ጥምረት ብሪክስ እጃም ትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ንምጥንኻር ዕድል ዝፈጥር እዩ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 17/2016 (ኢዜኣ) ጥምረት ብሪክስ እጃም ኣብተን ኣባል ሃገራት ዝርከቡ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ብልውውጥ ልምድን ፋይናንስን ንምጥንኻር ዕድል ከምዝፈጥር በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ገሊፁ።

በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትጵያ ምስ ካብ ሩስያ ዝመፁ ሰብ ሞያታት ሲቪል ማሕበረሰብን ዝተፈላለዩ ሲቪል ማሕበራትን ጥምረት ብሪክስ ይዝቲ ኣሎ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኣይተ ፋሲካው ሞላ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ንትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ልዑል ትኹረት ብምሃብ ሰፊሕ ሪፎርም ገይሩ እዩ።

ስለዝኾነ እውን ምምሕያሽ ሕጊ ብምግባር ትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ኣብ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ኩለ መዳያዊ ሃገራዊ ልምዓትን ልዑል እጃም ንክዋፅኡ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ኩለ መዳያዊ ተረባሕነታ ንምርግጋፅን ትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ንምጥንኻርን ምችው ኣጋጣሚ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ምስ ሩሲያን ካልኦት ኣባል ሃገራትን ብዝህልዋ ምትእስሳር ትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ሰፊሕ ልውውጥ ልምዲ ንክገብሩን ተወሳኺ ዓቕሚ ፋይናንሶም ንከዕብዩን ዕድል ከምዝፈጥረሎም ኣረዲኦም።

ጥምረት ብሪክስ 10 ኣባል ሃገራት ዘለውዎ እንትኸውን 37 ሚኢታዊ ኢኮኖሚ ዓለም ከምኡ እውን 45 ሚኢታዊ ቁፅሪ ህዝቢ ዓለም ዝሓቖፈ ዓብይ ማዕቐፍ ምትሕብባር ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም