናይ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ሓላፍነት እዩ

124


 

ሰመራ/ሚያዝያ 14/2016 (ኢዜኣ) ከባቢ ምክንኻንን መልክዕ ተፈጥሮ ምሕላውን ሓላፍነት ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ምዃኑ ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ክላስተር ኢኮኖሚ ክልል ዓፋር ኣይተ ዓሊ መሐመድ ተዛሪቦም።

̎ብኽለት ይኣክል፣ፅባቐ ይነቓቓሕ̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ሃገር ዝተጀመረ ወፍሪ ምውጋድ ከባብያዊ ብኽለት ብብርኪ ክልል ዓፋር መርሃ ግብሪ ምጅማር ኣብ ሰመራ ይካየድ ኣሎ።

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ክላስተር ኢኮኖሚ ክልል ዓፋር ኣይተ ዓሊ መሐመድ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ከባቢ ምሕላው ብፍላይ ድማ ናብራ ደቂ ሰባት ብዝሓሸ መልክዕ ምሓዝን ድሕንነቱ ምሕላውን እዩ።

ዜጋታት ኣብ ንፁህን ጥዕና ዘለዎን ከባቢ ናይ ምንባር መሰሎም ንክኽበር መንግስቲ እቲ ክልል ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም