ስፖርት
ኣትሌት ሰሎሞን ባረጋን ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊን ሳልሳይን ራብዓይን ብምውፃእ ዛዚሞም
Aug 21, 2023 254
  ኣዲስ ኣበባ / ነሓሰ/15/ 2015 /ኢዜአ/ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ሰሎሞን ባረጋን ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊን ብ10 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ሳልሳይን ራብዓይን ብምውፃእ ዛዚሞም። ኡጋንዳዊ ኣትሌት ጆሽዋ ቸፕቶጌ ኣብቲ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዊቱ። ብተዛማዲ ሲዒቡ ዝመፀ ዜና ከምዘመላከቶ ብርቄ ሓየሎምን ድርቤ ወልተጂን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ንፍፃመ ምሕላፈን እዩ ፡፡ ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ብርቄ ሓየሎምን ድርቤ ወልተጂን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ናብ ፍፃሜ ውድድር ሓሊፈን፡፡ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ነቲ ርሕቐት ብ4 ደቒቕ 02 ሰከንድን 46 ማይክሮ ሰከንድን ካብ ምድባ 2ይቲ ብምውፃእ ናብ ፍፃመ ምሕላፋ እንትተረጋግፅ÷ ብተመሳሳሊ ካብ ምድብ ክልተ ድርቤ ወልተጂም ብ3 ደቒቕ 55 ሰከንድን 18 ማይክሮ ሰከንድን 2ይቲ ብምውፃእናብ ፍፃመ ክትሓልፍ ክኢላ፡፡ ኣትሌት ሂሩት መሸሻ 9ይቲ ብምውፃኣ ናብ ፍፃመ ክትሓልፍ ኣይከኣለትን፡፡
ንኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝውክሉ ኣትሌታት ምፍናው ተገይሩ።
Aug 14, 2023 284
  ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/8/ 2015 /ኢዜአ/ንኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝውክሉ ኣትሌታት ምፍናው ተገይሩ። ዝተጓዓዙ ኣባላት ኮንግረስ ኣትሌቲክስ ዓለም ሓዊሱ ብሸውዓተ ዙርያ ተመቂሉ ናብ ሃንጋሪ ከምዘምርሕ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣርባዕተ ኣትሌታት ዝሓዘ ቀዳማይ ጉጅለ ስፖርተኛታት ሰሉስ ናብቲ ቦታ ከቕንዕ ኢዩ ተባሂሉ፡፡ ቀፃሊ ረቡዕ ድማ ብ10 ሺሕን 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ብደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን ብደቂ ተባዕትዮ 3 ሺሕ መሰናክል ውድድር ዝሳተፉ ኣትሌታት ዝሓዘ ጉጅለ ናብ ቡዳፔስት ከምዝጓዓዝ ተገሊፁ፡፡ ቀዳም ኣብ ዝጅመር ውድድር ኢትዮጵያ ብ19 ደቂ ኣንስትዮን 16 ደቂ ተባዕትዮን ብሓፈሻ ብ35 ኣትሌታት ክትውከል ኢያ፡፡ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ 13 ክሳብ 21 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ኣብ ሃንጋሪ ከተማ ቡዳፔስት ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምፍናው ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉን ተረኺቦም፡፡
መዓልታዊ 5 ሽሕ ስጕሚ/ሰዳሮ/ ምንቅስቓስ ዕድመ የናውሕ ዶ? ብዝኮነ ንፈትኖ
Aug 9, 2023 324
  ብቝዕ ኣካልን ምሉእ ጥዕናን ንኽህልወካ ኣብ መዓልቲ 10 ሽሕ ስጕምትታት ምግባር ኣገዳሲ ከምዝዀነ ካብ ነዊሕ እዋን ክዝረብ ጸኒሑ’ሎ። እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን ትሕቲ 5 ሽሕ ስጕሚ ጉዕዞ እግሪ ምግባር ጥዕናኣዊ ረብሓ ንምርኣይ እኹል ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብር። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 226 ሽሕ ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ 4,000 ስጕሚ ናይ እግሪ ጕዕዞ ምግባር ብኣጋ (ኣብ ዘይእዋኑ) ንዘጋጥም ሓደጋ ኣብ ምንካይ ከም መጀመሪ እኹል እዩ። ልዕሊ 2300 ስጕሚ ድማ ንጥዕና ልብን ሰራውር ደምን ዝሕግዝ ረብሓ ንምርካብ እኹል ከምዝኾነ ተገሊፁ። ብርግጽ ዝያዳ ጕዕዞ እግሪ ብዝገበርካ መጠን ዝያዳ ጥዕናዊ ረብሓታት ከም እትረክብ እዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ። ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ 4000 ስጒሚ እግሪ ንላዕሊ ኣብ ዝውሰኽ ነፍሲ ወከፍ 1000 ስጕሚ ነቲ ኣብ ዘይእዋኑ ዘጋጥም ሓደጋ ሞት ብ15 ሚእታዊት የጉድሎ። ኣብ ፖላንድን ካብ ዝርከብ ሜዲካል ዩኒቨርሲቲ ሎድዝን ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝርከብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ስኩል ኦፍ ሜዲሲንን ዝተወደበ ጕጅለ ተመራመርቲ ዝረኸቦ ውጽኢት ከምዘመልክቶ፡ እቲ ጕዕዞ እግሪ ብምግባር ዝርከብ ረብሓታት ኣበይ ይነብሩ ብዘየገድስ ንኹሉ ጾታን ዕድመን ዝምልከት እዩ። እንተኾነ እቲ ዝዓበየ ረብሓ ኣብ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት እዩ ተራእዩ። ፕሮፌሰር ማሲየጅ ባናች ካብ ዩኒቨርሲቲ ሎድዝ፡ ቍጽሪ ናይቶም ንሕክምና ዝውዕሉ ምዕቡላት መድሃኒታት እናወሰኸ'ኳ እንተመጸ፡ ንሳቶም ጥራይ ግን መፍትሒ ከምዘይኰኑ ይሕብሩ። "ንሓደጋ ልብን ስርዓተ ደምን ኣብ ምንካይ ከምኡ’ውን ዕድመ ኣብ ምንዋሕ ውጽኢታዊ ክኸውን ስለዝኽእል ኣብ ኣመጋግባን ምንቅስቓስ ኣካላትን ሓዊሱ ኣብ ኣነባብራና ኩልግዘ ትኹረት ክንገብር ከምዝግባእ እየ ዝኣምን" ይብሉ። መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘመልክቶ፡ እኹል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር ኣብ ዓመት ንሞት 3.2 ሚልዮን ሰባት ከም ምኽንያት ይውሰድ። እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ብብዝሒ ዝረአ ራብዓይ ጠንቂ ሞት እዩ። ባሪስ ኣብ ዝተብሃለ ዓለማዊ ኩባንያ ብቕዓት ኣካል ውልቃዊ ኣሰልጣኒትን መምህርን ዝኾነት ሃኒ ፋይን፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኮፍ ካብ ምባል ኣብ ዝመጽእ ጸገማት ጥዕና ጠመተ ትገብር። "እዚ ንመተቦሊዝም [ሰብነትና ንመግብን መስተን ናብ ሓይሊ ዝቕይረሉ ስርዓት] ከዝሕሎን ንዕብየትን ጥንካረን ጭዋዳታት ክጸልዎን ይኽእል'ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ቃንዛ ክስዕብ ይኽእል" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። "ንነዊሕ እዋን ኮፍ ምባል ዝተፈላለየ ዓይነት ጸገም ጥዕና ሕቘ ከስዕብ ይኽእል'ዩ። እዚ ከኣ ብፍላይ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ስራሕ ኣብ ዝውዕሉ ሰባት ብብዝሒ ንረኽቦ ኰይኑ፡ ሕቘኦም ብቐጻሊ ኣብ ውጥረት ዝመልኦ ዝተጨናነቐ ኵነታት ስለዝኣቱ ድሒሩ ኣብ ዘሎ ህይወቶም ዝያዳ ጸገማት የስዕብ" ትብል ወሲኻ። ኣገዳስነት ናይቶም ዓይነታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይኰኑ ግን ድማ ሰብነትና ዝገብሮም "እዚ ብቐሊል ኣዘራርባ ክግለጽ እንተሎ ሓይሊ ዝጥቀምን ካሎሪ ዘቃጽልን ኵሉ እንገብሮ ንጥፈታት እዩ" ትብል። "ከም ደው ምባል፡ ኣብ ዕዳጋ እንስከሞም ነገራት፡ ምውልዋልን ምጽርራይን ገዛ፡ ብተሌፎን ምስ ሰባት እናተዘራረብካ ምውስዋስ ዝኣመሰሉ ዕማማት ኵሎም ንኣሽቱ ነገራት ኰይኖም ግን ድማ ዝያዳ ንጡፋት ዝገብሩናን ካሎሪታት ብእኹል መጠን ንምቅጻል ዝሕግዙና እዮም" ብምባል ተረድእ። መዓልታዊ ስሩዕ ጕዕዞ እግሪ ምግባር ዝኸብድ እኳ እንተዀነ ኣብ ጥዕና ዘምጽኦ ውጽኢት ክርአ እንተሎ ግን ዓብይ ምዃኑ ትዛረብ። "ጕዕዞ እግሪ ምግባር ጸቕጢ ደምካ ክጎድል ይሕግዝ፤ ንጭዋዳታትካ ከደልድል ይኽእል፤ ሓይልኻ ክውስኽ ከምኡ ድማ ጥዑይ ኣመጋግባ ምስ ጥዑይ ክብደት ሰብነት ክህልወካ ይገብር" ትብል እታ ኣሰልጣኒት ኣካላዊ ምውስዋስ። ጥዕና ኣእምሮና ክብርኽ ምግባር ከምኡ’ውን ካብ ከም ናይ ሞባይል፣ ተለቪዥንን ኮምፒተርን ዝበሉ ስክሪናትን ካልእ ትኹረትካ ዝሰርቑ ነገራትን ምርሓቕ ከም ተወሰኽቲ ረብሓታት ጉዕዞ እግሪ ትጠቅስ። ኣገደስቲ ምኽርታት ጕዕዞ እግሪ ቅርብ ናብ ዝበሉ ቦታታት ብኣውቶቡስ ወይ ብመኪና ካብ ምኻድ ብእግርኻ ምኻድ ኮፍ ኢልካ ትሰርሕ እንተዄንካ ኣብ ሞንጎ እናተሳእካ ንክትንቀሳቐስ መዘኻኸሪታት ሰዓት ምላእ ነፍሰጾር እንተዄንኪ ብእግሪ ምጕዓዝ እቲ ዝበለጸ ዓይነት ምንቅስቓስ ኣካላት እዩ መዓልታዊ ን30 ደቓይቕ ብእግሪ ምጕዓዝ ምስ ኣዕሩኽትኻ ኣብ መናፈሻ ወይ ጫካ ጕዕዞ እግሪ ምግባር ጀማሪ እንተዄንካ ብሓደ ግዜ ብነዊሕ ርሕቀት ካብ ምጅማር ብንእሽቶ ጀምር፤ ን10 ደቓይቕ ብእግሪ ምጕዓዝ ካብኡ ክሳብ 20 ደቓይቕ ኣብ መናፈሻ ምጕዓዝ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ን30 ደቓይቕ ብእግሪ ኣብ ከተማ ምንቅስቓስ ይከኣል።
ካብ ፀቅጢ ደም ንዓርስና ንከላከል
Jul 31, 2023 360
ሓምለ/24/2015/ ሕቘኻ ናብ መንደቕ ኣጐዝጒዝካ ቀስ ኢልካ ናብ ታሕቲ ምውራድ (ዎል ስኳት) ከምኡ’ውን ክልተ ብርኪ ኢድካን ክልተ ጫፋት እግርኻን ኣብ መሬት ኣንቢርካ ሚዛን ምሉእ ሰብነትካ ምሕላው (ፕላንክ) ዝተባሃሉ ዓይነት ምውስዋስ ኣካላት፡ ጸቕጢ ደም ንምንካይ ተመረጽቲ ኣገባባት ምዃኖም ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ጕዕዞ እግሪ ምግባር፡ ምጉያይን ብሽክለታ ምዝዋርን ትዅረት ክግበረሎም ዝግብኡ ኣገደስቲ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ከምዝዀኑ ንነዊሕ እዋን ሰብ ሞያ ክምዕዱ ምጽንሖም ይዝከር። ተመራመርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ግን እዞም ኣማራጺታት ምምሕያሽ ክግበረሎም ይምዕዱ ኣለዉ። እንግሊዛዊ ጋዜጣ 'ጆርናል ኦፍ ስፖርትስ መዲስን' ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ነዚ ሓድሽ ርኽበት ኣቃሊሑ’ሎ። ኣብ 16,000 ሰባት ዝተገበረ ፈተነ ከምዘመልክቶ ኵሉ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጸቕጢ ደም ኣብ ምጕዳል ረብሓ ኣለዎ። ይዅን እምበር ብሕቘኻ ናብ መንደቕ ተደጊፍካ (ዎል ስኳት) ዝግበር ምንቅስቓስ፡ ከምኡ’ውን ብብርኪ ኢድካን ኣእጋርካን ተደጊፍካ ፊት ንፊት ናብ መሬት ብምድቃስ ሚዛን ሰብነትካ ብምሕላው (ፕላንክ) ዝግበር ካብ ኤሮቢክ ምንቅስቓስ ኣካላት ብዝበለጸ ጸቕጢ ደም ከም ዘጕድሉ ተረጋጊጹ ኣሎ። እዞም ‘ኣይሶሜትሪክ’ ብዝብል ዝፍለጡ ምውስዋስ ኣካላት ንጭዋዳታት ይዅን መላግቦታቶም ከየንቀሳቐስካ ሓይሊ ጭዋዳታት ዝሃንጹ እዮም። እቲ ፓላንክ ዝበሃል (ብብርኪ ኢድካን ክልተ ኣእጋርካን ተደጊፍካ ሰብነትካ ብምዝርጋሕ ክብደትካ ምሕላው) ብዝተወሰነ መዳዩ ምስቲ ‘ፑሽ-ኣፕ’ ዝበሃል ዓይነት ምንቅስቓስ ዝመሳሰል እዩ። እዚ ንመሬት ብብርኪ ኢድካ ብምድጋፍ ኣካላትካ ትኽ ኢልካ ብምዝርጋሕ ዝካየድ ምንቅስቓስ፡ ንጭዋዳታት ከብዲ እዩ ዘደልድሎ። ስኳት ንምስራሕ ድማ ብሕቘኻ ናብ መንደቕ ብምጽጋዕ ልክዕ ኮፍ ከምዝበልካ ብምምሳል ናብ ታሕቲ ምውራድን ናብ ላዕሊ ምምላስን ይሓትት። ካብ መሬት 60 ሴንቲ ሜተር ዝኸውን ክፍተት ብምግባር ሕቘኻ ናብ መንደቕ ብምድጋፍ ኮፍ ከምዝበልካ ምዃን፤ ብድሕሪኡ ነቲ መንደቕ ተደጊፍካ ናብ ታሕቲ ሸተት እናበልካ ትወርድ። ኣብ መወዳእታ መቀመጫኻ ኣብ መሬት ከይለገበ ኮፍ ከም ዝበልካ ዓይነት እትዀነሉ ምንቅስቓስ ኣካላት እዩ። ጽሓፊ ናይቲ መጽናዕቲ ዝዀነ መምህር ዩኒቨርሲቲ ካንተርበርይ ክራይስት ቸርች ዶክተር ጀሚ ኦድሪስኮል፡ “ነዞም ኣካላዊ ምንቅስቓሳት እናገበርካ ብዘይምቍራጽ ንኽልተ ደቓይቕ እንተጸኒሕካ ኣብ ጭዋዳታት ንዘሎ ወጥሪ ብዝለዓለ ደረጃ ክውስኽ እዮም ዝገብርዎ። ብድሕሪኡ እቶም ጭዋዳታት መሊሶም ምስ ተዛነዩ ኣብ ኣካላትካ ሃንደበታዊ ስሩዕ ዑደት ደም ይስዕብ” ክብል የረድእ። ልዑል ጸቕጢ ደም ኣብ ሰራውር ደም፡ ልብን ካልኦት ኣካላትን ጸቕጢ ብምፍጣር ከም ድኻም ልብን ወቕዒን ዝኣመሰሉ ጸገማት ጥዕና የስዕብ። ልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎም ውልቀሰባት መብዛሕትኡ ግዜ መድሃኒት’ዩ ዝወሃቦም። ብተወሳኺ ኣብ ኣነባብራኦም ለውጢ ብምግባር ጥዕና ዘለዎ መግቢ ክምገቡ፡ ኣልኮላዊ መስተ ክቕንሱ፡ ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጹን ኣዘውቲሮም ምንቅስቓስ ኣካላት ክገብሩን ይምከሩ። ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ዋላ’ውን ልዑል ጸቕጢ ደም እንተዘይሃለዎም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት መርመራ ክገብሩ ሰብሞያ የተሓሳስቡ። ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ካተንበሪ ክራይስት ቸርችን ዩኒቨርሲቲ ሌስተርን ንኽልተ ሰሙንን ልዕሊኡን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ካብ ዝጸንሑ 15,827 ሰባት ዝተረኽበ መረዳእታ እዮም ኣጽኒዖም። ብተወሳኺ’ውን ካብ 1990 ክሳብ 2023 /ዓ/ፈ ኣብ ዝተኻየደ 270 ክሊኒካዊ ፈተነታት ምንቅስቓስ ኣካላት መርሚሮም። ሰብሞያ መምርሒ ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ከምዝብልዎ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ሰሙን 150 ደቓይቕ ማእከላይ ምንቅስቓስ ኣካላት ክገብሩ ወይ ድማ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ን75 ደቓይቕ ብርቱዕ ምንቅስቓስን ጭዋዳታት ዘደልድል ምንቅስቓስ ኣካላትን ክገብሩ ይምዕዱ። ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ዝኸውን ንክልተ ደቓይቕ ናብ መንደቕ ስኳት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ንኽልተ ደቓይቕ ዕረፍቲ ብምግባር ኣርባዕተ ግዜ ፕላንክ ምግባር ከምዘድሊ ዶክተር ኦድሪስኮል ሓቢሩ’ሎ። ብሪጣንያዊ ፋውንደሽን ልቢ ድማ ምንቅስቓስ ኣካላት ንጥዕና ልቢ ጽቡቕ ምዃኑን ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ክሳብ 35 ሚእታዊት ክቕንስ ከምዝገብርን ይገልጽ። ብተወሳኺ ምንካይ ጨው፡ ጥዑይ ክብደት ሰብነት ምሕላውን ዝተኣዘዙ መድሃኒታት ብዘይ ምቁራጽ ምውሳድን እውን እወንታዊ ተራ ኣለዎም።
ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ዳይመንድ ሊግ ሞናኮ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ
Jul 22, 2023 356
  ኣዲስ ኣበባ / ሓምለ/ 15/ 2015 /ኢዜአ/ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ፈረንሳይ ሞናኮ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ ዳይመንድ ሊግ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ። ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተኸታቲሎም ውድድሮም ብምዝዛም ተዓዊቶም። ብመሰረት እዚ ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ብ12 ደቒቓን 42 ሰከንድን 18 ማይክሮ ሰከንድን፣ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ብ12 ደቒቓን 42 ሰከንድን 58 ማይክሮ ሰከንድን ከምኡውን ኣትሌት ጥላሁን ሃይሌ ብ12 ደቒቓ 42 ሰከንድን 70 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም። ብ3 ሺሕ ሜትሮ መሰናክል ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ ድማ ኣትሌት ኣብርሀም ስሜ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣትሌት ሳሙኤል ፍሬው ራብዓይ ደረጃ ሒዙ። ብተመሳሳሊ ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ፥ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተገበረ ውድድር ጉያ ሓደ ማይል ኢትዮጵያዊት ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዛዚማ።
ውድድር ሻምፕዮና ብስክሌት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ
Jun 21, 2023 424
  መቐለ/ሰነ 14/2015 (ኢዜኣ) ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተሳተፍሉ ውድድር ሻምፕዮና ብስክሌት ኢትዮጵያ 2015 ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ። እቲ ውድድር ዘጀመርዎ፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ ኣይተ ወንድሙ ሃይለን ሓላፊ ሽግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወትን እዮም። ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ ኣይተ ወንድሙ ሃይለ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ካብ 14-18 ሰነ 2015 ዓ/ም ዝካየድ ውድድር ሰናይ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ። እቲ ውድድር፤ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ዝሳተፉ ብስክሌተኛታት ንምምራፅ ዝዓለመ እዩ ኢሎም። ሓላፊ ሽግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ብግደኦም፤ እቲ ኣብ መቐለ ዝተጀመረ ውድድር ብስክሌት ኣብ ኩሎም ክልላት ዘላቒ ሰላም ንክረጋገፅ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም። ̎ስለዝኾነ እውን ስፖርተኛታት ኣምባሳደር ሰላም ክትኾኑ ይግባእ̎ ኢሎም። ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ብስክሌት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ገብረስላሴ ብወገኖም፤ ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ ውድድር ብስክሌት 2015 ኣብ መቐለ ንክካየድ ስለዝፈቐደ ምስጋነኦም ገሊፆም። እቲ ውድድር ሰላማዊ ኮይኑ ንክዛዘም እውን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ስቶክሆልም ሲዊዲን ብክልቲኦም ፆታታት ስዒሮም
Jun 5, 2023 478
  አዲስ አበባ /ገንቦት /28/2015/ ኢዜአ/ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ማራቶን ስቶክሆልም ሲዊዲን ብክልቲኦም ፆታታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ደረጃ ብምሓዝ ብላዕለዋይነት ዛዚሞም። ኣብ መወዳእታ እቲ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ውድድራት ኣትሌቲክስ ተኻይዶም።ኣብቲ ሰሙን ከብ ዝተገበሩ ውድድራት እቲ ኣብ ሲዊዲን ዝተኻየደ ማራቶን ስቶኮልም ይርከቦም።ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኦም ፆታታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ደረጃ ሒዞም ዛዚሞም። ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ኣሸናፊ ሞገስ ቀዳማይ ኮይኑ እንትዛዝም ኣትሌት ደራራ ሁሬሳ ካልኣይ ከምኡ'ውን ኣትሌት ፀጋዬ መኮንን ሳልሳይ ኮይኖም ነቲ ውድድር ብላዕለዋይነት ዛዚሞም። ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ሲፋን መላኩ ቀዳማይ ብምውፃእ እንትስዕር ኣትሌት ሶሮሜ ነጋሽ ካልኣይ ከምኡ'ውን ኣትሌት የኔነሽ ዲንቄሳ ሳልሳይ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን። ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኣልባሴቴ ስፔን ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ካሳነሽ ባዜ ስዒራ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኔልሰን ማንዴላ ኣትሌት በቀለች ወሬዮ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ነቲ ውድድር ዛዚማ ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ። ኣትሌት ሰላም ገብሬን ትግስት ኣያሌውን ብቕደም ሰዓብ ራብዓይን ሓምሻይን ኮይነን ዛዚመን።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም