ዘላቂ ሰላምን ኩለመዳይ ምዕባለን ምፍጣር ዛዕባ ናይዚ ወለዶ ኢዩ - ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት

22


 


ኣዲስ
ኣበባ/ ሚያዝያ/16/ 2016 /ኢዜአ/ናይዚ ወለዶ ዛዕባ ሓምሳ ዓመት ዘላቂ ሰላምን ኩለመዳይ ምዕባለን ከምዝኾነ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ድሕንነትን ፀጥታን ብምዝታይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ነዊሕ ታሪኻ ከም ሃገር ንፖለቲካዊ ፍልልያት፣ ዘይምስምማዕን ጎንፂታትን ብሰላማዊ መገዲ፣ ብዘተን ብሕጋዊ ኣገባብን ናይ ምፍታሕ ልምዲ ከምዘይነበራ ገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ናይ ለውጢ መንግስቲ ብሓይሊ ናብ ስልጣን ዝመፅአ ከምዘይኮነ ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ እዚ ድማ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ባህሊን ፖለቲካዊ ምዕራፍን ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ብዲሞክራስያዊ መረፃ ህዝቢ ዝፀደቐ መንግስቲ ብምጥያሽ፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ መራሕትን ኣባላትን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነት ብምሻም ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ገዛ ምዃና ዘመስከረ ለውጢ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኣብ ዘውፀኦ ዝርዝር መግለፂ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መንግስቲ ወፃእ ዕጡቕ ሓይሊ ክህሉ ከምዘይፈቅድ ዝሓበረ እነትኸውን÷ ብሰንኪ ዝተወረሰ ፖለቲካዊ ምብትታን ግን ዕጡቓት ሓይሊ ከምዝተፈጠሩ ኣብሪሁ።

 

እዞም ዕጡቓት ሰላምና ዘላቒ ንምግባር ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ መስርሕ ተሃድሶ ክኣትዉ ኣለዎም ዝበለ እቲ መግለፂ÷ ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ብምስታፍ እውን ፖለቲካዊ ጉዳያቶም ክፈትሑ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

እዚ ንምትግባር ኮሚሽን ተሃድሶ ከምዝተጣይሸ፤ ጉጅለ ዕጡቓት ዕጥቆም ብምፍታሕን ተሃድሶ ብምውሳድን ናብ ሕብረተሰብ ንምፅምባር ተሓሲቡ ዝተጣየሸ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ብሃገራዊ ምኽክርን ናይ ስግግር ፍትሒን ዝፀንሑ ሃገራዊ ፀገማት ክፍትሑ ብምግባር፤ ከም ጎንፂን ኲናትን ዝበሉ ዕንቅፋታት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ክንመርጽ ይግባእ።

ነዚ ዕላማ እዚ እዩ ድማ ነቲ ኣብ ሰሜን ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ብናይ ሰላም ስምምዕ ክፍታሕ ዝድለ።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዙሓት ተደጋገምቲ ሕድሕዳዊ ጎንፂታትን ኲናትን ከምዝተፈጠሩ ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ ኣብቶም ውግኣት ድማ ከም ሃገር ከቢድ ክሳራን ዕንወትን ከምዘስዐቡ ኣፍሊጡ።

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ነዚ ኣሰራርሓ ቀይርዎ ኢዩ፤ ብፖለቲካዊ ፍታሕ ኲናት ናይ ምውዳእ ባህሊ ኣምፂኡ ኢዩ፤ እዚ ናይ ሰላም ስምምዕ ተረኽ ሰዓራይን ተሳዓሪን ንዝመፅእ ወለዶ ንዘይ ምውራስ ብሱልን ቆራፅ ውሳነን ዝሓትት ኢዩ ብምባል እዚ ኣማራፂ ብምኽታል ደም መፋሰሲ ኲናት ደው ክብል ከምተገበረ ኣብሪሁ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ምሕዋይን ከምዝተጀመረ ገሊፁ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዕንቅፋት ናብ ትግራይ ክበፅሐሉ ዝኽእል ባይታ ከምዝፈጠረ፣ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ካብቲ ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ዝነበሮ ግቡእ ንላዕሊ ብምኻድ ምትእምማን ንምፍጣርን ሰላም ንምዕቃብ ኣድላዪ ዘበሎም ተኸታተልቲ ስጉምቲታት ከምዝተወሰደ እውን ኣፍሊጡ።

ብምሰረት ስምምዕነት ሰላም ዛጊድዝተረኸቡ ውፂኢታትን እፎይታን ከምዘለዉ ኮይኖም ዝተረፉ ስርሓትውን አለዉ ።ብፍላይ ብምስረት እቲ ስምምዐነት ሕዋሐት ዕጥቁ ክፈትሕ አለዎ ።

ሕቶ ወሰን መንነትን ምምሕዳርን ዘለዎም ከባቢታት ምእንቲ ዕልባት ክግበሮ ዘተቐመጠ አንፈት ተግባራዊ ክኸውን አለዎ

ብሰንኪ እቲ ኩናት ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ ቦቶኦም ንምምላስን ንምጥያሽን ዝተጀመረ ስራሕ ዕልባት ክረክብ አለዎ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም