ፖለቲካ
ንዕውትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሓገዝን ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮ ዘጠናኽሩ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም
May 6, 2024 2
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2016 (ኢዜኣ) ንዕውትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሓገዝን ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮ ዘጠናኽሩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ምዃኖም ኣብ ክልላት ብብርኪ ኣመራርሓ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ገሊፀን። ኣብ ቀንዲ ሃገራዊ ጉዳያት ብምዝታይ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕን ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ኮሚሽን ምኽክር ተጣይሹ ኣብ ከይዲ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣብ ምስላጥ ከምዝርከብ ዝፍለጥ እዩ። ኣብቲ ከይዲ ሓገዝን ተሳትፎን ውድባት ፖለቲካ፣ሲቪል ማሕበራትን ዝተፈላለዩ ኣወዳድባታትን ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎም ይእመን። ኣብ ክልላት ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ሓላፍነት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪተን ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፤ ኣብቲ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብፍላይ ድማ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ትፅቢት ዝግበረሉ ስለዝኾነ ኣብዚ መዳይ ምድላው እናገበራ ከምዝርከባ ገሊፀን። ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ኣካቢት ኮከስ ደቂ ኣንስትዮን ኣለምነሽ ይባስ፤ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ኢለን። ነዚ ስራሕ ካብ ዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት ዝተውፃእፀአ ኮሚቴ ተጣይሹ ስራሕ ዝጀመረ እንትኸውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ተሳትፎ እቲ ከይዲ ምኽክር ስራሕ ምጭባጥ ግንዛበ እናሳለጠ ከምዝርከብ ገሊፀን። ኣብ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ክልል ዓፋር ዳይሬክተር ምስፍሕፋሕ ተሳትፎን ወፍርን ደቂ ኣንስትዮ ፋጡማ ሃንፈሬ፤ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ተሳትፎ ደቂ ኣንስት ንክዓቢ እናተሰርሐ ምዃኑ ሓቢረን። ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ክልል ጋምቤላ ክርሙስ ሌሮ ብግደአን፤ ጉዳይ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ሓባራዊ ዛዕባ ኩላትና ኮይኑ ብትኹረት ከምዝተትሓዘ ኣረዲአን። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር ብብርኪ ክልል ይኹን ሃገር ጠንካራ ተሳትፎ ንምግባር ድሉዋት ምዃነን እውን ተዛሪበን።
ክፍለ ሰራዊትን ሬጅመንትታትን እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ልኡኽቶኦም ብዘኹርዕ ኩነታት እናፈፀሙ ይርከቡ-ሌተናል ጄኔራል ሹማ ኣብደታ
May 6, 2024 2
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2016 (ኢዜኣ) ክፍለ ሰራዊትን ሬጅመንትታትን እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ልኡኽቶኦም ብዘኹርዕ ኩነታት እናፈፀሙ ከምዝርከቡ ኣዛዚ እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ሌተናል ጄኔራል ሹማ ኣብደታ ተዛሪቦም። ኣብ ኣፈፃፅማን ዝተረኸበ ውፅኢትን ግቡእ እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ዝጠመተ ዘተ ተገይሩ። ክፈለ ሰራዊታት እቲ እዚ ነቲ ፅንፈኛ ሓይሊ ኣብ ምድምሳስ፣ምምራኽን ኢድ ንክህቡ ኣብ ምግባርን ዝተውሃቦም ሃገራዊ ግቡእ ብዓወት ምፍፃሞምን ዓበይቲ ዓወታት ከምዘመዝገቡን ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ። ኣዛዚ እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ሌተናል ጄኔራል ሹማ ኣብደታ፤ እቲ ሰራዊት ብዝለዓለ ጅግንነትን ሃገራዊ ፍቕርን ንፀላኢ ብሓይሊ ብምውቃዕ ጠጠው ኢሉ ክዋገአሉ ኣብ ዘይኽእል ብርኪ ከምዘብፀሖ ብምግላፅ ጅግንነት፣ፅንዓትን ቆራፅነትን እቲ ሰራዊት ካብ ፍቕሪ ሃገር ዝተበገሰ ምዃኑ ሓቢሮም። ታሪኻዊ ፀላእቲ ምስ ባንዳታት ተለኣኣኽቲ ውሽጢ ዓዲ ብምሕባር ዋላ ኳ እታ ሃገር ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ተጠቒማ ንከይትዓብን ህዝባ ኣብ ድኽነት ንክነብርን እንተሓሰቡ እዚ ብምምካት ፀላእታ ዝምነይዋ ዝደኸመትን ዝተበታተነትን ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ዝበልፀገትን ጠንካራን ኢትዮጵያ ናብ ወለዶ ንምሽግጋር ኣድላይ መስዋእትነት ንምኽፋል ድሉዋት ኢና ኢሎም። ኩሉ ኣመራርሓ እዋናዊ ኩነታት ብምርዳእ ንሃገሩን ሰላም ህዝብን ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብፅንዓትን ብዘይዕርፍትን ክሰርሕ ከምዘለዎ ከምዘተሓሳሰቡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓባር መኺርና ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃምና ንምፍፃም ተዳሊና ኢና-ቤት ምኽሪ እድራት
May 6, 2024 2
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓባር መኺርና ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃምና ንምፍፃም ተዳሊና ኢና ክብሉ ኣመራርሓ ቤት ምኽሪ እድራት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሃገር ለኸን ተዛሪቦም። ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ዛዕባታት ብምዝታይ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ዝፍለጥ እዩ። ኣመራርሓ ቤት ምኽሪ እድራት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሃገር ለኸን ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ነቲ ኮሚሽን ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ንምምካር ተዳሊውና ኢና ኢሎም። ፕሬዚዳንት ኣመራርሓ ቤት ምኽሪ እድራት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሃገር ለኸን ታምራት ገብረማርያም፤ ነባራት ፀገማት ሃገርና ብዘተን ምኽክርን ብሓባር ንምፍታሕ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ክኸውን ይግባእ ኢሎም። ስለዝኾነ እውን ቤት ምኽሪ እድራት ንዕውትነት እቲ ሃገራዊ ምኽክር ነቲ ኮሚሽን ብምሕጋዝ ተሳትፎ እቲ ህዝቢ ኣብ ምጥንኻር ዝከኣሎ ኩሉ ንምግባር ተዳሊውና ኢና ክብሉ ገሊፆም። ̎ኣብ ፀገማትና ብሓባር መኺርና ንኩላትና እንትምችው ሃገር ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃምና ንምውፃእ ተዳሊውና ኢና̎ ክብሉ እውን ኣረጋጊፆም። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቤት ምኽሪ እድራት ክፍለ ከተማ የካ ፍቅሬ ሙላት ብግደኦም፤ ፀገማት ሃገርና ብዘላቕነት ንምፍታሕ ምኽክር ኣድላይ ምዃኑ ተዛሪቦም። ስለዝኾነ እውን ኣብ ጉዳይ ሃገርና መኺርና ነዚ ወለዶ እትምችው ሃገር ንምህናፅ ተዳሊውና ኢና ኢሎም።
ኣብ ክልል ሶማሌ ዝተፈጠረ ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ግብርናን ካልኦት ዓውድታትን ልዑል ኢንቨስትመንት ክስሕብ ክኢሉ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል
May 6, 2024 2
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 28/2016 (ኢዜኣ) ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ክልል ሶማሌ ብዝተፈጠረ ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ግብርናን ካልኦት ዓውድታትን ልዑል ኢንቨስትመንት ንክፍጠር ከምዘኽኣለ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሙስጠፌ መሀመድ ገሊፆም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሀመድ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ልምዓትን ዓወታትትን ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ክልል ሶማሌ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ጎንፂ ከምዝፀንሐ ብምምዝኽኻር ድሕሪ ለውጢ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ተፈጢሩ እቲ ህዝቢ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ልምዓት ተረባሒ ኮይኑ እዩ ኢሎም። ብፍላይ ድማ ኣብ ግብርና፣ኢንዱስትሪን ዓውድታት ኣገልግሎትን ልዑል ኢንቨስትመንት ብምስሓብ ብሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝተኸፈተ ብምግላፅ፤ ድሕሪ ለውጢ ፍርያት ግብርና ብዕፅፊ ከምዝዓበየ ኣረዲኦም። ፀገማት መንገዲ፣ማይን መሰረተ ልምዓትን እቲ ክልል ብዘላቕነት እንትፍትሑ ዕቑር ዓቕምታት እቲ ክልል ንሃገራዊ ልምዓት ንምውዓል ከምዘኽእል እውን ተዛሪቦም።
ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ካብ መፍረያይነት ብተወሳኺ መነባብሮ ኣርባሕቲ ኣብ ምቕያር እውን ትምህርቲ ዝተረኸበሉ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ
May 6, 2024 2
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2016 (ኢዜኣ) ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ካብ መፍረያይነት ብተወሳኺ መነባብሮ ኣርባሕቲ ኣብ ምቕያር እውን ትምህርቲ ዝተረኸበሉ ልምዓት ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ገሊፆም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣብ ልምዓት ግብርናን ኣርባሕትን ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ብዝምልከት ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ክልል ዓፋር ኣብ ከይዲ ምሽግጋር ካብ ባህሊ ኣርባሕቲ ናብ ብኽፋል ኣርባሕነት ኣብ ልምዓት ግብርና ዓወት እናተመዝገበ ምዃኑ ሓቢሮም። ስለዝኾነ እውን ብርክት ዝበሉ ኣብ ልምዓት ዕፉን፣ጡጥ፣ምሸላን ስርናይን እናተዋፈሩ ምዃኖም ኣረዲኦም። ኣብ ክልል ዓፋር ልምዓር ስርናይ ሓጋይ ሓዱሽ ስራሕ ግብርና ምዃኑ ብምግላፅ፤ ካብ መፍረያይነት ብተወሳኺ መነባብሮ ኣርባሕቲ ኣብ ምቕያር እውን ትምህርቲ ዝተረኸበሉ ዓወት ልምዓት ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ልምዓት እቲ ዓውዲ ዕቑር ዓቕሚ ማይን መሬትን እቲ ክልል ብምጥቃም መፍረያይ ዝገበረ ከምኡ እውን ካብ ባህሊ ኣርባሕነት ናብ ክፋል ኣርባሕነት ኣብ ምሽግጋር እውን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናገበረ እዩ ኢሎም። ኣብ ክልል ዓፋር ተቓላዕነት ውሕጅ ንምቕናስን ንምክልኻልን ዝህነፁ መሰረተ ልምዓታት ግድብ ዘላቕን ዝተረጋገዐን ኢንቨስትመንትን መፍረያይነት ግብርናን ንምጥንኻር ርኡይ እጃም ከምዘበርክቱ ገሊፆም።
  ቻይና ንኢትዮጵያ ዝገበረቶ ሓገዝ ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ከምዝዓበየ ዘመላኸት ከምዝኾነ ተገሊፁ
May 6, 2024 2
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/28/ 2016 /ኢዜአ/ናይ ስራሕ ግዘኦም ዝዛዘሙ ኣምብሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዡዩኣን ናብ ሃሮም ተመሊሶም፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም እዋን ስራሕ ዕዉት ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣምባሳደር ዣኦ ዡዩኣን÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር 50 ዓመታት ካብ ምስጋሩ ሓሊፉ ናብ ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ከምዝዓበየ እውን ፀሪሖም። ኣምባሳደር ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ክልተኣዊ ርክብ ንምጥንኻር ዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡ ኣብ ስራሕ ፃንሒቶም ብሓገዝ መንግስቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገኑ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት ንፍፃመ ከምዝበቕዑ ተሓቢሩ፡፡ ኢትዮጵያ ናብ ብሪክስ ንኽትፅምበር ቻይና ዝገበረቶ ሓገዝ ጥንኩር ምሕዝነት እተን ሃገራት ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ምፍናው ተገሊፁ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦተ ኣመራርሓን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርካብ ኣፋኒዮምዎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም
May 4, 2024 32
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/26/ 2016 /ኢዜአ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) በዓል ትንሳኤ 2016 ዓ.ም ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ መከራን ሞትን፣ ግፍዕን ግዕዝይናን፣ ሲኦልን መቓብርን ስዒሩ ዝተልዓለሉ በዓል ትንሳኤ በቢዓመቱ ነኽብር ኢና ኢሎም። ቐነ ሕማማት፥ ፈተና፣ ስቓይ፣ ክሕደት፣ ኣሕሊፍካ ምሃብ፣ ምትሕብባር ክፉኣት እናሓስበሉ ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም። ብተወሳኺ ሓሶት ዝሰዓረት ሓቂ ዝተስዓረት መሲላ ዝተርኣየትሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ብዙሓት መስዋእትነት ብምፍራሕ ዝተሓብኡሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ገለገሊኦም ድማ ዝሓልፍ ውሑጅ ወሲዱዎም፤ ሓደ ሓዲኦም ዝግ ዝበለ ማዕበል ውሒጡዎም፤ ውሑዳት ድማ ካብ ሕማማት ሓሊፎም ትንሳኤ ንምርኣይ ዝበቕዑሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም። ሰባት ዘይተረድእዎ ሓደ ሓቂ ከምዝነበረ ብምዝራብ፥ ካብ ሕማማት ትንሳኤ ከምዝበልፅን ከምዝነውሕን ገሊፆም። ሕማማት ሓሙሽተ መዓልታት እንትኸውን ትንሳኤ ድማ ብ10 ዕፅፊ ኢዩ ዝበልፅ ኢሎም። ኢትዮጵያ ብፈተና እያ ትሓልፍ ዘላ። ብፈተና እናሓለፈት ዘላ ሃገር እምበር ብፈተና ጠጠው ዝበለት ሃገር ግን ኣይኮነትን። እዚ እዋን ንኢትዮጵያ ሰሙነ ሕማማት ክኸውን ይኽእል እዩ። 4 ነገራት ግን ሓቅታት እዮም። እቲ ሓደ ሕማማት ኢትዮጵያ ሓፂር ምዃኑ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ዋላ ኳ ሓፂር እንተኾነ ከቢድ ምዃኑ፤ እቲ ሳልሳይ ኢትዮጵያ እቲ ሕማማት ንምሕላፍ ዘኽእል ሓይሊ ዘለዋ ምዃና፤ እቲ ራብዓይ ድሕሪ እቲ ሓፂር ሕማማት እቲ ነዊሕ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ዝመፅእ ምዃኑ እዮም። ክንበገስ ከለና ኢትዮጵያ ከምትፍተን ፈሊጥናን ኣሚንናን እዩ። ንዘበናት ዝነበሩ ስምብራታትን ሕመቓትን ንምሕካም እንትንለዓል እቲ መንገዲ ምችው ኣይኸውንን። ካብቲ ፀገም ትርፊ ምርካብ ዝለመዱ ኣካላት ሱቕ ኣይብሉን፤ ኢትዮጵያ ብማሽን ከምዝሕገዝ ዝሓመመ ሰብ ኣብ መንጎ ሂወትን ሞትን ንክትነብር ዝደልዩ ሓይልታት ዓሪፎም ኣይቕመጡን። ንኢትዮጵያ እቲ ሕማማት ንሕና እንተዘይተቐቢልናላ መን ይቕበለላ? ኣርዑት እቲ ፀገም ተዘይተሸኪምናላ ወዲ ሃገር ምዃን ኣብ ምንታዩ እዩ? ̎ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ̎እናበሉ ብሽማ ዝምሕሉ ብዙሓት እዮም ነይሮም፤ ካብ ልቦም ንቃሎም ተኣሚኖም ውላድ ዝኾንዋ ግና ውሑዳት ጥራሕ እዮም። ሓደ ሓዲኦም ብሽማ ዝግዘቱ እንጀራኣ ንምብላዕ እምበር ፀገማ ንምክፋል ኣይኮነን፤ ብተፃራሪኡ እንጀራኣ በሊዖም ክሒዶማ እዮም። እዋን እቲ ሕማማት ዋላ ኳ ሓፂር እንተኾነ ከቢድ ከምዝኾነ ንፈልጥ ኢና። መድሓኒት ሓቢ ንከድሕን እንተተደልዩ ብሓደ ግዜ ክውሰድ ኣለዎ። ነንእሽተይ እንተተወሲዱ ኣየድሕንን። ሕማማት ኢትጵያ ከምዚ እዩ። ኣብ ፊስካል ፖሊሲ፣ግብርና፣ማኑፋክቸሪንግ፣ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ፣ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ምምሕዳር ነፃነት፣ኣወቓቕራ ክልል፣ሲቪል ሰርቪስ፣ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ፣ወዘተ ዝተረከብናዮም ውዝፍ ዕዳታት ብዙሓት እዮም። ሽምጥና ኣሲርና፣እጅገና ኣኪብና እቲ መሪር መድሓኒት ሓቢ ውሒጥና እዞም ፀገማት እንተዘይፈቲሕናዮም ጠጠው ኢሎም ኣይፅበዩናን። ኣብዚ ፈጣን ዓለም ቀስ እናበልና ክንኸይድ ኣይንኽእልን። ተጠንቂቕና ግን ድማ ቀልጢፍና፤ ሓሲብና ግን ድማ ዋጋ ከፊልና ክንጎዓዝ ኣለና። እዚ እዩ ነቲ ሕማማት ዘሕፅሮ። ኢትዮጵያ እቲ ሕማማት ንምሕላፍ ዘኽእል ሓይሊ ኣለዋ። ቅድሚ ሕዚ እውን ብዙሕ ፀገም ሓሊፋን ኣሕሊፋን እያ። ዘይሓድጋ ኣምላኽ ኣለዋ። ዝፈትዋን ዝሓስበላን ጥራሕ ዘይኮነስ ዝሞተላ ኣመራርሓ እውን ኣለዋ፣ ዕላማ ሪኡ ዋጋ ዝኸፍል ህዝቢ ኣለዋ፣ ሃፍቲ ኣለዋ። እዚ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ዘሎ ዓቕሚ ፈጣሪ፣እቲ ኣመራርሓ፣እቲ ህዝብን ዓሚቕ ሃፍታን እቲ ሕማማት ምሕፃርን ምኽኣልን ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ቀፂሉ ዝመፅእ ፋሲካ ነዊሕ ንክኸውን ይገብሮ። እቲ ዝበርተዐ ሒዝና-ክንብርትዕ ኢና፤ በቲ ሓይሊ ዝህብ ንእመን ኢና፣ ንፅህናን ንሃገር ዘለና ሰናይ ራኢን መሰረት ገይርና ክንሰርሕ ኢና። ደገፍ ሆሳዕና ይኹን ተቓውሞ ዓርቢ መንገድና ኣየቕይሩናን። ናይ ኢትዮጵያ ሓቂ ጥራሕ ተኸቲልና ክንግስግስ ኢና። በዚ እውን እቲ ሕማማት ኣሕፂርና እዋን ትንሳኤ ኢትዮጵያ ክነንውሖ ኢና። ሰናይ በዓል ትንሳኤ!! ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተኸቢራ ንዘልኣለም ትንበር!! ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!! ሚያዝያ 2016 ዓ/ም
ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን በዓል ትንሳኤ ብዘይዝኾነ ፀገም ፀጥታ ንክኽበር ምድላው ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ
May 3, 2024 36
  አዲስ አበባ/ሚያዚያ/25/2016/ኢዜአ/ ህዝበ ኽርስትያን ንበዓል ትንሳኤ ብዘይዝኾነ ፀገም ፀጥታ ንከኽብር ኣብ ኹሎም ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ምድላዉ ብምዝዛሙ ናብ ተግባር ከምዝኣተወ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ። ፈታዊ ሰላም ህዝቢ ሃገርና 'ውን ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ኣብ ዝካየድ ስራሕቲ ምኽባር ፀጥታ ውሽጢ ብበዓል ዋናነት እናገበሮ ንዝርከብ ተሳትፎ ብዝበለፀ ኣጠናኺሩ ንክቐፀል ፀዊዑ። ሰላምን ድሕንነትን ከባቢኡ ዝዘርጉ ዘጠራጥሩ ነገራት እንትዕዘብ ንኣካላት ፀጥታ ሓበሬታ ብምሃብን ኣድላዪ ምትሕብባር ብምግባርን ኣብ ጎኒ እቲ ግብረ ሓይሊ ብምዃን ብፅሒቱ ንኽዋፃእ በዚ ኣጋጣሚ እቲ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ አታሓሳሲቡ ። ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣቐዲምኩም ኣብ ሃገርና ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ውሽጢ ዘይትካእ ብፅሒት ብምብርካት ልዕልነት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ቐትርን ለይትን እናሰራሕኹም ንትርከቡን ኣብ ግዳጅ ንትርከቡን ኣመራርሓታትን ኣባላትን ኣካላት ፀጥታ እቲ ግብረ ሓይሊ ዝዓዘዘ ምስጋና ኣቕሪቡ። ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ኽርስትና እንኳዕ ናብ በዓል ትንሳኤ ብሰላም ኣብፅሐኩም እናበለ ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ። ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን
ዓውዲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ክብ ዘብሉ ዘተታት ኣብ ዶሚኒካ ሪፐብሊክ ከተማ ፑንታካና  ተኻይዶም
May 2, 2024 38
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዚያ/24/ 2016 /ኢዜአ/ተወዳዳሪነት ዓውዲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ክብ ዘብሉን ኣብቲ ዓውዲ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእሉን ክልቲኣዊ ዘተታት ኣብ ዶሚኒካ ሪፐብሊክ ከተማ ፑንታካና ተሳሊጦም። ኣብ ዶሜኒካ ሪፐብሊክ ዘተኻየደ ዓለም ለኸ ሲምፖዚየም ትካል ኣቬዬሽን (ኣይ ሲኤኦ) ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር) ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን ዘቲዮም። እቶም ሚኒስትር ጎኒ ንጎኒ እቲ መድረኽ፥ ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ እቲ ትካልን ዋና ፀሓፊን ሓዊሱ ሚኒስትራት እቲ ዓውዲ ከምኡውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ተላዚቦም። ተወዳዳሪነት ዓውዲ ኣቬዬሽን ኢትዮጵያ ክብ ንምባል ዓሊሙ፥ ኣብ ስልጠና ሓይሊ ሰብ፣ ዲጂታላይዜሽን፣ ቁፅፅር ናቪጌሽን ነፈርቲ ኣብ ምዝማን፣ ፍሪያት ኣካላት ነፈርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምስፋሕ ከምኡወን ዝምድናታት ኣገልግሎት ነፈርቲ ኣፍሪካ ንምጥንኻር ዘኽእል ዘተ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።
ሕብረተሰብ በዓል ትንሳኤ እንተኽብር ንሓደጋ ሃንደበትን ሓውን ከይቃላዕ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ
May 1, 2024 42
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 23/2016 (ኢዜኣ) ሕብረተሰብ በዓል ትንሳኤ እንተኽብር ንሓደጋ ሃንደበትን ሓውን ከይቃላዕ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ብድሙቕ ካብ ዝኽበሩ በዓላት እቲ ሓደ በዓል ትንሳኤ እዩ። በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንጋቱ ማሞ ከምዝበልዎ፤ ሕብረተሰብ እቲ በዓል ንምኽባር ኣብ ዝግበሩ ምድላዋት ብዝተኣሳሰረ ሓደጋታት ሃንደበትን ሓውን ንከየጋጥሙ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ። እቲ ኮሚሽን ንዝመፅእ ዘሎ በዓል ትንሳኤ ኣመልኪቱ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝገበረ እውን ተዛሪቦም። እቲ ኮሚሽን እቲ ሕብረተሰብ ኣድላይ ቅድመ ምድላው ገይሩ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዝኾነ ምኽንያት ንዘጋጥሙ ሃንደበታዊ ሓደጋታት ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ብእታዎታትን ሓይሊ ሰብን ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ምድላው ከምዝገበረ ኣረዲኦም። እቲ ሕብረተሰብ ሓደጋታት እንተጋጥሙ ብነፃ መስመር ስልኪ 939፣ቀጥታ መስመራት ስልኪ 0111555300 ብምድዋል ነቲ ኮሚሽን ከፍልጥ ከምዘለዎ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።
ፈጠራ ስራሕ ብምትብባዕን ኣመለኻኽታ ተፀባይነት ብምቕያርን ነፃነት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ
May 1, 2024 38
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 23/2016 (ኢዜኣ) ፈጠራ ስራሕ ብምትብባዕን ኣመለኻኽታ ተፀባይነት ብምቕያርን ነፃነት ኢኮኖምን ውሕስና ምግብን ንምርግጋፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም። መድረኽ ግምገማ ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕ ፓርቲ ብልፅግና እናቐፀለ እዩ። እቲ መድረኽ 3ይ መዓልቲ ዝሓዘ እንትኸውን ሎሚ መዓልቲ እውን ምኽባር ናብራ ኣብ ምርግጋዕ፣ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ኣመለኻኽታ ተፀባይነት ኣብ ምቕያርን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣመልኪቱ እናዘተየ ይርከብ። ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ህዝቢ እናጎድአ ዝርከብ ምኽባር ናብራ ንምቁፅፃር ከም መንግስትን ፓርትን ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ እዩ። ኣመለኻክታ ተፀባይነት ኣብ ምቕያር እውን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ምዃኖም ብምሕባር ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታት ሰሪሖም ንክልወጡ ኣብ ቀፃሊ እውን ብፍሉይ ትኹረት ምስራሕ ይግባእ ኢሎም። ውሕስና ምግብን ነፃነት ኢኮኖምን ምርግጋፅ ማለት ልኣላዊነት ሃገር ንምኽባር ዓብይ ዓቕሚ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ ካብ ኩሎም ክልላት ዝተውፃእፅኡ ሓለፍቲ ፓርቲን መንግስትን ተረኺቦም።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያዊያን ፍልፍል ኩርዓት ዝኾነ ዓብዪ ትካል ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
May 1, 2024 32
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዚያ/23/ 2016 /ኢዜአ/ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያዊያን ፍልፍል ኩርዓት ዝኾነ ዓብዪ ትካል ከምዝኾነ ከንቲባ ምምጀሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። በተን ከንቲባ ዝተመርሐ ጉጅለ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ገይሩ። ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ዑደት÷ እቲ ሓይሊ ኣየር ካብ ዝተውሃቦ ሃገራዊ ልኡኽቶ ብተወሳኺ ኣብ ልምዓት ሕርሻ ኣቐዲሙ ብዘይግቡእ ካብ ረብሓ ወፃኢ ተገይሩ ዝነበረ ናይቲ ትካል መሬት ናብ ልምዓት ብምቕያር ዘመዘገቦ ዓብዪ ዓወት ብብርኪ ሃገር መርአዪ ዝኸውን ዘኹርዕ ተግባር ከምዝኾነ ተዛሪበን። ብሰላም ወፂኡ ንምእታው ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሃገር ንዝተትሓዘ ጉዕዞ ልምዓት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘፅነዖ ሰላም ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ “ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንመላእ ኢትዮጵያዊያን ፍልፍል ኩርዓት ዝኾነ ዓብዪ ትካል ኢዩ” ኢለን። ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ÷ ኣብ ሃገርና ዝተጀመረ ትካላት ውቁባትን ፅሩያትን ገይርካ ናይ ምህናፅ ተግባር ኣብ ሓይሊ ኣየር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ብምግላፅ፤ እተን ከንቲባን ካቢኔአንን ኣብቲ ትካል ዝገበሩዎ ዑደት ልዑል ረብሓ ዘለዎ ናይ ሞራል ስንቂ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ይግባእ - ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም
May 1, 2024 30
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/23/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ከምዝግባእ ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም ገሊፆም። ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ህንፀት ሃገር መሰረታዊ ጉዳያት ዘድሀበ መድረኸ ስልጠናን መጀመሪ ጎስጓስን ይካየድ ኣሎ። ብሚኒስቴር ሰላም ዝተሰናደአ እቲ መድረኽ ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ከምኡ እውን ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልላት ተረኺቦም። ዕላማ እቲ መድረኽ ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር ናይ ኩሉ ተሳትፎ ምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ክልላት ናይ ምትሕበባር ርክብ ብምጉልባት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ሰላም ሕጊ መውፃእቲ ኣካላት ሕጊታት ናይ ምውፃእን ኣፈፃፅመኦም ናይ ምክትታልን ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣልዒሎም። “ዘላቒ ሰላም ሃገርን ከይዲ ህንፀት ልምዓትን ናይ ኩሉ ምትሕብባርን ተሳትፎን ዝሓትት ብምዃኑ፤ በዚ መልክዑ ክንሰርሕ ይግባእ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓን ምትሕብባር ህዝብን ብሓንሳእ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ብሓባር ደው ንበል ክብሉ ሓቲቶም።
ድሕንነት ሞያን ረብሓን ሰራሕተኛ ዘኽብሩ ስራሕቲ ክሳለጡ 'ዮም-ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ
May 1, 2024 29
  አዲስ አበባ/ሚያዚያ/23/2016/ኢዜአ/ መዓልቲ ሰራሕተኛ ሎሚዓመት ድሕንነት ሞያን ረብሓን ሰራሕተኛ ዘኽብሩ ስራሕቲ ንምስራሕ ብዘኽእሉ ዘተታት ይኸበር ከም ዘሎ ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። መዓልቲ ሰራሕተኛታት ሎሚዓመት “ንሰላምን ምኽባር መነባብሮን መፍትሒ ክንደሊ ኢና“ ብዝብል ቴማ ብብርኪ ዓለም ለኸ ንመበል 135 ግዜ ብብርኪ ሃገር ንመበል 49 ግዜ ይኸበር አሎ። ፕሬዝዳንት ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ኣይተ ካሳሁን ፎሎ ከምዝገለፅዎ፤ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ሎሚዓመት ድሕንነት ሞያን ረብሓን ሰራሕተኛ ብዘኽብሩ ዘተታት ታዓጂቡ ይኽበር አሎ ኢሎም ። እቲ በዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙርያኣ ኣብ ዝርከቡ ጨንፈራት ቤት ፅሕፈትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማእኸል ባህሊ ኦሮሞ ብዘተታት ፓናል ተኸቢሩ ይውዕል ከምዘሎ ገሊፆም ፤ ኣብ ኻልኦት ጨንፈራት ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘለዉዎም ኣብ መቐለ፣ ድሬዳዋ፣ ሃዋሳ፣ ኣዳማን ጅማን ብተመሳሳሊ ኩነታት ብዘተ ይኽበር አሎ ኢሎም።
መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ወርሒ ፓርቲ ብልፅግና ተጀሚሩ
Apr 29, 2024 47
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/21/ 2016 /ኢዜአ/መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ትሽዓተ ወርሒ ፓርቲ ብልፅግና ተጀሚሩ። ኣብቲ መድረኽ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ሓለፍቲ ዘፈር ዋና ቤት ፅሕፈት ከምኡ እውን ሓለፍቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ክልላት ተረኺቦም። ተቐባልነት ዘለዎ ስርዓት ሃገረ-መንግስቲ ንምህናፅ፣ ተሳትፎ፣ ተረባሕነትን ዕግበትን ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ በቢብርኩ ዝርከቡ ውዳበታት እቲ ፓርቲ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ኣይተ ኣደም ኣብቲ መድረኽ ገሊፆም፡፡ ኣብቲ መድረኽ ደረጃ ባህሊ ውሽጣዊ ዴሞክራሲ፣ ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ፣ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ዝተረኸቡ ዝላታት ለውጢ ፅባሕ መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ንህዝቢ ቃል ዝኣተወሎም ጉዳያት ብርኪ ተፈፃምነት ትኹረት ከምዝግበረሎም ኣብሪሆም፡፡ “ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሓሙሽቲኦም ዓውዲታት ትኹረት ሃገራዊ ልምዓት ዝተረኸቡ ውፅኢታት፣ ተረኽ ብሄራዊነት ከም ሃገር ንምህናፅ ዝተኸየዱ ክያዶታት ከምኡ እውን ምድላው 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ኣብቲ መድረኽ ትኹረት ክግበረሎም ኢዩ” ምባሎም ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም