ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ጎስጓስ ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ተኻይዱ


 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/11/2016/ኢዜአ/ አብ  ከተማ አዲስ አበባ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ጎስጓስ ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ተኻይዱ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ጎስጓስ ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ተኻይዱ።

ኣብታ ከተማ ፀገም ብኽለት ከባቢ ንምቕራፍ ዓበይቲ ሜጋ ፕሮጀክትታት እናተሰርሑ ይርከቡ ኢለን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝገለፅኦ፤ፕሮጀክትታት ወሰን ሩባ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሩባታት ካብ ምጥፋእ እናድሐነ ይርከብ።

ኣብ ቀረባ ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደር ኣብታ ከተማ ብኽለት ከባቢ ኣብ ዝኾነ ኣታአላልያ ፈሳሲ ዝለዓለ ጠመተ ከምዝገበረ ሓቢረን።

እቲ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ብሽዱሽተ ዙራት ዝካየድ እንትኸውን ንኽልተ ነጥቢ ሸውዓተ ሚሊዮን ሰባት ብዛዕባ ብኽለት ከባቢ ግንዛበ ንምጭባጥ ዝዓለመ 'ዩ።

በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ብኽለት ይኣክል ፅባቐ ይነቓቓሕ ብዝብል ቴማ ካብ ሚያዝያ 2016 . ክሳብ መስከረም 2017 . ዝፀንሕ ጎስጓስ ምክልኻል ብኽለት ከባቢ ከምዘካይድ ምግላፁ ዝዝከር 'ዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም