ካብ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ዝተውሃበ መግለፂ

 

ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ደሕንነትን ፀጥታን ኣመልኪቱ፣ ካብ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ዝተውሃበ መግለፂ

ዝተኸበርኩም ህዝቢታት ሃገርና

ኢትዮጵያ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ሃገረ-መንግስታ ኣፈላላይ ፖለቲካ፣ ዘይምርድዳእን ጎንፅታትን ብሰላማዊ መንገዲ፣ ብዝርርብን ምይይጥን ከምኡ እውን ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ምፍታሕ ልምዲ የብላን።

ብዘይምዕዳልና ፖለቲካና ናይ ዜሮ ድምር ፖለቲካ እዩ። ኣብ ሃገርና ዝተለምደ ብሓይሊ ስዒሩ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፣ ብሓይሊ ተሳዒሩ ስልጣን ክሳብ ዝለቅቕ ኹሉ ኣኪቡ ዝቆፃፀሮን ፍትወቱ ዝገብረሉን ባህሊ ፖለቲካ እዩ።

እዚ መንግስቲ ለውጢ ናብ ስልጣን ዝመፀ ብሓይሊ ኣይኮነን። እዚ ድማ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ እዩ። እዚ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ ድማ ብዲሞክራሲያዊ መረፃ እወንታ ህዝቢ ረኺቡ መንግስቲ ብምምስራት ኣርእዩ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓን ኣባላትን ፖለቲካ ኣብ መንግስታዊ መሓውር ብሓላፍነት ብምምዳብ ኢትዮጵያ ገዛ ኹሎም ደቃ ምዃና ኣመስኪሩ እዩ።

ሰላማዊ ስግግር ፖለቲካ በይኑ ሽቶ ኣይኮነን። መሳኽዒ መሳርሒ ካልኦት ሽቶታት እምበር። ፀገም ኢትዮጵያ ሐዚ ዘሎ ኣካይዳ ብምዕራይ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ካብ ታሪኽ ዝወረስናዮም በሰላታት ምፅጋን እውን ግድን ይኸውን። እዞም በሰላ ታሪኽ ንምፅጋን ሰለስተ ዓይነት መፍትሒ ተቐሚጦም አለዉ። ነባር ፀገም ፖለቲካ ብሃገራዊ ምይይጥ ምፍታሕ፣ ፀገም ፖለቲካ ቀረባ እዋን ድማ ብስግግር ፍትሒን ብተሃድሶን ብምእርናብ ይኸውን።

ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ኢትዮጵያ ሓደ መንግስቲ ብመረፃ ኣሸኒፉ ስልጣን እንተሓዘ እውን በይኑ ክውስኖም ዘይግብኡ፣ ሃገራውን ሓቛፋይ ሃገራዊ ምይይጥ ዝጠልቡ ዛዕባታት ኣለዉ እዮም። እዚ ካብ ዝበሃል ፍርቂ ምዕተ-ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ። ኮይኑ ግና ክሳብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ዝመፅእ ቀረባ እዋን ሰማዒ ኣይረኸበን ነይሩ። መንግስቲ ለውጢ እዚ ሓሳብ ምቕባል ጥራሕ እንተይኮነስ ዘሳልጥ ገለልተኛ ትካል እውን ኣጣይሹ እዩ።

ኣብዚ ትካል ብሓላፍነት ዝተመደቡ ልዑል ልምድን ብቕዓትን ዘለዎም ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካ ውግንና ነፃ ዝኾኑ ገለልተኛ ኮምሽነራት እዮም። እዞም ኮምሽነራት ሓቛፋይ ሃገራዊ ምኽክር ዝትግብርሉ ሰፊሕ ስልጣን ብሕጊ ተዋሂቡዎም እዩ። በዚ መሰረት፣ መዳርግቲ ኣካላት ብምምይያጥ ከይዱ ከመይ ይኹን ዝብል ዝርዝር ኣካይዳን ኣሰራርሓን ተሊሞም እዮም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ብመሰረት ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክር ብዝተለሞ ኣካይዳ ኣብ 10 ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማን ከካብ ወረድኦም ኣብ ከይዲ ምኽክር ዝሳተፉ ፈልዩ ወዲኡ ኣሎ። ኣብ ሕድሕድ ክልል ብጣዕሚ ጥቡቕን መድከምን ዝኾነ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ። ካብ ታሕተዋይ መሓውር ምምሕዳር ዝርከብ ማሕበረሰብ ጀሚሩ ኣሳቲፉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ምይይጥ ዝሳተፉ ኣካላት ተሓርዮም እዮም። ካብ 679 ወረዳታት ክሳብ ሕዚ 12,294 ተሳተፍቲ ተፈልዮም ኣለዉ።

እዚ ኣካይዳ በዓል ዋና እዚ ጉዳይ ዝኾነ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ እዩ። ኣጀንዳታትን መፍትሒ ሓሳብን ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ጥራሕ እንተይኮነስ ካብ ሕብረተሰብ እውን ፈልፊሎም፣ ብምይይጥ ጠንኪሮም ናብ ማእኸል ዝመፁሉ ኣካይዳ እዩ። እዚ ኮምሽን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ብብርኪ ክልል ዝግበሩ መድረኻት ምይይጥ ከምዝጅምር ትፅቢት ይግበር። ከምኡ እውን ተሳተፍቲ ዘይተፈለየሎም ክልተ ኽልላት ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእ እዩ። ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ ጉባኤ ሓቛፋይ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ከምዝካየድ ተስፋ ይግበር።

እዚ ኣብ ማእኸል ወለዶ ሓደ ግዜ ዝርከብ ዕድል ከየህሰስና፣ እናቃናዕናን እናደገፍናን፣ መፍጠሪ መፍትሒ ነባር ፀገማት ኢትዮጵያ ክኸውን፣ ኩላትና እጃምና ክነወፊ ይግባእ። ዕድላትና ብዝኾነን ዘይኮነን እናባኸንና፣ ዓርስና ኣብ ዕንክሊል ፀገም ምንባር ከብቅዕ ኣለዎ።

እቲ ካልኣይ ድማ ስግግር ፍትሒ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ታሪኽ በደል፣ ግፍዕን መሰረታዊ ጥሕሰት መሰልን ተራእዮም እዮም። እዚ ኣብ ታሪኽ ካልኦት ሃገራት እውን ዝርአ ተጓንፎ እዩ። ክሳብ ሎሚ ዘሎ ኣካይዳና ብሓይሊ ሰዓራይ ኮይኑ ስልጣን ዝሓዘ ኣካል ንኻልኦት በደልትን ሓይልታት ጥፍኣትን ገይሩ ይኹንንን ይቐፅዕን። እዚ ኣካይዳ እዚ ግን ፍትሒ ኣየስፍንን። ህልኽ፣ ነስሓን ፃምእ ቂምን የተርንዕ እምበር። ተረኽ በዳልን ተበዳልን፣ ጎይቂን ቂምን ቀንዲ መጠንጠኒ ፖለቲካ ሃገርና ዝኾነሉ ሳዕቤን ሓደ እዚ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፤ ከይዲ ፍትሒ ስግግር ሓደ ተመራፂ ሜላ እዩ። ብምዃኑ እውን ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዝምርሐሉ ማዕቀፍ ፖሊሲ ፀዲቑ እዩ።

ምድላው እዚ ፖሊሲ ዝምልከቶም ኣካላት ዘሳተፈ፣ ዓለም-ለኸ ልምዲ መሰረት ዝገበረ እዩ። ኣብ ከይዲ ምርቃቕ ቅድመ ፖሊሲ ጥራሕ 60 ክልላዊ 20 ድማ ሃገራዊ መድረኽ ምትእኽኻብ እታወታት ሓሳብ ተኻይዶም እዮም። ዕላማ እዚ ፖሊሲ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ዝምርሐሉን ዝትግበረሉን ስርዓት ብምዝርጋሕ ዘላቒ ሰላም፣ ዕርቂ፣ ልዕልና ሕጊ፣ ፍትሕን ዴሞክራሲን ምርግጋፅ እዩ። እዚ ዕላማ ንምዕዋት ከከም ኣግባብነቱ ምርመራ ገበንን ክስን፣ ምትእልላሽ ሓቂ፣ ዕርቂ፣ ኣብ ቅድመ-ኹነታት ዝተመስረተ ምሕረት፣ መከሓሓስን ትካላዊ ምምሕያሽን ከም ሜላ ስግግር ፍትሒ ኣብ ሃገርና ተግባራዊ ክግበሩ እዮም።

ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ካብ ዕጡቓት መንግስቲ ወፃኢ ዝህልዉ ዝተዓጠቑ ሓይልታት ሕገ-መንግስትና ኣይፈቅድን። ሓደ መሰል መንግስቲ እውን ብብሕታዊነት ሓይሊ ምጥቃም እዩ። ኮይኑ ግና፣ ኣብ ሃገርና ብምኽንያት ዝወረስናዮ ፖለቲካዊ ስምብራት ዝተዓጠቑ ሓይልታት ክፍጠሩ ክኢሎም እዮም። ሰላምና ክፀንዕ፣ እዞም ዝተዓጠቑ ሓይልታት ዕጥቆም ፈቲሖም ኣብ ከይዲ ተሃድሶ ክፅምበሩ ይግባእ። ፖለቲካዊ ሕቶኦም እውን ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብምስታፍ ምፍታሕ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ዝኸውን ኮምሽን ተሃድሶ እውን ተጣይሹ እዩ። ዕላምኡ እውን ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ጉጅለ ዕጡቓት ሰላማዊ ምግባርን ናብ ሕብረተሰብ ምፅንባርን እዩ። እዚ ስራሕ ተሃድሶ ብምዕዋት ፖለቲካና ካብ ግንባር ናብ ጠረጴዛ፣ ካብ ዱር ናብ ኣዳራሽ ክምለስ ክንገብር ይግባእ። እዞም ሜላታት እዚኦም ብግቡእ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ካብ ዕንክሊል በዳልን ተበዳልን ክንወፅእ ይግባእ። ብምሕረት፣ ብይቕረታ፣ ብካሕሳን ፍትሕን ተሓኪምና ንቕድሚት ክንስጉም ይግባእ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ኩልና ኢትዮጵያውያን ብንቕሓትን ብቕዓትን ክንሳተፍ ኣለና። መንግስቲ እውን ኣተገባብራ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ምስ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ዝተናበበን ተመጋጋብን ክኸውን ኣብ ምግባር ሓላፍነቱ ክዋፃእ እዩ።

ዝፀንሑ ሃገራዊ ፀገማትና ብሃገራዊ ምኽክርን ስግግር ፍትሕን እናኣረምና፣ ዝገጠሙና ፈተናታት ጎንፅን ኲናትን ንምስጋር ድማ ሰላማዊ ከይዲ ፖለቲካ ቀዳማይ ኣማራፂ ክንገብር ኣለና። ንዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ዝፀንሐ ኲናት ሰሜናዊ ኽፋል ሃገርና ብስምምዕ ሰላም ክፍታሕ ዝተደለየሉ እውን ነዚ እዩ። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ጎንፅታት ሕድሕድን ኲናትን ተደጋጋሚ ተፈጢሮም እዮም። ከም ሃገር ከቢድ ኪሳራ በፂሑና እዩ። ምኽንያቱ ድማ ጎንፅታት ብዝርርብን ስምምዕነትን ናይ ምፍታሕ ልምዲ ስለዘይብልና እዩ። ዝለመድናዮ ኣብ ልዕሊ መቓብር ፀላኢ ሓወልቲ ምህናፅ እዩ።

እማመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ እዚ ነባር ልምዲ ቀይርዎ እዩ። ኲናት ብፖለቲካዊ መፍትሒ ክኽንበት ከምዝኽእል ኣርእዩ እዩ። እዚ እማመ ስምምዕ ሰላም ተረኽ ኣሸናፊ፣ ተሸናፍን ቂምን ንወለዶ ንዘይምውራስ ዝተገብረ ውሕሉልን ቆራፅነት ዝተመልኦን ውሳነ እዩ። ነዚ ኣማራፂ ስዒብና ምፍሳስ ደምን ጎንፅን ደው ክነብል ክኢልና ኢና። ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ምጥያሽን ተጀሚሮም ኣለዉ። ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ብዘይምንም ዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ዝኣትወሉ፣ ዝበፅሓሉ ጥጡሕ ባይታ ፈጢርና ኢና። ኣብ ፅባሕ ስምምዕ እማመ ሰላም መንግስቲ ኣብ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝኣተዎ ግዴታ ዝሓለፈ፣ ምትእምማን ንምፍጣርን ሰላም ንምጥንኻርን ኣድለይቲ እዮም ዝብሎም ስጉምትታት ወሲዱ እዩ። ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ክሳብ ሐዚ ዝተረኸበ ውፅኢትን ኡፎይታን ከምዘሎ ኾይኑ ዝቐረዩ ስራሕቲ እውን ኣለዉ እዮም። ብፍላይ ድማ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቂ ክፈትሑ ይግባእ። ዛዕባ ሕቶ ደረትን መንነትን ዘለዎም ከባብታት ንምፍታሕ ዝተቐመጠ ኣንፈት ተግባራዊ ክኸውን ይግባእ። ብሰንኪ ኲናት ዝተመዛበሉ ንምምላስን ምጥያሽን ዝተጀመሩ ስራሕቲ መዕለቢ ክግበረሉ ይግባእ። ካብ ሕሉፍ ጌጋ ዘይምምሃር ካብቲ ፈላማይ ጌጋ ዝበኣሰ እዩ። ካብ ሕሉፍ ጌገኦም ከይተምሃሩ ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ፀገም ዝጥጅኡ ኩልና ተሓባቢርና ስርዓት ክነትሕዞም ይግባእ። ካብ ትዕግስቲ ስዒቡ ዝፍጠር ምኽባር ልዕልና ሕጊ ዝህልዎ መሰከፊ ውፅኢት ካብ ናይ ቀረባ ታሪኽና ክንመሃር ይግባእ።

መንግስቲ ዝተቛረፁ መሰረተ-ልምዓትን ግልጋሎታትን ንምፅጋን ኢሉ እውን ዳግም ንምጅማር ተዓጢቑ እናሰርሐ ይርከብ። ኣብ ትግራይ ምንቅስቓስ ፋይናንስን ኢኮኖምን ክሳለጥ ልዑል ወፃኢ ኣውፂኡ እዩ። ብፅሒት ትርፊ ሰላም ልዑል ብምዃኑ መንግስቲ ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ሓሊፉ ቑስሊ ከሕዊ ዝኽእል ስራሕ እናሰርሐ ይርከብ። እዚ ግን መንግስታዊ ሓላፍነት እምበር ፍርሒ ተገይሩ ክውሰድ የብሉን።

ኣብ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከምዝተገለፀ፣ ኣብ ሕገ-መንግስትና እውን ከምዝተቐመጠ ከምሃገር ዝህልወና ሰራዊት ሓደ ሓይሊ ምክልኻል ጥራሕ እዩ። ክልላት ብብርኪ ክልል ሕጊ ንምኽባር ካብ ዘድልዮም ስሩዕ ፖሊስን ምልሻን ወፃኢ ዝተዓጠቐን ዝተዋደደን ሰራዊት ክህልዎም ኣይኽእልን፤ ኣይግባእን እውን። በዚ መሰረት ዕጥቂ ምፍታሕን ዝኣመሰሉን ከይድታት ብትልሚ ኮምሽን ተሃድሶ መሰረት ብህፁፅ ክትግበሩ ይግባእ።

ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍላይ ድማ መናእሰይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ተደፋፊኦም ብሓይልታት ፅንፍን ፈጠርቲ ጎንፅን ናብ ግንባር ኲናት ዝሳወሩሉ ተጓንፎ ኣሎ። እዚ ጉዳይ መንግስቲ ካብ ሓደ ኣንፈት ጥራሕ ኣይሪኦን። ምንቅስቓሶም ካብ ሕጊ ወፃኢ ስለዝኾነ ጥራሕ እዚ ጉዳይ ብሓይሊ ጥራሕ ይፈታሕ ክብል ከምዘይብሉ ይርዳእ። ስለዝኾነ ድማ ካብ መንገዲ ጥፍኣት ተመሊሶም ምስ ሕብረተሰብ ተፀንቢሮም ሰላማዊ ሂወት ንምንባር ድልየት ዘለዎም ዕጡቓት ኩሎም መንግስቲ ኢዱ ዘርጊሑ ንምቕባል ፍቓደኛ እዩ። እዚ ፍቓዱን ድልየቱን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ብተግባር ኣርእዩ እዩ። ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ዕጡቓት ኢዶም ሂቦም እዮም። እዚኦም ድማ ስልጠና ተሃድሶ ወሲዶም ምስ ሕብረተሰብ ክሕወሱ ተገይሩ እዩ። እዚ ብኮምሽን ተሃድሶ ኣቢሉ ምስ ክልላት ብምትእስሳር ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና። ፃዕርና ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ክትሕግዙና በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒትና ነቕርብ።

ብሓደ ወገን እዞም ዘላቒ መፍትሒ ዘምፅኡ ስራሕቲ እናተግበርና፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ዘኽብሩ ህልዊ ተግባራት እውን ምክያድና ክንቕፅል ኢና። ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ፅንፈኛ ኣረኣእያ ፖለቲካ ከምኡ እውን ዝተዋደደ ገበን ስርቂ እናተርኣዩ እዮም። እዞም ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዝዘርጉ ንምቁፅፃር መንግስቲ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰርሐ እዩ። ሓደ ኣካል እዚ ስራሕ ትካላት መኽበርቲ ሕጊ እናመሓየሹ፣ ምስ ህዝቢ ዘለወን ምትእስሳርን ምውዳድን እናተጠናኸረ ክኸይድ ምግባር እዩ። ኣብ ጣብያታትን መንደራትን ገጠር በቢኸባቢኡ ዝርከብ ነባሪ ብግቡእ ሰልጢኑ ከባቢኡን ሰላሙን ከኽብር ዘኽእል ስራሕቲ ክትግበር እዩ። በዚ መዳይ ኣብ ሓደ ሓደ ክልላት ኣወንታዊ ጅማሮ ኣሎ። ንከም ኢትዮጵያ ዝኣምሰለ ብጣዕሚ ሰፊሕን ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፣ ምልሻ ዓዲን ካልኦት ሓገዝቲ ውዳበታት መኽበርቲ ሰላምን ከባቢያዊ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ምኽባር ልዑል እጃም ኣለዎም።

ካብዚ ብተወሳኺ፣ ሓይልታት ፖሊስ ክልል ዳግመ-ውዳበ ብምክያድን ብኹለመዳይ ብምጥንኻርን፣ ሕገ መንግስታዊ ልእኹቶኦም ብኣግባቡ ክዋፅኡ እናተገብረ እዩ። በቢኸባቢኡ ምስ ዘለዉ ምልሻን ናይ ክልል ፖሊስን ብጥምረት፣ ፌደራል ፖሊስ ሰላምን ኣብ ምኽባር ሕግን ውሽጢ ዓዲ ግቡኡ ክዋፃእ ቀፃላይ ዝኾነ ትካላዊ ህንፀትን ምምሕያሽን እናተኻየደ እዩ። ካብዚኦም ትካላት መኽበርቲ ሕጊ ዝሓለፈ ስግኣት እንተጋጥም፣ ሓይሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሰላም ምስፋንን ተግባር ሕጊ ምኽባርን እናተዋፀአ ይርከብ።

ከምዚ ዓይነት ምትእስሳር ኣካላት ፀጥታን ህዝብን ብምህላዉ ኣብ ክልል ኣምሓራ መንግስቲ ብሓይሊ ኣፍሪሱ ብሓይሊ ስልጣን ንምሓዝ ዝሓሰበ ሓይሊ ድልየቱ ከይዕወት ተገይሩ እዩ። ብዝተገበረ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ መንግስቲ እቲ ክልልን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ምድሓን ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ክልል ኦሮምያ እውን ኣብ ሓደ ሓደ ዞባታት እቲ ክልል ዝነበሩ ዕጡቓት ምንቅስቓስን ዝንባለ ምቁፅፃር ገለ-ገለ ወረዳታትን ክቕልበስ ተገይሩ እዩ። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ እውን ኩነታት ፀጥታን ድሕንነትን ብጣዕሚ ተመሓይሹ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኾነ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ዝተፈላለዩ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ተሊሞም ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ትልሞም ክኸሽፍ ተገይሩ እዩ።

እቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ዋላ ኳ ወሳኒ እንተኾነ እኹል ግን ኣይኮነን። ፖለቲካ ልኹይ ዝኾኑ ዝተወደቡ ጉጅለ ስርቅን ገበነኛን ብዝግባእ ክንቆፃፀር ይግበአና። ነዚ ንምግባር ድማ ጥንኩርን ውፅኢታውን መኽበሪ ሕግን መሓውር ፀጥታን ክህልወና ዝተጀመሩ ስራሕቲ ክቕፅል እዩ። በዚ መዳይ ተሳትፎን ሓገዝን ህዝቢ ወሳኒ እዩ። እናሰረቐን እናዓገተን ዘሎ ጉጅለ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ምሽካምን ምሕንቃቕን ከብቅዕ ይግባእ። ብገንዘብ ድኻ ዝተሃንፁ ኢኮኖሚያውን ማሕበራዊን ትካላት ዘፍርስ ጉጅለ ድልየት ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣየማልእን።

ህዝቢ ምስ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ብምሕባር ልዕልና ሕጊ ከኽብር ይግባእ። በቢኸባቢኡ ዝርከቡ መሓውር ፖለቲካን ምምሕዳርን ካልእ ኣካል ምሕላው ዘይኮነስ ሕጊ ምኽባር ቀዳማይ ሓላፍነቶም ከምዝኾነ ፈሊጦም ክንቀሳቐሱ ይግባእ።

ሰላምን ፀጥታን ህዝቢ እንትረግእ ዝፍጠሩ ስርዓታት ስለዝኾኑ ብሓደ ገፅ ስራሕቲ ሕጊ ምኽባርን ሰላምን ደሕንነትን ምጥንኻርን እናወገንና፣ ብኻሊእ መዳይ ድማ ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መረበቶም ንምምላስ ክስራሕ አለዎ። ኣብ ሃገርና ሰባት ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም። እዞም ዜጋታት ካብ መዕቖቢ ወፅዮም ናብ መንበሪ ኣባይቶም ክምለሱ ይግባእ። ብቐፃልነት እውን ናብ ንቡር ናብርኦም ክምለሱ ኣለዎም። እዚ ጋህዲ ንምግባር እውን መንግስቲ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብር ፀኒሑ እዩ። ሐዚ እውን ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ። ንኣብነት፤ ኣብ ክልል ሶማሌን ኦሮምያን ዘዋስኑ ከባብታት፣ ከምኡውን ኣብ ጌዴኦ ከባቢ ተመዛቢሎም ዝነበሩ ዜጋታት ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል ናብ መረበቶም ክምለሱን ቀፃልነት ዘለዎ መንበሪ ክረኽቡን ተገይሩ እዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዘጋጠመ ጎንፂ፣ ከምኡ እውን ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ብዝተፈጠሩ ፀገማት ፀጥታ ዝተልዓለ ዝተመዛበሉ ወገናት ኣለዉ። እዞም ወገናት ናብ ገዝኦም ንክምለሱ እናሰራሕና ንርከብ። መራሕቲ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ብሓደ ብምስርሖም ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ ጣብያ ዝነበሩ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ገይሮም እዮም። እዚ ኸይዲ ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብና ኩሉ ጊዜ ዘይጠፍእ ምትሕስሳብ፣ ስጋኻ-ልኣኻን ጥቡቕ ምሕዝነትን ርኢና ኢና። ዝተመዛበሉ ጎረቤቶም ናብ መረበቶም ክምለሱ በቢኸባቢኡ ዘሎ ሕብረተሰብ ልዑል ድልየት ኣለዎ። ንዝምለሱ ተመዛበልቲ በቢኸባቢኡ ዝግበር ኣቀባብላ ልቢ ዘረስርስ እዩ። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ንኣብነት ካብ ራያን ኣላማጣን ዝተመዛበሉ መንግስቲ ከይተፀበዩ ብማሕበራዊ ኣተሓሳስባ ጥራሕ ብዙሓት ናብ መረበቶም ተመሊሶም እዮም።

ኣብዚ ኸይዲ ዛዕባ ተመዛበልቲ ከም ኣጀንዳ ፖለቲካ ገይሮም ክጥቀሙ ዝደልዩ ኣካላት ምህላዎም ተራእዩ እዩ። ተመዛበልቲ እንተተመሊሶም ኣጀንዳ ልመናን ተቓውሞን ክቕህመና እዩ ኢሎም ይሰግኡ። እዞም ሓይልታት እዚኦም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ዝተፈላለዩ ፕሮፖጋንዳን መፈራርሕን ይነዝሑ። ሓልሓሊፉ እውን ምምላስ ተመዛበልቲ ብሓይሊ ደስ ከብሉ ዝፍትኑ ኣይተስኣኑን። መንግስቲ ካብ ዘለዎ ሓላፍነት ሕግን ሞራልን ዝተልዓለ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱ ምግባሩ ክቕፅል እዩ። ምስ ክልላት ዝተጀመረ ስራሕ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ።

ሰላምን ፀጥታን ንምዝራግ፣ ዝተመዛበሉ ወገናት ከይምለሱ ንምግባርን ተግባራት ልምዓት ንምሕንካልን ሓደ መዋግኢ መሳርሒ ዝተዛብዐን ብመርዛዊ ሓሶት ዝተለወሰን ሓበሬታ ምንዛሕ እዩ። ከምዝፍለጥ ዕቤት ቴክኖሎጂ መራኸቢ ዕድልን ሓደጋን ሒዙ መፅዩ እዩ። ኣብዚ ዘመነ ኢንተርኔት ሽኩትን ውድድርን ይበዝሕ። ነባራት ትካላትን ስርዓትን ኣብ ከቢድ ፈተና ወዲቖም ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዓውዲ ሃገራት ብሄራዊ ረብሐኦም ከሐልዉ ብዘይምንም ስኽፍታን ልጓምን ዝኸኣልዎ ኩሉ ይገብሩ።

ኣብዚ እዋን ኩነታት ብግቡእ ብምርዳእ፣ እዚ ማዕበልን ወጀብን ከመይ ክንሓልፎ ይግባእ? ዝብል ብጥንቃቐ ተሊምና እንድሕር ዳኣ ዘይተንቀሳቒስና ከቢድ ሓደጋ እዩ። በዚ መዳይ ውፅኢታዊ ንምዃን ድማ ውሽጣዊ ሓድነትና ወሳኒ እዩ። ከምኢትዮጵያ ዝበለ ዓብዪ ሃገር ውሽጣዊ ሓድነት እንትህልዎ ነጢሩ ይወፅእ። ከም ሃገርን ህዝብን ንሓደ ዕላማ ብሕብረት እንተተሰሊፍና ሃገርና ንምዕባይ እዚ እዋን ፅቡቕ ፀጋ ሒዙ መፅዩ ኣሎ። እንተተኸፋፊልና ድማ ህልውና ሃገር ኣብ ሓደጋ ይወድቕ። ስለዝኾነ ድማ ዝመፁ ሓበሬታታት ምምራፅ፣ ምምዝዛንን ምስትንታንን ኣድላይ እዩ። ኣብ መሬት ዘሸነፍናዮም ፀላእትና ብኣየር ክመፁ ክንፈቅድ የብልናን።

እዚ ኹሉ እንገብሮ ፈለማ ዘላቒ ሰላም፣ ብኡ ኣቢልና እውን ዘላቒ ብልፅግና ንምርግጋፅ እዩ። ከም መንግስቲ ሽቶና ብኣቋራጭ መንገዲ፣ ላዕሊ-ላዕሉ ብዝግበር ሕድሳት ዝመፅእ ጊዝያዊ ፀጥታ ኣይኮነን። ዘላቒ ሰላም እዩ። ዘላቒ ሰላም እውን ዂናት ዘይምህላው ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ መርህን ስርዓትን ዝተመስረተ፣ ብቐሊሉ ዘይንቕነቕ ሰላም እዩ። ጎንፅን ዘይምርድዳእን ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንምፍታሕ ዘኽእል ዓቕምን ስርዓትን ምህላው እዩ። ኣብ መሰረታዊ ዛዕባታት ብምርድዳእ፣ ዝሓለፈ ቂምን በሰላን ገዲፍካ ንቕድሚት ምጉዓዝ ምኽኣል እዩ።

እዚ ዘላቒ ሰላምን ብልፅግናን ንምምፃእ ድማ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ ግድን ይኸውን። ኩሉ ሓቛፋይ ሃገራዊ ምኽክር፣ ስግግር ፍትሕን ተግባራት ተሃድሶን ቀንዲ መፈፀሚ መሳርሒ እዮም። ኩሉ ከምዝፈልጦ ሓቛፋይ ዝኾነ መንግስታውን ዴሞክራሲያውን ስርዓት ንምህናፅ ቀደምቲ እናኾንና ኢና። እዚ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ንክኸውን ተግባር መንግስቲ ጥራሕ እኹል ኣይኸውንን። ገዛኢ ውድብ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ ንምፍላጥ- ሓቢርና ንስራሕ፣ ንምከር፣ ብሓድነት መፍትሒ ፀገማት ሃገርና ንፍታሕ እናበለ ይርከብ። ገለ-ገሊኦም ድማ ግዚኡ ብዝሓለፎ ኣተሓሳስባ ብሓይልን ብጠበንጃን መንግስቲ ኣውዲቕና ስልጣን ተዘይወሰድና እናበሉ ይርከቡ። ከምዚ ብተፃራሪ መንገዲ እንተተጓዒዝና ዝጀመርናዮም ፃዕርታትና ክነዐውቶም ኣይንኽእልን። ባህሊ ኣተሓሳስባ መበል 18 ክፍለ ዘበን ሒዝካ ኣብ መበል 22 ክፍለዘበን ምንባር መርገም እምበር ለውጢ ኣየምፅእን።

ኲናት ንኹልና ዘኽስር እዩ። ሰላም ኹልና ንኸስበሉ። ኣንሕና ካብ ኣቦታትና ብዛዕባ ኲናት እናሰማዕና ዓቢና፤ ይኣኽለና። ኣብ ወለዶና እኳስ ክልተ ሰለስተ ከበድቲ ኲናታት ሓሊፎም እም። ንቐፃሊ ወለዶ ብልፅግና እምበር ቁስሊ ክነውርስ የብልናን። ዘበናዊ ቅኒት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንሓምሳ ዓመታት ዝበየኖ ኣብዮት 1966 ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ኮይኑዎ ኣሎ። ዘይለቐቖም ግን ክሳብ ሐዚ ኣለዉ። ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና፣ ኩነታትን ዓውድን ዘበንና ተረዲእና፣ ብናይ ባዕልና ቅኒትን ዛዕባን ንቕድሚት ክንስጉም ይግባእ። ዛዕባ ሓምሳ ዓመት እዚ ወለዶ ዘላቒ ሰላምን ኹለመዳያዊ ብልፅግናን እዩ።

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት

16 ሚያዚያ/ 2016 ዓ.ም

ኣዲስ ኣበባ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም