ቀዳማይ ሚኒስትር ሊቢያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

58



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/17/ 2016 /ኢዜአ/ቀዳማይ ሚኒስትር ሊቢያ ኣብዱልሃሚድ ኣል-ዳባይባ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር  ኣብ ዓለም ለኸዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ-ስላሴ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዱልሃሚድ ኣብ ፃንሒቶም፥ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ክሊቲኣዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም