ፖለቲካ
ጥምረት ብሪክስ እጃም ትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ንምጥንኻር ዕድል ዝፈጥር እዩ
Apr 25, 2024 24
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 17/2016 (ኢዜኣ) ጥምረት ብሪክስ እጃም ኣብተን ኣባል ሃገራት ዝርከቡ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ብልውውጥ ልምድን ፋይናንስን ንምጥንኻር ዕድል ከምዝፈጥር በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ገሊፁ። በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትጵያ ምስ ካብ ሩስያ ዝመፁ ሰብ ሞያታት ሲቪል ማሕበረሰብን ዝተፈላለዩ ሲቪል ማሕበራትን ጥምረት ብሪክስ ይዝቲ ኣሎ። ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣይተ ፋሲካው ሞላ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ንትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ልዑል ትኹረት ብምሃብ ሰፊሕ ሪፎርም ገይሩ እዩ። ስለዝኾነ እውን ምምሕያሽ ሕጊ ብምግባር ትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ኣብ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ኩለ መዳያዊ ሃገራዊ ልምዓትን ልዑል እጃም ንክዋፅኡ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ኩለ መዳያዊ ተረባሕነታ ንምርግጋፅን ትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ንምጥንኻርን ምችው ኣጋጣሚ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ምስ ሩሲያን ካልኦት ኣባል ሃገራትን ብዝህልዋ ምትእስሳር ትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ሰፊሕ ልውውጥ ልምዲ ንክገብሩን ተወሳኺ ዓቕሚ ፋይናንሶም ንከዕብዩን ዕድል ከምዝፈጥረሎም ኣረዲኦም። ጥምረት ብሪክስ 10 ኣባል ሃገራት ዘለውዎ እንትኸውን 37 ሚኢታዊ ኢኮኖሚ ዓለም ከምኡ እውን 45 ሚኢታዊ ቁፅሪ ህዝቢ ዓለም ዝሓቖፈ ዓብይ ማዕቐፍ ምትሕብባር ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።
ውሳነታት ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት
Apr 25, 2024 21
  ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎማዓንቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 31 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ቤት ምኽሪ ብቐዳምነት ንኣዋጅ ስርዓት መበረታትዒ ቐረፅ ንግዲ ወፃኢ ንምምሕያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ 'ዩ ዘትዩ። ንልምዓት ኢንዱስትሪን ኢንቨስትመንትን ዘድሊ ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይ፣ ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ወፃኢ ንዝተዋፈሩ ሰብሃፍቲ ኣብ ምብርትታዕ ዝተርኣዩ ውስንነታት ንምቕራፍን ንተዋሳእቲ እቲ ዘፈር ዘበረታትዕ ስርዓት ብምዝርጋሕ ንተወዳዳራይነት ልዕል ምባል ንኽከኣል ረቂቕ መመሓየሺ ኣዋጅ ተዳሊዉ ቐሪቡ። እቲ ቤት ምኽሪ 'ውን ኣብቲ መመሓየሺ ኣዋጅ ድሕሪ ምዝታዩ እታዎታት ብምውሳኽ ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ንኽመሓላለፍ ብምሉእ ድምፂ ወሲኑ። ብምቕፃል እቲ ቤት ምኽሪ ዝዘተየ ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ፌደራል ንዝህቦም ግልጋሎትታት ዘኽፍሎ ክፍሊት ግልጋሎት ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ 'ዩ። እቲ ኮሚሽን ዝህቦም ግልጋሎታት ምስፋሕ፣ ደረጃ ፅርየት እቶም ግልጋሎታት ምምሕያሽ፣ ኢሉ 'ውን ዓቕሚ ተጠቃማይ ማሕበረሰብ ብዘገናዘበ መልክዑ ግልጋሎት ንምሃብ ዘውፅኦ ወፃኢ ብኸፋል ንምሽፋን ዘኽእል ስርዓት ምዝርጋሕ ስለዘድለየ ረቂቕ ደንቢ ተዳሊዉ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቐሪቡ። እቲ ቤት ምኽሪ 'ውን ኣብቲ ረቂቕ ደንቢ ድሕሪ ምዝታዩ እታዎታት ብምውሳኽ ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ተሓቲሙ ካብ ዝወፅአሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብምሉእ ድምፂ ወሲኑ። ኻልእ እቲ ቤት ምኽሪ ዝዘተየ ኣብ ፖሊሲ ጥዕና 'ዩ። ኣብ ስራሕ ዝርከብ ፖሊሲ ጥዕና ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት መመሓየሺ ከይተገበረሉ ከምዝፀንሐ ዝፍለጥ 'ዩ። እቲ ፖሊሲ ኣብ ዝፀደቐሉ እዋን ካብ ዝነበረሉ ጠቕላላ ቑፅሪ ህዝቢ ብዝለዓለ ኩነታት ብምውሳኹ፣ እናተፈጠሩ ዝርከቡ ተመሓላለፍትን ተመሓላለፍቲ ዘይኾኑ ሕማማትን ምብርኻቶም፣ ብብርኪ ሃገርለኸን ዓለምለኸን ኣብ ዙርያ ጥዕና ዝፍጠሩ ለውጥታት፥ እቲ ዘፈር ፅርየትን ፍትሓውነትን ዘለዎ ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ፀገማት ዝስትውዐሉሉ ብምዃኑ ከምኡ 'ውን ምስ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዕብየት ሃገርና ዝጠዓዓም ፖሊሲ ጥዕና ንኽህልወና ኣድላዪ ኾይኑ ስለዝተረኸበ እቲ ረቂቕ ፖሊሲ ተዳሊዉ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቐሪቡ። እቲ ቤት ምኽሪ 'ውን ኣብቲ ረቂቕ ፖሊሲ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ እታዎታት ብምውሳኽ ካብ ዝፀደቐሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብምሉእ ድምፂ ወሲኑ። 4. ኣብ መወዳእታ 'ውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ፖሊሲ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ዘትዩ። እቲ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ፖሊሲ ሕርሻ ምስ ዝዓብይ ድልየት ፍርያትን መፍረያይነትን ሓቢሩ ክጎዓዝ ስለዘይከኣለ፤ ንዕብየት ዘፈር ግብርና መሕንቖ ዝኾኑ ኣሰራርሓታት ምልዋጥ ኣድላዪ ብምዃኑ ከምኡ 'ውን ሃገርና ምስ ትኽተሎ ስርዓት ኢኮኖሚ ብዝሃ ዘፈር ዝጠዓዓም ፖሊሲ ከምዘድሊ ተኣሚኑሉ 'ዩ። ስለዝኾነ 'ውን ንዘፈር ግብርና ምስ ካልኦት ዘፈራት ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ዘተኣሳስር፣ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንምሕላውን ብዘላቕነት ንምጥቃምን ዘኽእል፤ ፍርያትን መፍረያይነትን ሕርሻ ንምዕባይ ከምኡ 'ውን ኣብ ገጠር መዋቕራዊ ስግግር ንምምፃእ ዝሕግዝ ረቂቕ ፖሊሲ ተዳሊዉ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቐሪቡ። እቲ ቤት ምኽሪ 'ውም ኣብቲ ረቂቕ ፖሊሲ ድሕሪ ምዝታዩ እታዎታት ብምውሳኽ ካብ ዝፀደቐሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብምሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ካብ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ዝተውሃበ መግለፂ
Apr 25, 2024 20
  ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ደሕንነትን ፀጥታን ኣመልኪቱ፣ ካብ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ዝተውሃበ መግለፂ ዝተኸበርኩም ህዝቢታት ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ሃገረ-መንግስታ ኣፈላላይ ፖለቲካ፣ ዘይምርድዳእን ጎንፅታትን ብሰላማዊ መንገዲ፣ ብዝርርብን ምይይጥን ከምኡ እውን ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ምፍታሕ ልምዲ የብላን። ብዘይምዕዳልና ፖለቲካና ናይ ዜሮ ድምር ፖለቲካ እዩ። ኣብ ሃገርና ዝተለምደ ብሓይሊ ስዒሩ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፣ ብሓይሊ ተሳዒሩ ስልጣን ክሳብ ዝለቅቕ ኹሉ ኣኪቡ ዝቆፃፀሮን ፍትወቱ ዝገብረሉን ባህሊ ፖለቲካ እዩ። እዚ መንግስቲ ለውጢ ናብ ስልጣን ዝመፀ ብሓይሊ ኣይኮነን። እዚ ድማ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ እዩ። እዚ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ ድማ ብዲሞክራሲያዊ መረፃ እወንታ ህዝቢ ረኺቡ መንግስቲ ብምምስራት ኣርእዩ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓን ኣባላትን ፖለቲካ ኣብ መንግስታዊ መሓውር ብሓላፍነት ብምምዳብ ኢትዮጵያ ገዛ ኹሎም ደቃ ምዃና ኣመስኪሩ እዩ። ሰላማዊ ስግግር ፖለቲካ በይኑ ሽቶ ኣይኮነን። መሳኽዒ መሳርሒ ካልኦት ሽቶታት እምበር። ፀገም ኢትዮጵያ ሐዚ ዘሎ ኣካይዳ ብምዕራይ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ካብ ታሪኽ ዝወረስናዮም በሰላታት ምፅጋን እውን ግድን ይኸውን። እዞም በሰላ ታሪኽ ንምፅጋን ሰለስተ ዓይነት መፍትሒ ተቐሚጦም አለዉ። ነባር ፀገም ፖለቲካ ብሃገራዊ ምይይጥ ምፍታሕ፣ ፀገም ፖለቲካ ቀረባ እዋን ድማ ብስግግር ፍትሒን ብተሃድሶን ብምእርናብ ይኸውን። ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ኢትዮጵያ ሓደ መንግስቲ ብመረፃ ኣሸኒፉ ስልጣን እንተሓዘ እውን በይኑ ክውስኖም ዘይግብኡ፣ ሃገራውን ሓቛፋይ ሃገራዊ ምይይጥ ዝጠልቡ ዛዕባታት ኣለዉ እዮም። እዚ ካብ ዝበሃል ፍርቂ ምዕተ-ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ። ኮይኑ ግና ክሳብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ዝመፅእ ቀረባ እዋን ሰማዒ ኣይረኸበን ነይሩ። መንግስቲ ለውጢ እዚ ሓሳብ ምቕባል ጥራሕ እንተይኮነስ ዘሳልጥ ገለልተኛ ትካል እውን ኣጣይሹ እዩ። ኣብዚ ትካል ብሓላፍነት ዝተመደቡ ልዑል ልምድን ብቕዓትን ዘለዎም ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካ ውግንና ነፃ ዝኾኑ ገለልተኛ ኮምሽነራት እዮም። እዞም ኮምሽነራት ሓቛፋይ ሃገራዊ ምኽክር ዝትግብርሉ ሰፊሕ ስልጣን ብሕጊ ተዋሂቡዎም እዩ። በዚ መሰረት፣ መዳርግቲ ኣካላት ብምምይያጥ ከይዱ ከመይ ይኹን ዝብል ዝርዝር ኣካይዳን ኣሰራርሓን ተሊሞም እዮም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ብመሰረት ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክር ብዝተለሞ ኣካይዳ ኣብ 10 ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማን ከካብ ወረድኦም ኣብ ከይዲ ምኽክር ዝሳተፉ ፈልዩ ወዲኡ ኣሎ። ኣብ ሕድሕድ ክልል ብጣዕሚ ጥቡቕን መድከምን ዝኾነ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ። ካብ ታሕተዋይ መሓውር ምምሕዳር ዝርከብ ማሕበረሰብ ጀሚሩ ኣሳቲፉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ምይይጥ ዝሳተፉ ኣካላት ተሓርዮም እዮም። ካብ 679 ወረዳታት ክሳብ ሕዚ 12,294 ተሳተፍቲ ተፈልዮም ኣለዉ። እዚ ኣካይዳ በዓል ዋና እዚ ጉዳይ ዝኾነ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ እዩ። ኣጀንዳታትን መፍትሒ ሓሳብን ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ጥራሕ እንተይኮነስ ካብ ሕብረተሰብ እውን ፈልፊሎም፣ ብምይይጥ ጠንኪሮም ናብ ማእኸል ዝመፁሉ ኣካይዳ እዩ። እዚ ኮምሽን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ብብርኪ ክልል ዝግበሩ መድረኻት ምይይጥ ከምዝጅምር ትፅቢት ይግበር። ከምኡ እውን ተሳተፍቲ ዘይተፈለየሎም ክልተ ኽልላት ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእ እዩ። ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ ጉባኤ ሓቛፋይ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ከምዝካየድ ተስፋ ይግበር። እዚ ኣብ ማእኸል ወለዶ ሓደ ግዜ ዝርከብ ዕድል ከየህሰስና፣ እናቃናዕናን እናደገፍናን፣ መፍጠሪ መፍትሒ ነባር ፀገማት ኢትዮጵያ ክኸውን፣ ኩላትና እጃምና ክነወፊ ይግባእ። ዕድላትና ብዝኾነን ዘይኮነን እናባኸንና፣ ዓርስና ኣብ ዕንክሊል ፀገም ምንባር ከብቅዕ ኣለዎ። እቲ ካልኣይ ድማ ስግግር ፍትሒ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ታሪኽ በደል፣ ግፍዕን መሰረታዊ ጥሕሰት መሰልን ተራእዮም እዮም። እዚ ኣብ ታሪኽ ካልኦት ሃገራት እውን ዝርአ ተጓንፎ እዩ። ክሳብ ሎሚ ዘሎ ኣካይዳና ብሓይሊ ሰዓራይ ኮይኑ ስልጣን ዝሓዘ ኣካል ንኻልኦት በደልትን ሓይልታት ጥፍኣትን ገይሩ ይኹንንን ይቐፅዕን። እዚ ኣካይዳ እዚ ግን ፍትሒ ኣየስፍንን። ህልኽ፣ ነስሓን ፃምእ ቂምን የተርንዕ እምበር። ተረኽ በዳልን ተበዳልን፣ ጎይቂን ቂምን ቀንዲ መጠንጠኒ ፖለቲካ ሃገርና ዝኾነሉ ሳዕቤን ሓደ እዚ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፤ ከይዲ ፍትሒ ስግግር ሓደ ተመራፂ ሜላ እዩ። ብምዃኑ እውን ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዝምርሐሉ ማዕቀፍ ፖሊሲ ፀዲቑ እዩ። ምድላው እዚ ፖሊሲ ዝምልከቶም ኣካላት ዘሳተፈ፣ ዓለም-ለኸ ልምዲ መሰረት ዝገበረ እዩ። ኣብ ከይዲ ምርቃቕ ቅድመ ፖሊሲ ጥራሕ 60 ክልላዊ 20 ድማ ሃገራዊ መድረኽ ምትእኽኻብ እታወታት ሓሳብ ተኻይዶም እዮም። ዕላማ እዚ ፖሊሲ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዝምርሐሉን ዝትግበረሉን ስርዓት ብምዝርጋሕ ዘላቒ ሰላም፣ ዕርቂ፣ ልዕልና ሕጊ፣ ፍትሕን ዴሞክራሲን ምርግጋፅ እዩ። እዚ ዕላማ ንምዕዋት ከከም ኣግባብነቱ ምርመራ ገበንን ክስን፣ ምትእልላሽ ሓቂ፣ ዕርቂ፣ ኣብ ቅድመ-ኹነታት ዝተመስረተ ምሕረት፣ መከሓሓስን ትካላዊ ምምሕያሽን ከም ሜላ ስግግር ፍትሒ ኣብ ሃገርና ተግባራዊ ክግበሩ እዮም። ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ካብ ዕጡቓት መንግስቲ ወፃኢ ዝህልዉ ዝተዓጠቑ ሓይልታት ሕገ-መንግስትና ኣይፈቅድን። ሓደ መሰል መንግስቲ እውን ብብሕታዊነት ሓይሊ ምጥቃም እዩ። ኮይኑ ግና፣ ኣብ ሃገርና ብምኽንያት ዝወረስናዮ ፖለቲካዊ ስምብራት ዝተዓጠቑ ሓይልታት ክፍጠሩ ክኢሎም እዮም። ሰላምና ክፀንዕ፣ እዞም ዝተዓጠቑ ሓይልታት ዕጥቆም ፈቲሖም ኣብ ከይዲ ተሃድሶ ክፅምበሩ ይግባእ። ፖለቲካዊ ሕቶኦም እውን ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብምስታፍ ምፍታሕ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ዝኸውን ኮምሽን ተሃድሶ እውን ተጣይሹ እዩ። ዕላምኡ እውን ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ጉጅለ ዕጡቓት ሰላማዊ ምግባርን ናብ ሕብረተሰብ ምፅንባርን እዩ። እዚ ስራሕ ተሃድሶ ብምዕዋት ፖለቲካና ካብ ግንባር ናብ ጠረጴዛ፣ ካብ ዱር ናብ ኣዳራሽ ክምለስ ክንገብር ይግባእ። እዞም ሜላታት እዚኦም ብግቡእ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ካብ ዕንክሊል በዳልን ተበዳልን ክንወፅእ ይግባእ። ብምሕረት፣ ብይቕረታ፣ ብካሕሳን ፍትሕን ተሓኪምና ንቕድሚት ክንስጉም ይግባእ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ኩልና ኢትዮጵያውያን ብንቕሓትን ብቕዓትን ክንሳተፍ ኣለና። መንግስቲ እውን ኣተገባብራ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ምስ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ዝተናበበን ተመጋጋብን ክኸውን ኣብ ምግባር ሓላፍነቱ ክዋፃእ እዩ። ዝፀንሑ ሃገራዊ ፀገማትና ብሃገራዊ ምኽክርን ስግግር ፍትሕን እናኣረምና፣ ዝገጠሙና ፈተናታት ጎንፅን ኲናትን ንምስጋር ድማ ሰላማዊ ከይዲ ፖለቲካ ቀዳማይ ኣማራፂ ክንገብር ኣለና። ንዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ዝፀንሐ ኲናት ሰሜናዊ ኽፋል ሃገርና ብስምምዕ ሰላም ክፍታሕ ዝተደለየሉ እውን ነዚ እዩ። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ጎንፅታት ሕድሕድን ኲናትን ተደጋጋሚ ተፈጢሮም እዮም። ከም ሃገር ከቢድ ኪሳራ በፂሑና እዩ። ምኽንያቱ ድማ ጎንፅታት ብዝርርብን ስምምዕነትን ናይ ምፍታሕ ልምዲ ስለዘይብልና እዩ። ዝለመድናዮ ኣብ ልዕሊ መቓብር ፀላኢ ሓወልቲ ምህናፅ እዩ። እማመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ እዚ ነባር ልምዲ ቀይርዎ እዩ። ኲናት ብፖለቲካዊ መፍትሒ ክኽንበት ከምዝኽእል ኣርእዩ እዩ። እዚ እማመ ስምምዕ ሰላም ተረኽ ኣሸናፊ፣ ተሸናፍን ቂምን ንወለዶ ንዘይምውራስ ዝተገብረ ውሕሉልን ቆራፅነት ዝተመልኦን ውሳነ እዩ። ነዚ ኣማራፂ ስዒብና ምፍሳስ ደምን ጎንፅን ደው ክነብል ክኢልና ኢና። ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ምጥያሽን ተጀሚሮም ኣለዉ። ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ብዘይምንም ዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ዝኣትወሉ፣ ዝበፅሓሉ ጥጡሕ ባይታ ፈጢርና ኢና። ኣብ ፅባሕ ስምምዕ እማመ ሰላም መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝኣተዎ ግዴታ ዝሓለፈ፣ ምትእምማን ንምፍጣርን ሰላም ንምጥንኻርን ኣድለይቲ እዮም ዝብሎም ስጉምትታት ወሲዱ እዩ። ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ክሳብ ሐዚ ዝተረኸበ ውፅኢትን ኡፎይታን ከምዘሎ ኾይኑ ዝቐረዩ ስራሕቲ እውን ኣለዉ እዮም። ብፍላይ ድማ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቂ ክፈትሑ ይግባእ። ዛዕባ ሕቶ ደረትን መንነትን ዘለዎም ከባብታት ንምፍታሕ ዝተቐመጠ ኣንፈት ተግባራዊ ክኸውን ይግባእ። ብሰንኪ ኲናት ዝተመዛበሉ ንምምላስን ምጥያሽን ዝተጀመሩ ስራሕቲ መዕለቢ ክግበረሉ ይግባእ። ካብ ሕሉፍ ጌጋ ዘይምምሃር ካብቲ ፈላማይ ጌጋ ዝበኣሰ እዩ። ካብ ሕሉፍ ጌገኦም ከይተምሃሩ ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ፀገም ዝጥጅኡ ኩልና ተሓባቢርና ስርዓት ክነትሕዞም ይግባእ። ካብ ትዕግስቲ ስዒቡ ዝፍጠር ምኽባር ልዕልና ሕጊ ዝህልዎ መሰከፊ ውፅኢት ካብ ናይ ቀረባ ታሪኽና ክንመሃር ይግባእ። መንግስቲ ዝተቛረፁ መሰረተ-ልምዓትን ግልጋሎታትን ንምፅጋን ኢሉ እውን ዳግም ንምጅማር ተዓጢቑ እናሰርሐ ይርከብ። ኣብ ትግራይ ምንቅስቓስ ፋይናንስን ኢኮኖምን ክሳለጥ ልዑል ወፃኢ ኣውፂኡ እዩ። ብፅሒት ትርፊ ሰላም ልዑል ብምዃኑ መንግስቲ ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ሓሊፉ ቑስሊ ከሕዊ ዝኽእል ስራሕ እናሰርሐ ይርከብ። እዚ ግን መንግስታዊ ሓላፍነት እምበር ፍርሒ ተገይሩ ክውሰድ የብሉን። ኣብ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከምዝተገለፀ፣ ኣብ ሕገ-መንግስትና እውን ከምዝተቐመጠ ከምሃገር ዝህልወና ሰራዊት ሓደ ሓይሊ ምክልኻል ጥራሕ እዩ። ክልላት ብብርኪ ክልል ሕጊ ንምኽባር ካብ ዘድልዮም ስሩዕ ፖሊስን ምልሻን ወፃኢ ዝተዓጠቐን ዝተዋደደን ሰራዊት ክህልዎም ኣይኽእልን፤ ኣይግባእን እውን። በዚ መሰረት ዕጥቂ ምፍታሕን ዝኣመሰሉን ከይድታት ብትልሚ ኮምሽን ተሃድሶ መሰረት ብህፁፅ ክትግበሩ ይግባእ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍላይ ድማ መናእሰይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተደፋፊኦም ብሓይልታት ፅንፍን ፈጠርቲ ጎንፅን ናብ ግንባር ኲናት ዝሳወሩሉ ተጓንፎ ኣሎ። እዚ ጉዳይ መንግስቲ ካብ ሓደ ኣንፈት ጥራሕ ኣይሪኦን። ምንቅስቓሶም ካብ ሕጊ ወፃኢ ስለዝኾነ ጥራሕ እዚ ጉዳይ ብሓይሊ ጥራሕ ይፈታሕ ክብል ከምዘይብሉ ይርዳእ። ስለዝኾነ ድማ ካብ መንገዲ ጥፍኣት ተመሊሶም ምስ ሕብረተሰብ ተፀንቢሮም ሰላማዊ ሂወት ንምንባር ድልየት ዘለዎም ዕጡቓት ኩሎም መንግስቲ ኢዱ ዘርጊሑ ንምቕባል ፍቓደኛ እዩ። እዚ ፍቓዱን ድልየቱን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ብተግባር ኣርእዩ እዩ። ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ዕጡቓት ኢዶም ሂቦም እዮም። እዚኦም ድማ ስልጠና ተሃድሶ ወሲዶም ምስ ሕብረተሰብ ክሕወሱ ተገይሩ እዩ። እዚ ብኮምሽን ተሃድሶ ኣቢሉ ምስ ክልላት ብምትእስሳር ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና። ፃዕርና ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ክትሕግዙና በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒትና ነቕርብ። ብሓደ ወገን እዞም ዘላቒ መፍትሒ ዘምፅኡ ስራሕቲ እናተግበርና፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ዘኽብሩ ህልዊ ተግባራት እውን ምክያድና ክንቕፅል ኢና። ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ፅንፈኛ ኣረኣእያ ፖለቲካ ከምኡ እውን ዝተዋደደ ገበን ስርቂ እናተርኣዩ እዮም። እዞም ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዝዘርጉ ንምቁፅፃር መንግስቲ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰርሐ እዩ። ሓደ ኣካል እዚ ስራሕ ትካላት መኽበርቲ ሕጊ እናመሓየሹ፣ ምስ ህዝቢ ዘለወን ምትእስሳርን ምውዳድን እናተጠናኸረ ክኸይድ ምግባር እዩ። ኣብ ጣብያታትን መንደራትን ገጠር በቢኸባቢኡ ዝርከብ ነባሪ ብግቡእ ሰልጢኑ ከባቢኡን ሰላሙን ከኽብር ዘኽእል ስራሕቲ ክትግበር እዩ። በዚ መዳይ ኣብ ሓደ ሓደ ክልላት ኣወንታዊ ጅማሮ ኣሎ። ንከም ኢትዮጵያ ዝኣምሰለ ብጣዕሚ ሰፊሕን ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፣ ምልሻ ዓዲን ካልኦት ሓገዝቲ ውዳበታት መኽበርቲ ሰላምን ከባቢያዊ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ምኽባር ልዑል እጃም ኣለዎም። ካብዚ ብተወሳኺ፣ ሓይልታት ፖሊስ ክልል ዳግመ-ውዳበ ብምክያድን ብኹለመዳይ ብምጥንኻርን፣ ሕገ መንግስታዊ ልእኹቶኦም ብኣግባቡ ክዋፅኡ እናተገብረ እዩ። በቢኸባቢኡ ምስ ዘለዉ ምልሻን ናይ ክልል ፖሊስን ብጥምረት፣ ፌደራል ፖሊስ ሰላምን ኣብ ምኽባር ሕግን ውሽጢ ዓዲ ግቡኡ ክዋፃእ ቀፃላይ ዝኾነ ትካላዊ ህንፀትን ምምሕያሽን እናተኻየደ እዩ። ካብዚኦም ትካላት መኽበርቲ ሕጊ ዝሓለፈ ስግኣት እንተጋጥም፣ ሓይሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሰላም ምስፋንን ተግባር ሕጊ ምኽባርን እናተዋፀአ ይርከብ። ከምዚ ዓይነት ምትእስሳር ኣካላት ፀጥታን ህዝብን ብምህላዉ ኣብ ክልል ኣምሓራ መንግስቲ ብሓይሊ ኣፍሪሱ ብሓይሊ ስልጣን ንምሓዝ ዝሓሰበ ሓይሊ ድልየቱ ከይዕወት ተገይሩ እዩ። ብዝተገበረ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ መንግስቲ እቲ ክልልን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ምድሓን ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ክልል ኦሮምያ እውን ኣብ ሓደ ሓደ ዞባታት እቲ ክልል ዝነበሩ ዕጡቓት ምንቅስቓስን ዝንባለ ምቁፅፃር ገለ-ገለ ወረዳታትን ክቕልበስ ተገይሩ እዩ። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ እውን ኩነታት ፀጥታን ድሕንነትን ብጣዕሚ ተመሓይሹ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኾነ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ዝተፈላለዩ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ተሊሞም ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ትልሞም ክኸሽፍ ተገይሩ እዩ። እቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ዋላ ኳ ወሳኒ እንተኾነ እኹል ግን ኣይኮነን። ፖለቲካ ልኹይ ዝኾኑ ዝተወደቡ ጉጅለ ስርቅን ገበነኛን ብዝግባእ ክንቆፃፀር ይግበአና። ነዚ ንምግባር ድማ ጥንኩርን ውፅኢታውን መኽበሪ ሕግን መሓውር ፀጥታን ክህልወና ዝተጀመሩ ስራሕቲ ክቕፅል እዩ። በዚ መዳይ ተሳትፎን ሓገዝን ህዝቢ ወሳኒ እዩ። እናሰረቐን እናዓገተን ዘሎ ጉጅለ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ምሽካምን ምሕንቃቕን ከብቅዕ ይግባእ። ብገንዘብ ድኻ ዝተሃንፁ ኢኮኖሚያውን ማሕበራዊን ትካላት ዘፍርስ ጉጅለ ድልየት ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣየማልእን። ህዝቢ ምስ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ብምሕባር ልዕልና ሕጊ ከኽብር ይግባእ። በቢኸባቢኡ ዝርከቡ መሓውር ፖለቲካን ምምሕዳርን ካልእ ኣካል ምሕላው ዘይኮነስ ሕጊ ምኽባር ቀዳማይ ሓላፍነቶም ከምዝኾነ ፈሊጦም ክንቀሳቐሱ ይግባእ። ሰላምን ፀጥታን ህዝቢ እንትረግእ ዝፍጠሩ ስርዓታት ስለዝኾኑ ብሓደ ገፅ ስራሕቲ ሕጊ ምኽባርን ሰላምን ደሕንነትን ምጥንኻርን እናወገንና፣ ብኻሊእ መዳይ ድማ ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መረበቶም ንምምላስ ክስራሕ አለዎ። ኣብ ሃገርና ሰባት ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም። እዞም ዜጋታት ካብ መዕቖቢ ወፅዮም ናብ መንበሪ ኣባይቶም ክምለሱ ይግባእ። ብቐፃልነት እውን ናብ ንቡር ናብርኦም ክምለሱ ኣለዎም። እዚ ጋህዲ ንምግባር እውን መንግስቲ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብር ፀኒሑ እዩ። ሐዚ እውን ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ። ንኣብነት፤ ኣብ ክልል ሶማሌን ኦሮምያን ዘዋስኑ ከባብታት፣ ከምኡውን ኣብ ጌዴኦ ከባቢ ተመዛቢሎም ዝነበሩ ዜጋታት ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል ናብ መረበቶም ክምለሱን ቀፃልነት ዘለዎ መንበሪ ክረኽቡን ተገይሩ እዩ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዘጋጠመ ጎንፂ፣ ከምኡ እውን ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ብዝተፈጠሩ ፀገማት ፀጥታ ዝተልዓለ ዝተመዛበሉ ወገናት ኣለዉ። እዞም ወገናት ናብ ገዝኦም ንክምለሱ እናሰራሕና ንርከብ። መራሕቲ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ብሓደ ብምስርሖም ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ጣብያ ዝነበሩ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ገይሮም እዮም። እዚ ኸይዲ ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብና ኩሉ ጊዜ ዘይጠፍእ ምትሕስሳብ፣ ስጋኻ-ልኣኻን ጥቡቕ ምሕዝነትን ርኢና ኢና። ዝተመዛበሉ ጎረቤቶም ናብ መረበቶም ክምለሱ በቢኸባቢኡ ዘሎ ሕብረተሰብ ልዑል ድልየት ኣለዎ። ንዝምለሱ ተመዛበልቲ በቢኸባቢኡ ዝግበር ኣቀባብላ ልቢ ዘረስርስ እዩ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ንኣብነት ካብ ራያን ኣላማጣን ዝተመዛበሉ መንግስቲ ከይተፀበዩ ብማሕበራዊ ኣተሓሳስባ ጥራሕ ብዙሓት ናብ መረበቶም ተመሊሶም እዮም። ኣብዚ ኸይዲ ዛዕባ ተመዛበልቲ ከም ኣጀንዳ ፖለቲካ ገይሮም ክጥቀሙ ዝደልዩ ኣካላት ምህላዎም ተራእዩ እዩ። ተመዛበልቲ እንተተመሊሶም ኣጀንዳ ልመናን ተቓውሞን ክቕህመና እዩ ኢሎም ይሰግኡ። እዞም ሓይልታት እዚኦም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ዝተፈላለዩ ፕሮፖጋንዳን መፈራርሕን ይነዝሑ። ሓልሓሊፉ እውን ምምላስ ተመዛበልቲ ብሓይሊ ደስ ከብሉ ዝፍትኑ ኣይተስኣኑን። መንግስቲ ካብ ዘለዎ ሓላፍነት ሕግን ሞራልን ዝተልዓለ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱ ምግባሩ ክቕፅል እዩ። ምስ ክልላት ዝተጀመረ ስራሕ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ። ሰላምን ፀጥታን ንምዝራግ፣ ዝተመዛበሉ ወገናት ከይምለሱ ንምግባርን ተግባራት ልምዓት ንምሕንካልን ሓደ መዋግኢ መሳርሒ ዝተዛብዐን ብመርዛዊ ሓሶት ዝተለወሰን ሓበሬታ ምንዛሕ እዩ። ከምዝፍለጥ ዕቤት ቴክኖሎጂ መራኸቢ ዕድልን ሓደጋን ሒዙ መፅዩ እዩ። ኣብዚ ዘመነ ኢንተርኔት ሽኩትን ውድድርን ይበዝሕ። ነባራት ትካላትን ስርዓትን ኣብ ከቢድ ፈተና ወዲቖም ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዓውዲ ሃገራት ብሄራዊ ረብሐኦም ከሐልዉ ብዘይምንም ስኽፍታን ልጓምን ዝኸኣልዎ ኩሉ ይገብሩ። ኣብዚ እዋን ኩነታት ብግቡእ ብምርዳእ፣ እዚ ማዕበልን ወጀብን ከመይ ክንሓልፎ ይግባእ? ዝብል ብጥንቃቐ ተሊምና እንድሕር ዳኣ ዘይተንቀሳቒስና ከቢድ ሓደጋ እዩ። በዚ መዳይ ውፅኢታዊ ንምዃን ድማ ውሽጣዊ ሓድነትና ወሳኒ እዩ። ከምኢትዮጵያ ዝበለ ዓብዪ ሃገር ውሽጣዊ ሓድነት እንትህልዎ ነጢሩ ይወፅእ። ከም ሃገርን ህዝብን ንሓደ ዕላማ ብሕብረት እንተተሰሊፍና ሃገርና ንምዕባይ እዚ እዋን ፅቡቕ ፀጋ ሒዙ መፅዩ ኣሎ። እንተተኸፋፊልና ድማ ህልውና ሃገር ኣብ ሓደጋ ይወድቕ። ስለዝኾነ ድማ ዝመፁ ሓበሬታታት ምምራፅ፣ ምምዝዛንን ምስትንታንን ኣድላይ እዩ። ኣብ መሬት ዘሸነፍናዮም ፀላእትና ብኣየር ክመፁ ክንፈቅድ የብልናን። እዚ ኹሉ እንገብሮ ፈለማ ዘላቒ ሰላም፣ ብኡ ኣቢልና እውን ዘላቒ ብልፅግና ንምርግጋፅ እዩ። ከም መንግስቲ ሽቶና ብኣቋራጭ መንገዲ፣ ላዕሊ-ላዕሉ ብዝግበር ሕድሳት ዝመፅእ ጊዝያዊ ፀጥታ ኣይኮነን። ዘላቒ ሰላም እዩ። ዘላቒ ሰላም እውን ዂናት ዘይምህላው ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ መርህን ስርዓትን ዝተመስረተ፣ ብቐሊሉ ዘይንቕነቕ ሰላም እዩ። ጎንፅን ዘይምርድዳእን ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንምፍታሕ ዘኽእል ዓቕምን ስርዓትን ምህላው እዩ። ኣብ መሰረታዊ ዛዕባታት ብምርድዳእ፣ ዝሓለፈ ቂምን በሰላን ገዲፍካ ንቕድሚት ምጉዓዝ ምኽኣል እዩ። እዚ ዘላቒ ሰላምን ብልፅግናን ንምምፃእ ድማ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ ግድን ይኸውን። ኩሉ ሓቛፋይ ሃገራዊ ምኽክር፣ ስግግር ፍትሕን ተግባራት ተሃድሶን ቀንዲ መፈፀሚ መሳርሒ እዮም። ኩሉ ከምዝፈልጦ ሓቛፋይ ዝኾነ መንግስታውን ዴሞክራሲያውን ስርዓት ንምህናፅ ቀደምቲ እናኾንና ኢና። እዚ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ንክኸውን ተግባር መንግስቲ ጥራሕ እኹል ኣይኸውንን። ገዛኢ ውድብ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ ንምፍላጥ- ሓቢርና ንስራሕ፣ ንምከር፣ ብሓድነት መፍትሒ ፀገማት ሃገርና ንፍታሕ እናበለ ይርከብ። ገለ-ገሊኦም ድማ ግዚኡ ብዝሓለፎ ኣተሓሳስባ ብሓይልን ብጠበንጃን መንግስቲ ኣውዲቕና ስልጣን ተዘይወሰድና እናበሉ ይርከቡ። ከምዚ ብተፃራሪ መንገዲ እንተተጓዒዝና ዝጀመርናዮም ፃዕርታትና ክነዐውቶም ኣይንኽእልን። ባህሊ ኣተሓሳስባ መበል 18 ክፍለ ዘበን ሒዝካ ኣብ መበል 22 ክፍለዘበን ምንባር መርገም እምበር ለውጢ ኣየምፅእን። ኲናት ንኹልና ዘኽስር እዩ። ሰላም ኹልና ንኸስበሉ። ኣንሕና ካብ ኣቦታትና ብዛዕባ ኲናት እናሰማዕና ዓቢና፤ ይኣኽለና። ኣብ ወለዶና እኳስ ክልተ ሰለስተ ከበድቲ ኲናታት ሓሊፎም እም። ንቐፃሊ ወለዶ ብልፅግና እምበር ቁስሊ ክነውርስ የብልናን። ዘበናዊ ቅኒት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንሓምሳ ዓመታት ዝበየኖ ኣብዮት 1966 ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ኮይኑዎ ኣሎ። ዘይለቐቖም ግን ክሳብ ሐዚ ኣለዉ። ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና፣ ኩነታትን ዓውድን ዘበንና ተረዲእና፣ ብናይ ባዕልና ቅኒትን ዛዕባን ንቕድሚት ክንስጉም ይግባእ። ዛዕባ ሓምሳ ዓመት እዚ ወለዶ ዘላቒ ሰላምን ኹለመዳያዊ ብልፅግናን እዩ። ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት 16 ሚያዚያ/ 2016 ዓ.ም ኣዲስ ኣበባ
ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኩናት ብፖለቲካ ናይ ምፍታሕ ባህሊ አጣጢሑ ‘ዩ
Apr 25, 2024 64
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዚያ/17/2016/ኢዜአ/ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ብሰላም ንምፍታሕ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም፣ ኩናት ብፖለቲካ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ኣምፂኡ ‘ዩ ክብል ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕንነት ገሊፁ፡፡ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ትማሊ ኣብዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፤ እዚ ናይ ሰላም ስምምዕነት ዛንታ ሰዓርን ተሳዓርን ብቂምታ ንመፃኢ ወለዶታት ከይመሓላለፍ ዝተገብረ ብሱልን ቆራፅን ውሳነ ‘ዩ። ነዚ ኣማራፂ ብምኽታል ደም ምፍሳስን ግጭትን ደው ከነብሎ ክኢልና ኢና ኢሉ። ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ምሕዋይን ተጀሚሩ ‘ዩ። ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዕንቅፋት ናብ ትግራይ ክበፅሓሉ ዝኽእል ባይታ ፈጢርና ኢና ዝበለ እቲ ቤት ምኽሪ፣ ድሕሪ ምፍርራም ስምምዕነት ሰላም፣ መንግስቲ ኣብ ስምምዕነት ሰላም ካብ ዝነበሮ ግቡእ ንላዕሊ ብምኻያድ ምትእምማን ንምፍጣርን ሰላም ንምዕቃብን ኣድላዪ ‘ዩ ዝበሎ ተኸታታሊ ስጉምትታት ወሲዱ ‘ዩ ክብል ገሊፁ። ኣስዒቡ ክሳብ ሕዚ በቲ ስምምዕነት ሰላም ዝተረኸበ ውፅኢትን ራሕዋን ከምዘለዎ ኮይኑ፣ ዝተረፈ ክስራሕ ዘለዎ ስራሕ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቆም ክፈትሑ ኣለዎም። ሕቶ መንነትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ዘለዎም ከባቢታት ንምፍታሕ እቲ ዝተቐመጠ ኣንፈት ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ ኢሉ። ብኲናት ዝተመዛበሉ ንምምላስን ንምጥያሽን ዝተጀመረ ስራሕ ክዛዘም ኣለዎ። ካብ ዝሓለፈ ጌጋ ዘይምምሃር ናይ ቀዳማይ ጌጋ ካብ ምፍፃም ዝኸፍአ ‘ዩ። ካብ ሕሉፍ ጌጋታቶም ከይተማሃሩ ሎሚ ‘ውን ተመሳሳሊ ሽግራት ንምፍጣር ዝሰርሑ ኩልና ተሓቢርና ስርዓት ክነትሕዝ ኣለና፡፡ ድሕሪ ትዕግስቲ ዝፍፀም ምኽባር ሕጊ ዘስዕቦ ኣሰቃቒ ሳዕቤን ካብ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ክንመሃር ይግባእ ኢሉ እቲ መግለፂ። መንግስቲ ዝተቋረፁ መሰረተ ልምዓትን ግልጋሎታትን ንምፅጋንን ዳግማይ ንምጅማርን ኣበርቲዑ እናሰርሐ ‘ዩ፤ ኣብ ክልል ትግራይ ፋይናንሳውን ቁጠባውን ንጥፈታት ንምስላጥ ብዙሕ ገንዘብ ኣውፂኡ ‘ዩ። ናይ ሰላም ብፅሒት መኽሰብ ዓቢዪ ስለዝኾነ መንግስቲ ነቲ ቁስሊ ንከሓዊ ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ንላዕሊ እናሰርሐ ‘ዩ፡፡ እዚ ግን ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ‘ምበር ከም ፍርሒ ክውሰድ የብሉን ክብል ኣረዲኡ። ከምቲ ኣብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝተገልፀ፣ ኣብ ሕገመንግስትና ከም ዝተቐመጠ፣ ከም ሃገር ዝህልወና ሓደ ሓይሊ ምክልኻል ጥራይ ‘ዩ። ክልላት ብደረጃ ክልል ሕጊ ንምትግባር ካብ ዘድልዮም ፖሊስን ምልሻን ሓሊፉ ካሊእ ዕጡቕን ዝተወደበን ሰራዊት ክህልወን ኣይክእልን፤ ክኸውን የብሉን፤ ብምዃኑ ምፍታሕ ዕጥቕን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ብመሰረት ትልሚ ኮሚሽን ተሃድሶ ብቕልጡፍ ክፍፀሙ ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ አብ መግለፂኡ።
ዘላቂ ሰላምን ኩለመዳይ ምዕባለን ምፍጣር ዛዕባ ናይዚ ወለዶ ኢዩ - ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት
Apr 24, 2024 22
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/16/ 2016 /ኢዜአ/ናይዚ ወለዶ ዛዕባ ሓምሳ ዓመት ዘላቂ ሰላምን ኩለመዳይ ምዕባለን ከምዝኾነ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣፍሊጡ። ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ድሕንነትን ፀጥታን ብምዝታይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ነዊሕ ታሪኻ ከም ሃገር ንፖለቲካዊ ፍልልያት፣ ዘይምስምማዕን ጎንፂታትን ብሰላማዊ መገዲ፣ ብዘተን ብሕጋዊ ኣገባብን ናይ ምፍታሕ ልምዲ ከምዘይነበራ ገሊፁ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ናይ ለውጢ መንግስቲ ብሓይሊ ናብ ስልጣን ዝመፅአ ከምዘይኮነ ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ እዚ ድማ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባህሊን ፖለቲካዊ ምዕራፍን ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡ ብዲሞክራስያዊ መረፃ ህዝቢ ዝፀደቐ መንግስቲ ብምጥያሽ፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ መራሕትን ኣባላትን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነት ብምሻም ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ገዛ ምዃና ዘመስከረ ለውጢ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ። ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣብ ዘውፀኦ ዝርዝር መግለፂ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መንግስቲ ወፃእ ዕጡቕ ሓይሊ ክህሉ ከምዘይፈቅድ ዝሓበረ እነትኸውን÷ ብሰንኪ ዝተወረሰ ፖለቲካዊ ምብትታን ግን ዕጡቓት ሓይሊ ከምዝተፈጠሩ ኣብሪሁ። “እዞም ዕጡቓት ሰላምና ዘላቒ ንምግባር ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ መስርሕ ተሃድሶ ክኣትዉ ኣለዎም” ዝበለ እቲ መግለፂ÷ ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ብምስታፍ እውን ፖለቲካዊ ጉዳያቶም ክፈትሑ ከምዝኽእሉ ገሊፁ። እዚ ንምትግባር ኮሚሽን ተሃድሶ ከምዝተጣይሸ፤ ጉጅለ ዕጡቓት ዕጥቆም ብምፍታሕን ተሃድሶ ብምውሳድን ናብ ሕብረተሰብ ንምፅምባር ተሓሲቡ ዝተጣየሸ ከምዝኾነ ኣብሪሁ። ብሃገራዊ ምኽክርን ናይ ስግግር ፍትሒን ዝፀንሑ ሃገራዊ ፀገማት ክፍትሑ ብምግባር፤ ከም ጎንፂን ኲናትን ዝበሉ ዕንቅፋታት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ክንመርጽ ይግባእ። ነዚ ዕላማ እዚ እዩ ድማ ነቲ ኣብ ሰሜን ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ብናይ ሰላም ስምምዕ ክፍታሕ ዝድለ። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዙሓት ተደጋገምቲ ሕድሕዳዊ ጎንፂታትን ኲናትን ከምዝተፈጠሩ ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ ኣብቶም ውግኣት ድማ ከም ሃገር ከቢድ ክሳራን ዕንወትን ከምዘስዐቡ ኣፍሊጡ። “ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ነዚ ኣሰራርሓ ቀይርዎ ኢዩ፤ ብፖለቲካዊ ፍታሕ ኲናት ናይ ምውዳእ ባህሊ ኣምፂኡ ኢዩ፤ እዚ ናይ ሰላም ስምምዕ ተረኽ ሰዓራይን ተሳዓሪን ንዝመፅእ ወለዶ ንዘይ ምውራስ ብሱልን ቆራፅ ውሳነን ዝሓትት ኢዩ” ብምባል እዚ ኣማራፂ ብምኽታል ደም መፋሰሲ ኲናት ደው ክብል ከምተገበረ ኣብሪሁ። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ምሕዋይን ከምዝተጀመረ ገሊፁ። ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዕንቅፋት ናብ ትግራይ ክበፅሐሉ ዝኽእል ባይታ ከምዝፈጠረ፣ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ካብቲ ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ዝነበሮ ግቡእ ንላዕሊ ብምኻድ ምትእምማን ንምፍጣርን ሰላም ንምዕቃብ ኣድላዪ ዘበሎም ተኸታተልቲ ስጉምቲታት ከምዝተወሰደ እውን ኣፍሊጡ። ብምሰረት ስምምዕነት ሰላም ዛጊድዝተረኸቡ ውፂኢታትን እፎይታን ከምዘለዉ ኮይኖም ዝተረፉ ስርሓትውን አለዉ ።ብፍላይ ብምስረት እቲ ስምምዐነት ሕዋሐት ዕጥቁ ክፈትሕ አለዎ ። ሕቶ ወሰን መንነትን ምምሕዳርን ዘለዎም ከባቢታት ምእንቲ ዕልባት ክግበሮ ዘተቐመጠ አንፈት ተግባራዊ ክኸውን አለዎ ። ብሰንኪ እቲ ኩናት ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ ቦቶኦም ንምምላስን ንምጥያሽን ዝተጀመረ ስራሕ ዕልባት ክረክብ አለዎ ።
ኢዜኣ ዓለም ለኸ ተበፃሕነቱ ንምስፋሕ ኣብ ዘሳልጦም ስራሕቲ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ እጃሙ ደገፍ ክገብር እዩ-ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ
Apr 24, 2024 24
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 16/2016 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ዓለም ለኸ ተበፃሕነቱ ንምስፋሕ ኣብ ዘሳልጦም ስራሕቲ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ደገፍን ምትሕብባርን ከምዝገብር ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ገሊፆም። ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ፤ ሓዱሽ ሚድያ ኮምፕሌክስን ምንቅስቓስ ስራሕን ኢዜኣ ተዓዚቦም። ኢዜኣ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ፍልፍል ሓበሬታ ብምዃን ንህንፀት ምስሊ ሃገር በዓል ውዕለታ ትካል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኢዜኣ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣወዳድባ ከምዝፈጠረ ምዕዛቦም ገሊፆም። ኢዜኣ ተበፃሕነቱ ንምስፍሕፋሕ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መንግስቲ፣ውልቀን ዲጂታልን ፍልፍል ሓበሬታ ብምዃን ፀገም ሓበሬታ ኣብ ምፍታሕ ዓቕሙን ደረጅኡን እናዕበየ ከምዝመፀ ከምዝተረድኡ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ብብዙሕ መልክዕ መፈልፈሊት ሓበሬታ ከምዝኾነት ብምሕባር፤ እዚ ሓበሬታ ኣዋዲዱን ኣጠናኺሩን ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምብፃሕ ንህንፀት ምስሊ ሃገር ዘለዎ እጃም ልዑል ከምዝኾነ ፀሪሖም። ኢዜኣ ዓለም ለኸ ፍልፍል ሓበሬትኡ ንምስፍሕፋሕ ምስ ዞባውን ዓለም ለኻውን መራኸብቲ ሓፋሽ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንምስፋሕ ዝጀመሮ ፃዕሪ ብምንኣድ ተበፃሕነትን ምሕዝነትን ንምስፍሕፋሕ ንዝገብሮም ፃዕርታት ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣድላይ ደገፍን ምትሕብባርን ከምዝገብር ኣረጋጊፆም። ኢዜኣ ብሄራዊ ምርድዳእ ናይ ምፍጣርን ምስሊ ሃገር ናይ ምህናፅን ልኡኽትኡ ንምዕዋት ዜናን ዜና ተንከፍን ሓበሬታታት ንመራኸብቲ ሓፋሽ ብምፍናው ብሕታዊ ወኪል ዜና ኢትዮጵያ እዩ። እዚ ዘበን ብዝወነኖም ቴክኖሎጂታት ዓርሱ እናወደበ ዝርከብ ኢዜኣ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር 38 ጨንፈራት፣ብ 8 ቋንቋታትን ዝተፈላለዩ ኣማራፅታትን ሓበሬታ ናብ ህዝቢ እናብፀሐ ይርከብ።
ኢትዮጵያ ምስ ኡጋንዳ ዘለዋ ምሕዝነት ኣብ ንግድን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ንምጥንኻር እናተሰርሐ እዩ-ኣምባሳደር እፀገነት በዛብህ
Apr 24, 2024 26
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 16/2016 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ኡጋንዳ ዘለዋ ታሪኻዊ ምሕዝነት ኣብ ንግድን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ንምጥንኻር እናተሰርሐ ምዃኑ በዓል ሙሉእ ኣምባሳደር ኢትጵያ ኣብ ኡጋንዳ ኣምባሳደር እፀገነት በዛብህ ተዛሪበን። በዓል ሙሉእ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኡጋንዳ፣ቡርንዲ፣ ሲሸልስ፣ ኮሞሮስን ሪፐብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካን ኣምባሳደር እፀገነት በዛብህ፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ጠንካራ ርክብ ምህላው ንኢዜኣ ገሊፀን። ኣብ ቀረባ እዋን ልኡኽ ጉዳያት ትምህርቲ ኡጋንዳ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ተሳልጦ ካብ ዘላ ስራሕ ተሞኩሮ ንምውሳድ ምምፅኡ ብምዝኽኻር፤ እዚ ድማ ርክብ እተን ሃገራት እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ዘርኢ እዩ ኢለን። ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኡጋንዳ ከምዝነብሩን ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ናይ ሓባር ፀጋታት ከምዘለውዎምን ብምግላፅ እዚ ታሪኻዊ ርክብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ንምጥንኻር እናተሰርሐ ምዃኑ ኣረዲአን። ኣብ ንግዲ ዘለወን ምትእስሳር እውን ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ብምግለፅ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በዚ መዳይ ዓብይ ዓቕሚ ከምዝኾነ ፀሪሐን።
ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ካብ ተለዋዋጢ መጥቃዕቲ ሳይበር ምክልኻል ዘኽእል ዓቕሚ ሃኒፁ እዩ-ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል
Apr 24, 2024 28
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 16/2016 (ኢዜኣ) ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ተለዋዋጥቲ ካብ ዝኾኑ መጥቃዕትታት ሳይበር ብብቕዓት ብምክልኻል ረብሓ ሃገር ከኽብር ዝኽእል ዝተማልአ ዓቕሚ ከምዝፈጠረ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል ገሊፁ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ መንግስቲ በጀት ዓመት 2016 ኣብ ዝተገምገመሉ እዋን ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል ተጣይሹ ትኹረት ኣብ ዝተውሃበሎም ዓውድታት ዑደት ንክገብር ኣንፈት ከምዘቕመጡ ዝዝከር እዩ። ብመተሓባባሪነት ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝምራሕ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ተረኺቡ ትዕዝብቲ ኣካይዱ። መተሓባበሪ እቲ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ዘሪሁን ከበደ ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ተለዋወጥቲ ካብ ዝኾኑ መጥቃዕትታት ሳይበር ምክልኻል ዘኽእላ ኩለ መዳያዊ ዓቕሚ እናሀነፀት ምዃና ካብቲ ዝገበርዎ ትዕዝብቲ ከምዝተረድኡ ገሊፆም። እቲ ምምሕዳር ኣብ ቀፃሊ እውን ዘለውዎ ጥንካረታት ብምቕፃል ክፍተታት እናስተኻከለ ሃገራዊ ልኡኽትኡ ብኣግባቡ ንክዋፃእ ኣተሓሳሲቦም። ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ትግስት ሃሚድ ብግደአን፤ ቅድሚ መጥቃዕቲ ሳይበር ምፍፃሙ ምክልኻልን ቅልጡፍ ምላሽ ምሃብን ዘኽእል ዓቕሚ ከምዝተሃነፀ ሓቢረን። ድሕንነት ቁልፊ ትካላት ምሕላው፣ቴክኖሎጂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምምዕባል፣ዳህሳስ ስግኣት ምስራሕን ካልኦት ድሕንነት ሳይበር ምሕላው ዘኽእሉ ስራሕትን ትኹረት ከምዝተውሃቦም እውን ኣረዲአን። ብተወሳኺ እውን ስራሕ ምክልኻል መጥቃዕቲ ሳይበር ፃዕሪ ኩሎም ትካላትን ግንዛበ ሳይበር ሕብረተሰብ ምዕባይን ስለዘድሊ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሮም ንክሰርሑ ገሊፀን። ምክትል ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ዳንኤል ጉታ ከምዝበልዎ፤ ምህዳር ሳይበር ዘተኣናግዶ ዓይነትን መጠንን ጥቕዓት እናወሰኸ መፂኡ እዩ። ኢትዮጵያ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው መጥቃዕቲ ሳይበር ብኣግባቡ ንምክልኻልን ንምምካትን ብሓይሊ ሰብ ኣድላይ ኣወዳድባ ብምህናፅ ድሉውነት ከምዝፈጠረት ገሊፆም። ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል ኣብ ዝተመረፁን ትኹረት ዝተገበረሎምን ዓውድታት ዝገብሮ ትዕዝብቲ ክሳብ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ክቕፅል እዩ።
ፀገማት መንገዲ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት  ንምፍታሕ ሓበራዊ ግንዛበ ምሓዝ ይግባእ - ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
Apr 24, 2024 26
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/16/ 2016 /ኢዜአ/ፀገማት መንገዲ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ንምፍታሕ ሓበራዊ ግንዛበ ምሓዝ ይግባእ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም። ኣባላት እቲ ባይቶ÷ ኣብ ሓፈሻዊ ከይዲ ልምዓት መሰረተ ልምዓት መገዲ ኢትዮጵያ ብምድሃብ ምስ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን እናተዛተዩ ይርከቡ፡፡ ኣብ እዋን ስራሕቲ ውክልና ህዝቢ ኣባላት እቲ ባይቶ ካብ ክልል መረፀኦም መሰረተ ልምዓት መገዲ ብዝምልከት ዝተልዓሉ ሕቶታት ኢዮም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ሚኒስቴር እናተዛተዩ ዝርከቡ፡፡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ÷ ኣብታ ሃገር ሓፈሻዊ ኣብ ዓውዲ መሰረተ ልምዓት መገዲ ዘለዉ ነባራዊ ኩነታት ብምዝታይ ሓበራዊ ግንዛበ ንኽህሉ ዝተሰናደአ መድረኽ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ዓውዲ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ምግላፆም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ጉጅለ ሰብ ሞያታት ኢትዮጵያን ሩሲያን ምትሕብባር ብሪክስ ከጠናኽር ዝኽእል ምኽክር የካይድ ኣሎ
Apr 24, 2024 10
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 16/2016 (ኢዜኣ) ጉጅለ ሰብ ሞያታት ትካላት መፅናዕትን ምርምርን ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ማዕቐፍ ብሪክስ ምትሕብባር ከጠናኽር ዝኽእል መድረኽ ምኽክር ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ፤ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ፣ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ፣ካብ ትካላት መፅናዕትን ምርምርን ክልቲአን ሃገራት ዝተወከሉ ሙሁራንን ካብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያታትን ተረኺቦም። ኣብዚ ብኣተሓባባሪነት ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ዝተዳለወ ፎረም ሰብ ሞያታት ብሪክስ ኢትዮ-ሩሲያ፤ ምትሕብባር ብሪክስ ከጠናኽሩ ዝኽእሉ ኣብ ሓለዋ ከባብን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን፣ግብርና፣ሳይንስን ቴክኖሎጅን፣ ፋርማሲቲካል ኢንዱስትሪን ካልኦት ዘፈራትን ዝጠመቱ መበገሲ ፅሑፋት ቀሪቦም እናተዘተየሎም ምዃኑ ተገሊፁ። ኣብ ደቡብ አፍሪካ ጆሀንስበርግ ኣብ ዝተኻየደ መበል 15 ጉባኤ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ሕቶ ኣባልነት ብሪክስ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ግብፂ፣ኢራን፣ሳዑዲ ኣረቢያን ሕቡራት ኣረብ ኢሚሬቲስን ተቐባልነት ከምዝረኸበ ዝዝከር እዩ።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም