ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ካብ ተለዋዋጢ መጥቃዕቲ ሳይበር ምክልኻል ዘኽእል ዓቕሚ ሃኒፁ እዩ-ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል

28



 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 16/2016 (ኢዜኣ) ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ተለዋዋጥቲ ካብ ዝኾኑ መጥቃዕትታት ሳይበር ብብቕዓት ብምክልኻል ረብሓ ሃገር ከኽብር ዝኽእል ዝተማልአ ዓቕሚ ከምዝፈጠረ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል ገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (/) ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ መንግስቲ በጀት ዓመት 2016 ኣብ ዝተገምገመሉ እዋን ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል ተጣይሹ ትኹረት ኣብ ዝተውሃበሎም ዓውድታት ዑደት ንክገብር ኣንፈት ከምዘቕመጡ ዝዝከር እዩ።

ብመተሓባባሪነት ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝምራሕ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ተረኺቡ ትዕዝብቲ ኣካይዱ።

መተሓባበሪ እቲ ጉጅለ ሱፐርቪዥን ዘሪሁን ከበደ ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ተለዋወጥቲ ካብ ዝኾኑ መጥቃዕትታት ሳይበር ምክልኻል ዘኽእላ ኩለ መዳያዊ ዓቕሚ እናሀነፀት ምዃና ካብቲ ዝገበርዎ ትዕዝብቲ ከምዝተረድኡ ገሊፆም።

እቲ ምምሕዳር ኣብ ቀፃሊ እውን ዘለውዎ ጥንካረታት ብምቕፃል ክፍተታት እናስተኻከለ ሃገራዊ ልኡኽትኡ ብኣግባቡ ንክዋፃእ ኣተሓሳሲቦም።

ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ትግስት ሃሚድ ብግደአን፤ ቅድሚ መጥቃዕቲ ሳይበር ምፍፃሙ ምክልኻልን ቅልጡፍ ምላሽ ምሃብን ዘኽእል ዓቕሚ ከምዝተሃነፀ ሓቢረን።

ድሕንነት ቁልፊ ትካላት ምሕላው፣ቴክኖሎጂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምምዕባል፣ዳህሳስ ስግኣት ምስራሕን ካልኦት ድሕንነት ሳይበር ምሕላው ዘኽእሉ ስራሕትን ትኹረት ከምዝተውሃቦም እውን ኣረዲአን።

ብተወሳኺ እውን ስራሕ ምክልኻል መጥቃዕቲ ሳይበር ፃዕሪ ኩሎም ትካላትን ግንዛበ ሳይበር ሕብረተሰብ ምዕባይን ስለዘድሊ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሮም ንክሰርሑ ገሊፀን።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር መርበብ ድሕንነት ሓበሬታ ዳንኤል ጉታ ከምዝበልዎ፤ ምህዳር ሳይበር ዘተኣናግዶ ዓይነትን መጠንን ጥቕዓት እናወሰኸ መፂኡ እዩ።

ኢትዮጵያ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው መጥቃዕቲ ሳይበር ብኣግባቡ ንምክልኻልን ንምምካትን ብሓይሊ ሰብ ኣድላይ ኣወዳድባ ብምህናፅ ድሉውነት ከምዝፈጠረት ገሊፆም።

ጉጅለ ሱፐርቪዥን ትካላት ፌዴራል ኣብ ዝተመረፁን ትኹረት ዝተገበረሎምን ዓውድታት ዝገብሮ ትዕዝብቲ ክሳብ 24 ሚያዝያ 2016 / ክቕፅል እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም