ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 12 ነጥቢ 6 ሚልዮን ፈልስታት ቡናን ፍራምረን ከምዝተዳለዉ ተገሊፁ

 

ደሴ/ሚያዝያ 19/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝትከሉ ልዕሊ 12 ነጥቢ 6 ሚልዮን ፈልስታት ቡናን ፍራምረን ከምዝተዳለዉ ቢሮ ግብርና እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክልል ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቡናን ፍራምረን ሓዊሱ 1 ነጥቢ 7 ቢልዮን ፈልስታት እናተዳለዉ ምዃኖም እውን እቲ ቢሮ ሓቢሩ።

ቢሮ ግብርና ክልል ኣምሓራ ኣብቲ ክልል ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንዝትከሉ ፈልስታት ቡናን ፍራምረን መድረኽ ምንቕቓሕ ቅድመ ምድላው ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ኣካይዱ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ቃልኪዳን ሽፈራው ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝባደሙ ከባብታት እቲ ክልል ንክለምዑን ሽፋን ደኒ ንምዕባይን እናሓገዘ ይርከብ።

ብተወሳኺ እውን እቲ ሓረስታይ ካብ ልምዓት ቡናን ፍራምረን ብተወሳኺ ኣታዊ ብምርካብ ዓቕሚ ኢኮኖሚ ንክዓቢ ኣብ ምግባር ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

እዚ ንምጥንኻር ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ዝትከሉ 1 ነጥቢ 7 ቢልዮን ዝተፈላለዩ ፈልስታት እናተዳለዉ ምዃኖም ኣረዲኦም።

ካብቶም ዝትከሉ ፈልስታት እቶም 18 ነጥቢ 5 ሚልዮን ፈልስታት ቡናን ፍራምረን ምዃኖም ብምግላፅ፤ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 12 ነጥቢ 6 ሚልዮን ፈልስታት ቡናን ፍራምረን ተዳሊዎም እዮም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም