ንከተማነት ዲፕሎማሲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝምጥኑ ስራሕቲ ሰላምን ፀጥታን እናተሰርሑ እዮም

23

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 16/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነባሪ ዘሳተፈን ንከተማነት ዲፕሎማሲአ ዝምጥኑን ስራሕቲ ሰላምን ፀጥታን እናተሰርሑ ምዃኖም ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ጌታሁን አበራ፤ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላት ዝርከቡላ ማእኸል ዲፕሎማሲ ስለዝኾነት ካብ ልምዓት ብተወሳኺ ሰላማን ፀጥታኣን ዘተኣማምን ናይ ምግባር ስራሕቲ ትኹረት ተዋሂብዎም እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ እውን ንከተማነት ዲፕሎማሲኣ ዝምጥኑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት እናተሳለጡ ምዃኖም ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም