ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዛዕባ ዕጥቂ ኣባላት ሚልሻ ይምልከት ብዝብል ናይ ሕሶት ሓበሬታ ክጋዋሕ ምፅንሑ ተፈሊጡ

11

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/16/ 2016 /ኢዜአ/ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ‘ብዛዕባ ዕጥቂ ኣባላት ሚልሻ ይምልከት’ ብዝብል ናይ ሕሶት ሓበሬታ እናተጋወሐ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

ንኩለን ዘባታትን ምምሕዳር ከተማታትን ብርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣረጋ ከበደ ዝተፃሕፈ ደብዳቤ ብምምሳል ዝወፅአ ሓበሬታ ፍፁም ሓሰት ከምዝኾነ እቲ ክልል ኣረጋጊፁ።

እቲ ተግባር ዝተፈፀመ ኣብቲ ክልል ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጠረ ኣንፃራዊ ሰላም ዘላቒ ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ ንምጥዕናቓፍ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

በዚ ድማ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓይሊታት ፀጥታ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምውዳድ እናምፅኡዎ ዝርከቡ ውፅኢት ኪሳራ ዘብፀሐሎም ሓይሊታት ኣብ ውሽጢ ሚልሻን ሕብረተሰብን ምድንጋር ንምፍጣር ተሓሲቡ ዝተፈፀመ እኩይ ተግባር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም