ስፖርት - ኢዜአ ትግርኛ
ስፖርት
ኢትዮጵያ ብውድድር መሰናክል 3 ሺሕ ሜትሮ ን ብ1500 ሜትሮ ጉያን ክልተ ሜዳሊያ ብሩር ረኺባ
Aug 23, 2023 272
ኣዲስ ኣበባ / ነሓሰ/17/ 2015 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ብውድድር መሰናክል 3 ሺሕ ሜትሮ ብኣትሌት ለሜቻ ግርማ ሜዳሊያ ብሩር ረኺባ። ኣብቲ ውድድር ሞሮኳዊ ኣትሌት ኤል ባካሊ ቀዳማይ ብምዃን ተዓዊቱ።ብካልእ ዜና ኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ብውድድር ጉያ 1500 ሜትሮ ሜዳሊያ ብሩር ረኺባ። እቲ ሜዳሊያ ብኣትሌት ድርቤ ወልተጂ ኢኡ ተረኺቡ። ኬኒያዊት ኣትሌት ፌዝ ኪፕዬጎን ድማ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ኣብቲ ውድድር ተዓዊታ።
ኢትዮጵያ ትካፈለሎም 2 ውድድራት ፍፃመ ሎሚ ምሸት ካከየዱ ኢዮም
Aug 22, 2023 262
ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/16/ 2015 /ኢዜአ/ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እናተኻየደ ዝርከብ መበል 19 ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ትካፈለሎም ክልተ ውድድራት ፍፃመ ሎሚ ምሸት ካከየዱ ኢዮም። ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ተባዕትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ሎሚ ምሸት ካብ ሞን ዝካየዱ ኢትዮጵያ ትካፈለሎም ውድድራት ኢዮም፡፡ ምሸት ሰዓት 4፡31 ኣብ ዝካየድ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎምን ድርቤ ወልተጂን ትፅቢት ይግበረለን፡፡ ከምኡ እውን ምሸት 4፡42 ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍፃመ ደቂ ተባዕትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ÷ ኣትሌት ለሜቻ ግርማን ጌትነት ዋለን ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እየተካኻየደ ዝርከብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ይርከብ፡፡
ጋንታ ባህር ዳር ከተማ ኣብ ካፍ ኮንፌዴሬሽን ካፕ ቀዳማይ ዙር መፃረዪ ፀወታ ተዓዊታ
Aug 21, 2023 198
ኣዲስ ኣበባ / ነሓሰ /15/ 2015 /ኢዜአ/ንኢትዮጵያን ብምውካል ኣብ ካፍ ኮንፌዴሬሽን ካፕ ንምስታፍ ቀዳማይ ዙር መፃረዪ ፀወታ ዝገበረት ጋንታ ባህር ዳር ከተማ ዓወት ቀኒዑዋ። ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ምስ ታንዛኒያዊት ጋንታ ኣዛም ዝተፃወተት ጋንታ ባህር ዳር ከተማ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት እዩ። ፍፁም ጥላሁን ባህርዳር ከተማ ዝተዓወተትለን ሸቶታት እንተመዝግብ ኢድሪስ ሙቦንቦ ድማ ብሕታዊት ሸቶ ኣዛን ኣመዝጊቡዋ። ናይ መልሲ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ድማ ዝቕፅል ዓርቢ ኣብ ታንዛኒያ ክካየድ ኢዩ።
ኣትሌት ሰሎሞን ባረጋን ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊን ሳልሳይን ራብዓይን ብምውፃእ ዛዚሞም
Aug 21, 2023 254
ኣዲስ ኣበባ / ነሓሰ/15/ 2015 /ኢዜአ/ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ሰሎሞን ባረጋን ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊን ብ10 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ሳልሳይን ራብዓይን ብምውፃእ ዛዚሞም። ኡጋንዳዊ ኣትሌት ጆሽዋ ቸፕቶጌ ኣብቲ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዊቱ። ብተዛማዲ ሲዒቡ ዝመፀ ዜና ከምዘመላከቶ ብርቄ ሓየሎምን ድርቤ ወልተጂን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ንፍፃመ ምሕላፈን እዩ ፡፡ ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ብርቄ ሓየሎምን ድርቤ ወልተጂን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ናብ ፍፃሜ ውድድር ሓሊፈን፡፡ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ነቲ ርሕቐት ብ4 ደቒቕ 02 ሰከንድን 46 ማይክሮ ሰከንድን ካብ ምድባ 2ይቲ ብምውፃእ ናብ ፍፃመ ምሕላፋ እንትተረጋግፅ÷ ብተመሳሳሊ ካብ ምድብ ክልተ ድርቤ ወልተጂም ብ3 ደቒቕ 55 ሰከንድን 18 ማይክሮ ሰከንድን 2ይቲ ብምውፃእናብ ፍፃመ ክትሓልፍ ክኢላ፡፡ ኣትሌት ሂሩት መሸሻ 9ይቲ ብምውፃኣ ናብ ፍፃመ ክትሓልፍ ኣይከኣለትን፡፡
ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብ3 ሺሕ ሜትሮ ውድድር መሰናክል ደቂ ተባዕቲዮ ናብ ፍፃመ ሓሊፎም።
Aug 19, 2023 266
ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/13/ 2015 /ኢዜአ/ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብ3 ሺሕ ሜትሮ ውድድር መሰናክል ደቂ ተባዕቲዮ ናብ ፍፃመ ሓሊፎም። ኣብ ምድብ ሓደ ዝተወዳደረ ኣትሌት ጌትነት ዋለ 8:19.99 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ካብቲ ምድብ ቀዳማይ ብምውፃእ ናብ ውድድር ፍፃመ ሓሊፉ። ኣብ ምድብ ሰለስተ ዝተወዳደረ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ድማ 8:15.89 ሰዓት ውድድሩ ብምዝዛም ቀዳማይ ኮይኑ ናብ ቀፃሊ ውድድር ፍፃመ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ። ኣብ ምድብ ክልተ ዝተወዳደረ ኣትሌት ኣብርሃም ስሜ 8:31.49 ሰዓት ብምእታው ሻምናይ ደረጃ ብምሓዙ ናብ ፍፃመ ኣይሓለፈን።
መበል ታሽዓይ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ፅባሕ ኣብ ቡዳፔስት ሃንጋሪ ክጅመር 'ዩ።
Aug 18, 2023 251
አዲስ አበባ /ነሓሰ/12/2015/ኢዜአ/ ኣዝዩ ዘሀንጥውን ብስድራ ኣትሌቲክስ ትፅቢት ዝግበረሉን ዝኾነ እዚ ውድድር ምሸት ካብ ሰለስተ ሰዓትን 55 ደቒቓን (3:55) ጀሚሩ ክካየድ 'ዩ። ኣብቲ ዕለት ካብ ዝግበሩ ውድድራት 'ውን ፍፃመ 10 ሽሕ ሜትር ደቁ ኣንስትዮ ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ እዩ። በቲ ርሕቐት ኣብ ዝግበር ንሕንሕ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት እቲ ዝተለመደ ግምት ሰዓራይነት ዝተውሃበን እንትኸውን ኢትዮጵያ 'ውን ካብቲ ሻምፒዮና ፈላማይ ሜዳልያ ካብዚ ንሕንሕ ትፅቢት ትገብር። ኣብ ታሪኽ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ብ10 ሽሕ ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ሸሞንተ ወርቂ፣ ሸሞንተ ብሩሪን ኣርባዕተ ነሓስን ብድምሩ 20 ሜዳልያታት ብምምዝጋብ ቀዳመይቲ ሃገር 'ያ። ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ታሪኽ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም -ኽ ?
ንኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝውክሉ ኣትሌታት ምፍናው ተገይሩ።
Aug 14, 2023 284
ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/8/ 2015 /ኢዜአ/ንኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝውክሉ ኣትሌታት ምፍናው ተገይሩ። ዝተጓዓዙ ኣባላት ኮንግረስ ኣትሌቲክስ ዓለም ሓዊሱ ብሸውዓተ ዙርያ ተመቂሉ ናብ ሃንጋሪ ከምዘምርሕ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣርባዕተ ኣትሌታት ዝሓዘ ቀዳማይ ጉጅለ ስፖርተኛታት ሰሉስ ናብቲ ቦታ ከቕንዕ ኢዩ ተባሂሉ፡፡ ቀፃሊ ረቡዕ ድማ ብ10 ሺሕን 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ብደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን ብደቂ ተባዕትዮ 3 ሺሕ መሰናክል ውድድር ዝሳተፉ ኣትሌታት ዝሓዘ ጉጅለ ናብ ቡዳፔስት ከምዝጓዓዝ ተገሊፁ፡፡ ቀዳም ኣብ ዝጅመር ውድድር ኢትዮጵያ ብ19 ደቂ ኣንስትዮን 16 ደቂ ተባዕትዮን ብሓፈሻ ብ35 ኣትሌታት ክትውከል ኢያ፡፡ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ 13 ክሳብ 21 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ኣብ ሃንጋሪ ከተማ ቡዳፔስት ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምፍናው ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉን ተረኺቦም፡፡
መዓልታዊ 5 ሽሕ ስጕሚ/ሰዳሮ/ ምንቅስቓስ ዕድመ የናውሕ ዶ? ብዝኮነ ንፈትኖ
Aug 9, 2023 324
ብቝዕ ኣካልን ምሉእ ጥዕናን ንኽህልወካ ኣብ መዓልቲ 10 ሽሕ ስጕምትታት ምግባር ኣገዳሲ ከምዝዀነ ካብ ነዊሕ እዋን ክዝረብ ጸኒሑ’ሎ። እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን ትሕቲ 5 ሽሕ ስጕሚ ጉዕዞ እግሪ ምግባር ጥዕናኣዊ ረብሓ ንምርኣይ እኹል ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብር። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 226 ሽሕ ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ 4,000 ስጕሚ ናይ እግሪ ጕዕዞ ምግባር ብኣጋ (ኣብ ዘይእዋኑ) ንዘጋጥም ሓደጋ ኣብ ምንካይ ከም መጀመሪ እኹል እዩ። ልዕሊ 2300 ስጕሚ ድማ ንጥዕና ልብን ሰራውር ደምን ዝሕግዝ ረብሓ ንምርካብ እኹል ከምዝኾነ ተገሊፁ። ብርግጽ ዝያዳ ጕዕዞ እግሪ ብዝገበርካ መጠን ዝያዳ ጥዕናዊ ረብሓታት ከም እትረክብ እዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ። ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ 4000 ስጒሚ እግሪ ንላዕሊ ኣብ ዝውሰኽ ነፍሲ ወከፍ 1000 ስጕሚ ነቲ ኣብ ዘይእዋኑ ዘጋጥም ሓደጋ ሞት ብ15 ሚእታዊት የጉድሎ። ኣብ ፖላንድን ካብ ዝርከብ ሜዲካል ዩኒቨርሲቲ ሎድዝን ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝርከብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ስኩል ኦፍ ሜዲሲንን ዝተወደበ ጕጅለ ተመራመርቲ ዝረኸቦ ውጽኢት ከምዘመልክቶ፡ እቲ ጕዕዞ እግሪ ብምግባር ዝርከብ ረብሓታት ኣበይ ይነብሩ ብዘየገድስ ንኹሉ ጾታን ዕድመን ዝምልከት እዩ። እንተኾነ እቲ ዝዓበየ ረብሓ ኣብ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት እዩ ተራእዩ። ፕሮፌሰር ማሲየጅ ባናች ካብ ዩኒቨርሲቲ ሎድዝ፡ ቍጽሪ ናይቶም ንሕክምና ዝውዕሉ ምዕቡላት መድሃኒታት እናወሰኸ'ኳ እንተመጸ፡ ንሳቶም ጥራይ ግን መፍትሒ ከምዘይኰኑ ይሕብሩ። "ንሓደጋ ልብን ስርዓተ ደምን ኣብ ምንካይ ከምኡ’ውን ዕድመ ኣብ ምንዋሕ ውጽኢታዊ ክኸውን ስለዝኽእል ኣብ ኣመጋግባን ምንቅስቓስ ኣካላትን ሓዊሱ ኣብ ኣነባብራና ኩልግዘ ትኹረት ክንገብር ከምዝግባእ እየ ዝኣምን" ይብሉ። መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘመልክቶ፡ እኹል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር ኣብ ዓመት ንሞት 3.2 ሚልዮን ሰባት ከም ምኽንያት ይውሰድ። እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ብብዝሒ ዝረአ ራብዓይ ጠንቂ ሞት እዩ። ባሪስ ኣብ ዝተብሃለ ዓለማዊ ኩባንያ ብቕዓት ኣካል ውልቃዊ ኣሰልጣኒትን መምህርን ዝኾነት ሃኒ ፋይን፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኮፍ ካብ ምባል ኣብ ዝመጽእ ጸገማት ጥዕና ጠመተ ትገብር። "እዚ ንመተቦሊዝም [ሰብነትና ንመግብን መስተን ናብ ሓይሊ ዝቕይረሉ ስርዓት] ከዝሕሎን ንዕብየትን ጥንካረን ጭዋዳታት ክጸልዎን ይኽእል'ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ቃንዛ ክስዕብ ይኽእል" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። "ንነዊሕ እዋን ኮፍ ምባል ዝተፈላለየ ዓይነት ጸገም ጥዕና ሕቘ ከስዕብ ይኽእል'ዩ። እዚ ከኣ ብፍላይ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ስራሕ ኣብ ዝውዕሉ ሰባት ብብዝሒ ንረኽቦ ኰይኑ፡ ሕቘኦም ብቐጻሊ ኣብ ውጥረት ዝመልኦ ዝተጨናነቐ ኵነታት ስለዝኣቱ ድሒሩ ኣብ ዘሎ ህይወቶም ዝያዳ ጸገማት የስዕብ" ትብል ወሲኻ። ኣገዳስነት ናይቶም ዓይነታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይኰኑ ግን ድማ ሰብነትና ዝገብሮም "እዚ ብቐሊል ኣዘራርባ ክግለጽ እንተሎ ሓይሊ ዝጥቀምን ካሎሪ ዘቃጽልን ኵሉ እንገብሮ ንጥፈታት እዩ" ትብል። "ከም ደው ምባል፡ ኣብ ዕዳጋ እንስከሞም ነገራት፡ ምውልዋልን ምጽርራይን ገዛ፡ ብተሌፎን ምስ ሰባት እናተዘራረብካ ምውስዋስ ዝኣመሰሉ ዕማማት ኵሎም ንኣሽቱ ነገራት ኰይኖም ግን ድማ ዝያዳ ንጡፋት ዝገብሩናን ካሎሪታት ብእኹል መጠን ንምቅጻል ዝሕግዙና እዮም" ብምባል ተረድእ። መዓልታዊ ስሩዕ ጕዕዞ እግሪ ምግባር ዝኸብድ እኳ እንተዀነ ኣብ ጥዕና ዘምጽኦ ውጽኢት ክርአ እንተሎ ግን ዓብይ ምዃኑ ትዛረብ። "ጕዕዞ እግሪ ምግባር ጸቕጢ ደምካ ክጎድል ይሕግዝ፤ ንጭዋዳታትካ ከደልድል ይኽእል፤ ሓይልኻ ክውስኽ ከምኡ ድማ ጥዑይ ኣመጋግባ ምስ ጥዑይ ክብደት ሰብነት ክህልወካ ይገብር" ትብል እታ ኣሰልጣኒት ኣካላዊ ምውስዋስ። ጥዕና ኣእምሮና ክብርኽ ምግባር ከምኡ’ውን ካብ ከም ናይ ሞባይል፣ ተለቪዥንን ኮምፒተርን ዝበሉ ስክሪናትን ካልእ ትኹረትካ ዝሰርቑ ነገራትን ምርሓቕ ከም ተወሰኽቲ ረብሓታት ጉዕዞ እግሪ ትጠቅስ። ኣገደስቲ ምኽርታት ጕዕዞ እግሪ ቅርብ ናብ ዝበሉ ቦታታት ብኣውቶቡስ ወይ ብመኪና ካብ ምኻድ ብእግርኻ ምኻድ ኮፍ ኢልካ ትሰርሕ እንተዄንካ ኣብ ሞንጎ እናተሳእካ ንክትንቀሳቐስ መዘኻኸሪታት ሰዓት ምላእ ነፍሰጾር እንተዄንኪ ብእግሪ ምጕዓዝ እቲ ዝበለጸ ዓይነት ምንቅስቓስ ኣካላት እዩ መዓልታዊ ን30 ደቓይቕ ብእግሪ ምጕዓዝ ምስ ኣዕሩኽትኻ ኣብ መናፈሻ ወይ ጫካ ጕዕዞ እግሪ ምግባር ጀማሪ እንተዄንካ ብሓደ ግዜ ብነዊሕ ርሕቀት ካብ ምጅማር ብንእሽቶ ጀምር፤ ን10 ደቓይቕ ብእግሪ ምጕዓዝ ካብኡ ክሳብ 20 ደቓይቕ ኣብ መናፈሻ ምጕዓዝ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ን30 ደቓይቕ ብእግሪ ኣብ ከተማ ምንቅስቓስ ይከኣል።
ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ብ3 ሺሕ ሜትር ኣብ ፓሪስ ብውድድር ዳይመንድ ሊግ መሰናክል ዘመዝገቦ ሰዓት ክብረ ወሰን ዓለም ብምዃን ተመዝጊቡ።
Aug 8, 2023 338
ኣዲስ ኣበባ /ነሓሰ/2/ 2015 /ኢዜአ/ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ብ3 ሺሕ ሜትር ኣብ ፓሪስ ብውድድር ዳይመንድ ሊግ መሰናክል ዘመዝገቦ ሰዓት ክብረ ወሰን ዓለም ብምዃን ተመዝጊቡ። ኣትሌት ለሜቻ ነቲ ውድድር ብ7 ደቒቓን 52 ሰከንድን 11 ማይክሮ ሰከንድን ዛዚሙ። እቲ ክብረ ወሰን ብኬንያዊ ኣትሌት ቢያትሪስ ቸቤኮች ብ7 ደቒቓ 53 ሰከንድን 63 ማይክሮ ሰከንድን ተታሒዙ ዝፀንሐ ምዃኑ ካብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ካብ ፀቅጢ ደም ንዓርስና ንከላከል
Jul 31, 2023 360
ሓምለ/24/2015/ ሕቘኻ ናብ መንደቕ ኣጐዝጒዝካ ቀስ ኢልካ ናብ ታሕቲ ምውራድ (ዎል ስኳት) ከምኡ’ውን ክልተ ብርኪ ኢድካን ክልተ ጫፋት እግርኻን ኣብ መሬት ኣንቢርካ ሚዛን ምሉእ ሰብነትካ ምሕላው (ፕላንክ) ዝተባሃሉ ዓይነት ምውስዋስ ኣካላት፡ ጸቕጢ ደም ንምንካይ ተመረጽቲ ኣገባባት ምዃኖም ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ጕዕዞ እግሪ ምግባር፡ ምጉያይን ብሽክለታ ምዝዋርን ትዅረት ክግበረሎም ዝግብኡ ኣገደስቲ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ከምዝዀኑ ንነዊሕ እዋን ሰብ ሞያ ክምዕዱ ምጽንሖም ይዝከር። ተመራመርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ግን እዞም ኣማራጺታት ምምሕያሽ ክግበረሎም ይምዕዱ ኣለዉ። እንግሊዛዊ ጋዜጣ 'ጆርናል ኦፍ ስፖርትስ መዲስን' ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ነዚ ሓድሽ ርኽበት ኣቃሊሑ’ሎ። ኣብ 16,000 ሰባት ዝተገበረ ፈተነ ከምዘመልክቶ ኵሉ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጸቕጢ ደም ኣብ ምጕዳል ረብሓ ኣለዎ። ይዅን እምበር ብሕቘኻ ናብ መንደቕ ተደጊፍካ (ዎል ስኳት) ዝግበር ምንቅስቓስ፡ ከምኡ’ውን ብብርኪ ኢድካን ኣእጋርካን ተደጊፍካ ፊት ንፊት ናብ መሬት ብምድቃስ ሚዛን ሰብነትካ ብምሕላው (ፕላንክ) ዝግበር ካብ ኤሮቢክ ምንቅስቓስ ኣካላት ብዝበለጸ ጸቕጢ ደም ከም ዘጕድሉ ተረጋጊጹ ኣሎ። እዞም ‘ኣይሶሜትሪክ’ ብዝብል ዝፍለጡ ምውስዋስ ኣካላት ንጭዋዳታት ይዅን መላግቦታቶም ከየንቀሳቐስካ ሓይሊ ጭዋዳታት ዝሃንጹ እዮም። እቲ ፓላንክ ዝበሃል (ብብርኪ ኢድካን ክልተ ኣእጋርካን ተደጊፍካ ሰብነትካ ብምዝርጋሕ ክብደትካ ምሕላው) ብዝተወሰነ መዳዩ ምስቲ ‘ፑሽ-ኣፕ’ ዝበሃል ዓይነት ምንቅስቓስ ዝመሳሰል እዩ። እዚ ንመሬት ብብርኪ ኢድካ ብምድጋፍ ኣካላትካ ትኽ ኢልካ ብምዝርጋሕ ዝካየድ ምንቅስቓስ፡ ንጭዋዳታት ከብዲ እዩ ዘደልድሎ። ስኳት ንምስራሕ ድማ ብሕቘኻ ናብ መንደቕ ብምጽጋዕ ልክዕ ኮፍ ከምዝበልካ ብምምሳል ናብ ታሕቲ ምውራድን ናብ ላዕሊ ምምላስን ይሓትት። ካብ መሬት 60 ሴንቲ ሜተር ዝኸውን ክፍተት ብምግባር ሕቘኻ ናብ መንደቕ ብምድጋፍ ኮፍ ከምዝበልካ ምዃን፤ ብድሕሪኡ ነቲ መንደቕ ተደጊፍካ ናብ ታሕቲ ሸተት እናበልካ ትወርድ። ኣብ መወዳእታ መቀመጫኻ ኣብ መሬት ከይለገበ ኮፍ ከም ዝበልካ ዓይነት እትዀነሉ ምንቅስቓስ ኣካላት እዩ። ጽሓፊ ናይቲ መጽናዕቲ ዝዀነ መምህር ዩኒቨርሲቲ ካንተርበርይ ክራይስት ቸርች ዶክተር ጀሚ ኦድሪስኮል፡ “ነዞም ኣካላዊ ምንቅስቓሳት እናገበርካ ብዘይምቍራጽ ንኽልተ ደቓይቕ እንተጸኒሕካ ኣብ ጭዋዳታት ንዘሎ ወጥሪ ብዝለዓለ ደረጃ ክውስኽ እዮም ዝገብርዎ። ብድሕሪኡ እቶም ጭዋዳታት መሊሶም ምስ ተዛነዩ ኣብ ኣካላትካ ሃንደበታዊ ስሩዕ ዑደት ደም ይስዕብ” ክብል የረድእ። ልዑል ጸቕጢ ደም ኣብ ሰራውር ደም፡ ልብን ካልኦት ኣካላትን ጸቕጢ ብምፍጣር ከም ድኻም ልብን ወቕዒን ዝኣመሰሉ ጸገማት ጥዕና የስዕብ። ልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎም ውልቀሰባት መብዛሕትኡ ግዜ መድሃኒት’ዩ ዝወሃቦም። ብተወሳኺ ኣብ ኣነባብራኦም ለውጢ ብምግባር ጥዕና ዘለዎ መግቢ ክምገቡ፡ ኣልኮላዊ መስተ ክቕንሱ፡ ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጹን ኣዘውቲሮም ምንቅስቓስ ኣካላት ክገብሩን ይምከሩ። ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ዋላ’ውን ልዑል ጸቕጢ ደም እንተዘይሃለዎም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት መርመራ ክገብሩ ሰብሞያ የተሓሳስቡ። ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ካተንበሪ ክራይስት ቸርችን ዩኒቨርሲቲ ሌስተርን ንኽልተ ሰሙንን ልዕሊኡን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ካብ ዝጸንሑ 15,827 ሰባት ዝተረኽበ መረዳእታ እዮም ኣጽኒዖም። ብተወሳኺ’ውን ካብ 1990 ክሳብ 2023 /ዓ/ፈ ኣብ ዝተኻየደ 270 ክሊኒካዊ ፈተነታት ምንቅስቓስ ኣካላት መርሚሮም። ሰብሞያ መምርሒ ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ከምዝብልዎ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ሰሙን 150 ደቓይቕ ማእከላይ ምንቅስቓስ ኣካላት ክገብሩ ወይ ድማ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ን75 ደቓይቕ ብርቱዕ ምንቅስቓስን ጭዋዳታት ዘደልድል ምንቅስቓስ ኣካላትን ክገብሩ ይምዕዱ። ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ዝኸውን ንክልተ ደቓይቕ ናብ መንደቕ ስኳት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ንኽልተ ደቓይቕ ዕረፍቲ ብምግባር ኣርባዕተ ግዜ ፕላንክ ምግባር ከምዘድሊ ዶክተር ኦድሪስኮል ሓቢሩ’ሎ። ብሪጣንያዊ ፋውንደሽን ልቢ ድማ ምንቅስቓስ ኣካላት ንጥዕና ልቢ ጽቡቕ ምዃኑን ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ክሳብ 35 ሚእታዊት ክቕንስ ከምዝገብርን ይገልጽ። ብተወሳኺ ምንካይ ጨው፡ ጥዑይ ክብደት ሰብነት ምሕላውን ዝተኣዘዙ መድሃኒታት ብዘይ ምቁራጽ ምውሳድን እውን እወንታዊ ተራ ኣለዎም።
ኣብ ዳይመንድ ሊግ ለንደን ጉዳፍ ፀጋይ ተዓዊታ
Jul 24, 2023 358
አዲስ አበባ /ሓምለ/2015/ኢዜአ/ ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ዳይምንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ተዓዊታ፡፡ ጉዳፍ ፀጋይ እቲ ርሕቐት ንምዝዛም 14 ደቒቕ 12 ሰከንድ ዝወሰደላ እንትኸውን÷ ንተናሓናሕታ ኣትሌት ሲፈን ሓሰንን ብያትሪስ ቺቤትን ብምቕዳም ኢያ ብዓወት ዛዚማ፡፡ ኣብቲ ርሕቐት ኬንያዊት ኣትሌት ብያትሪስ ቺቤት 2ይቲ ከምኡ እውን ትውልደ ኢትዮጵያዊትን ንኔዘርላንድስ ትጎዪ ኣትሌት ሲፈን ሓሰን 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚመን፡፡
ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ዳይመንድ ሊግ ሞናኮ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ
Jul 22, 2023 356
ኣዲስ ኣበባ / ሓምለ/ 15/ 2015 /ኢዜአ/ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ፈረንሳይ ሞናኮ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ ዳይመንድ ሊግ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ። ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተኸታቲሎም ውድድሮም ብምዝዛም ተዓዊቶም። ብመሰረት እዚ ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ብ12 ደቒቓን 42 ሰከንድን 18 ማይክሮ ሰከንድን፣ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ብ12 ደቒቓን 42 ሰከንድን 58 ማይክሮ ሰከንድን ከምኡውን ኣትሌት ጥላሁን ሃይሌ ብ12 ደቒቓ 42 ሰከንድን 70 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም። ብ3 ሺሕ ሜትሮ መሰናክል ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ ድማ ኣትሌት ኣብርሀም ስሜ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ። ኣትሌት ሳሙኤል ፍሬው ራብዓይ ደረጃ ሒዙ። ብተመሳሳሊ ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ፥ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተገበረ ውድድር ጉያ ሓደ ማይል ኢትዮጵያዊት ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዛዚማ።
ኣብ መበል 20 ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ስፖርት ማይ ዝሳተፉ ኣባላት ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ምፍናው ተገይሩሎም።
Jul 21, 2023 378
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/14/ 2015/ ኢዜአ/ኣብ መበል 20 ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ስፖርት ማይ ዝሳተፉ ኣባላት ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ምፍናው ተገይሩሎም። ኣብ ጃፓን ፎካካ ኣብ ዝሳለጥ ሻምሪዮና ኢትዮጵያ ብሓደ ወዲ ተባዕታይን ጓል ተንስተይቲን ኣትሌታት ብ50 ሚትሮ ሓመሳ ክትካፈል ኣያ። እቲ ውድድር ካብ 14 ክሳብ 21 ሓምለ ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። ኣብቲ ሻምፒዮና ካብ 195 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 2 ሺሕን 392 ኣትሌታት ክሳተፉ ኢዮም ።
ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሻምፒዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም ኮይኑ
Jul 3, 2023 406
አዲስ አበባ /ሰነ/26/2015/ኢዜአ/ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓደ ፀወታ እናትተረፎ ሻምፒዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም ምኳኑ ኣረጋጊፁ። ቅዱስ ጊዮርጊስን ሃድያ ሆሳዕናን ዘራኸበ መበል 29 ሰሙን ፀወታ፤ 9፡00 ሰዓት ኣብ ስታዲየም ዩንቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ተኻይዱ፡፡ ኣብቲዝተኻየደ ፀወታ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንጋንታ ሃድያ ሆሳዕና 2 ን ባዶ ስዒሩ፡፡ ቸርነት ጉግሳ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ፀወታን እስማኤል ኦሮ ኣጎሮ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ፀወታን እተን ሸቶታት ብምምዝጋብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ተዓዋቲ ክኸውን ገይሮምዎ፡፡
በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ሉዛን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ተዓዊቱ
Jul 1, 2023 368
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/24/ 2015 /ኢዜአ/በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ሉዛን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ናይዚ ዓመት ዝበለፀ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ። በሪሁ ነቲ ውድድር ዝተዓወተ ነቲ ርሕቐት 12:40:45 ብምዝዛም ኢዩ ተዓዊቱ። ኣብቲ ርሕቐት በዓል ዋና ሪከርድ ንዝነበረ ዩጋንዳዊ ጆሹዋ ቼፕቴጋይ አከቲሉ ነቲ ውድድር ታዓዊቱ ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ሳልሳይ፣ ጥላሁን ሃይሌ ራብዓይ፣ ሰለሞን ባረጋ ሓምሻይ፣ ኩማ ግርማ ሻውዓይ፣ ገመቹ ዲዳ ሻምናይ ደረጃ ሒዞም ነቲ ውድድር ዛዚሞምዎ። ብደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ መሰናክል ድማ፥ ኢትዮጵያዊት ሲምቦ ኣለማየሁ ካልአይቲ፣ ዘርፌ ወንድማገኝ ራብዐይቲ፣ ሎሚ ሙለታ ሓምሸይቲ፣ መቅደስ ኣበበ መበል 11 ብምዃን ውድድረን ከምዝዛዘማ ኣብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ውድድር ሻምፕዮና ብስክሌት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ
Jun 21, 2023 424
መቐለ/ሰነ 14/2015 (ኢዜኣ) ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተሳተፍሉ ውድድር ሻምፕዮና ብስክሌት ኢትዮጵያ 2015 ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ። እቲ ውድድር ዘጀመርዎ፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ ኣይተ ወንድሙ ሃይለን ሓላፊ ሽግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወትን እዮም። ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ ኣይተ ወንድሙ ሃይለ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ካብ 14-18 ሰነ 2015 ዓ/ም ዝካየድ ውድድር ሰናይ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ። እቲ ውድድር፤ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ዝሳተፉ ብስክሌተኛታት ንምምራፅ ዝዓለመ እዩ ኢሎም። ሓላፊ ሽግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ብግደኦም፤ እቲ ኣብ መቐለ ዝተጀመረ ውድድር ብስክሌት ኣብ ኩሎም ክልላት ዘላቒ ሰላም ንክረጋገፅ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም። ̎ስለዝኾነ እውን ስፖርተኛታት ኣምባሳደር ሰላም ክትኾኑ ይግባእ̎ ኢሎም። ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ብስክሌት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ገብረስላሴ ብወገኖም፤ ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ ውድድር ብስክሌት 2015 ኣብ መቐለ ንክካየድ ስለዝፈቐደ ምስጋነኦም ገሊፆም። እቲ ውድድር ሰላማዊ ኮይኑ ንክዛዘም እውን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ኣብ ውድድር ሓደ ማይል ዳይመንድ ሊግ ኦስሎ ክብረ ወሰን ዓለም ሰይራ
Jun 16, 2023 511
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/9/ 2015 /ኢዜአ/ብርቄ ሓየሎም ኣብ ውድድር ሓደ ማይል ዳይመንድ ሊግ ኦስሎ ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዊታ። ኣትሌት ብርቄ ነቲ ርሕቐት ብ4 ደቒቓ 17 ሰከንድን 13 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ኢያ ተዓዊታ። ኣብቲ ውድድር፥ ወርቅነሽ መለሰ ሓመሸይቲ፣ ሂሩት መሸሻ ሻውዐይቲ ፣ ኣክሱማዊት አምባዬ መበል 12 ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን። ብደቂ ተባዕቲዮ ውድድር 5 ሺሕ ድማ ዮሚፍ ቀጀልቻዝበለፀ ሰዓት እቲ ውድድርን ናይ ውልቁን ብምምዝጋብ ተዓዊቱ። ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ጥላሁን ሃይሌ ድማ መበል ሳልሳይ ብምዃን ውድድሩ ምዝዛሙ ኣብ ኦስሎ ዳይመንድ ሊግ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ኣብ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ዘመዝገቦ ዓወት ክብረ ወሰን ዓለም ብምዃን ፀዲቑ
Jun 13, 2023 543
ኣዲስ ኣበባ / ሰነ/ 6/ 2015 (ኢዜአ)ኣትሌት ለሜቻ ግርማ 15 ለካቲት 2023 ዓ.ም.ፈ ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ዘመዝገቦ ዓወት ክብረ ወሰን ዓለም ብምዃን ፀዲቑ። ኣብ ወርልድ ኣትሌቲክስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፥ ኣትሌት ለሜቻ ነቲ ውድድር 7 ደቒቕ 23 ሰኮንድን ከ81 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ቀዳማይ ኮይኑ ኢዩ ዛዚሙዎ። ስለዚ ኣብ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ዘመዝገቦ ዓወት ክብረ ወሰን ዓለም ብምዃን ፀዲቑ ኣሎ።
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ስቶክሆልም ሲዊዲን ብክልቲኦም ፆታታት ስዒሮም
Jun 5, 2023 478
አዲስ አበባ /ገንቦት /28/2015/ ኢዜአ/ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ማራቶን ስቶክሆልም ሲዊዲን ብክልቲኦም ፆታታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ደረጃ ብምሓዝ ብላዕለዋይነት ዛዚሞም። ኣብ መወዳእታ እቲ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ውድድራት ኣትሌቲክስ ተኻይዶም።ኣብቲ ሰሙን ከብ ዝተገበሩ ውድድራት እቲ ኣብ ሲዊዲን ዝተኻየደ ማራቶን ስቶኮልም ይርከቦም።ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኦም ፆታታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ደረጃ ሒዞም ዛዚሞም። ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ኣሸናፊ ሞገስ ቀዳማይ ኮይኑ እንትዛዝም ኣትሌት ደራራ ሁሬሳ ካልኣይ ከምኡ'ውን ኣትሌት ፀጋዬ መኮንን ሳልሳይ ኮይኖም ነቲ ውድድር ብላዕለዋይነት ዛዚሞም። ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ሲፋን መላኩ ቀዳማይ ብምውፃእ እንትስዕር ኣትሌት ሶሮሜ ነጋሽ ካልኣይ ከምኡ'ውን ኣትሌት የኔነሽ ዲንቄሳ ሳልሳይ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን። ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኣልባሴቴ ስፔን ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ካሳነሽ ባዜ ስዒራ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኔልሰን ማንዴላ ኣትሌት በቀለች ወሬዮ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ነቲ ውድድር ዛዚማ ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ። ኣትሌት ሰላም ገብሬን ትግስት ኣያሌውን ብቕደም ሰዓብ ራብዓይን ሓምሻይን ኮይነን ዛዚመን።
መፃረዪ ፀወታታት ዞባ ኣፍሪካ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ
May 30, 2023 582
አዲስ አበባ /ግንቦት /22/2015/ኢዜአ/ ድልድል መፃረዪ ፀወታታት ዞባ ኣፍሪካ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ፀወታታት ኦሎምፒክ 2024 ወፂኡ። ኢትዮጵያ ኣብቲ ፈላማይ ዙርያ ምስ ቻድ ከም ትደላደልን ካብ ክልቲአን ሃገራት እታ ዝተዓወተት ኣብ ካልኣይ ዙር መፃረዪ ምስ ናይጄሪያ ከምትፃወትን ተገሊፁ። ኣብቲ ኣርባዕተ ዙራት ዘለዉዎ መፃረዪ እቶም ናይ ፈላማይ ዙር መፃረዪ ፀወታታት ካብ 3 ክሳብ 11 ሓምለ 2015 ኣብ ዘለዉ መዓልትታት እዮም ክካየዱ። ስነ-ስርዓት ዕጫ ምውፃእ እቶም መፃረዪ ፀወታታት ዞባ ኣፍሪካ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ፀወታታት ኦሊምፒክ 2024 ኣብ ካይሮ ግብፂ ከምዝተኻየደ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።