ኢትዮጵያ ምስ ኡጋንዳ ዘለዋ ምሕዝነት ኣብ ንግድን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ንምጥንኻር እናተሰርሐ እዩ-ኣምባሳደር እፀገነት በዛብህ

26

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 16/2016 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ኡጋንዳ ዘለዋ ታሪኻዊ ምሕዝነት ኣብ ንግድን ርክብ ህዝቢ ንህዝብን ንምጥንኻር እናተሰርሐ ምዃኑ በዓል ሙሉእ ኣምባሳደር ኢትጵያ ኣብ ኡጋንዳ ኣምባሳደር እፀገነት በዛብህ ተዛሪበን።

በዓል ሙሉእ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኡጋንዳ፣ቡርንዲ፣ ሲሸልስ፣ ኮሞሮስን ሪፐብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካን ኣምባሳደር እፀገነት በዛብህ፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ጠንካራ ርክብ ምህላው ንኢዜኣ ገሊፀን።

ኣብ ቀረባ እዋን ልኡኽ ጉዳያት ትምህርቲ ኡጋንዳ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ተሳልጦ ካብ ዘላ ስራሕ ተሞኩሮ ንምውሳድ ምምፅኡ ብምዝኽኻር፤ እዚ ድማ ርክብ እተን ሃገራት እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ዘርኢ እዩ ኢለን።

ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኡጋንዳ ከምዝነብሩን ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ናይ ሓባር ፀጋታት ከምዘለውዎምን ብምግላፅ እዚ ታሪኻዊ ርክብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ንምጥንኻር እናተሰርሐ ምዃኑ ኣረዲአን።

ኣብ ንግዲ ዘለወን ምትእስሳር እውን ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ብምግለፅ፤ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በዚ መዳይ ዓብይ ዓቕሚ ከምዝኾነ ፀሪሐን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም