ፈጠራ ስራሕ ብምትብባዕን ኣመለኻኽታ ተፀባይነት ብምቕያርን ነፃነት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 23/2016 (ኢዜኣ) ፈጠራ ስራሕ ብምትብባዕን ኣመለኻኽታ ተፀባይነት ብምቕያርን ነፃነት ኢኮኖምን ውሕስና ምግብን ንምርግጋፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

መድረኽ ግምገማ ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕ ፓርቲ ብልፅግና እናቐፀለ እዩ።

እቲ መድረኽ 3 መዓልቲ ዝሓዘ እንትኸውን ሎሚ መዓልቲ እውን ምኽባር ናብራ ኣብ ምርግጋዕ፣ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ኣመለኻኽታ ተፀባይነት ኣብ ምቕያርን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣመልኪቱ እናዘተየ ይርከብ።

ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ህዝቢ እናጎድአ ዝርከብ ምኽባር ናብራ ንምቁፅፃር ከም መንግስትን ፓርትን ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ እዩ።

ኣመለኻክታ ተፀባይነት ኣብ ምቕያር እውን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ምዃኖም ብምሕባር ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታት ሰሪሖም ንክልወጡ ኣብ ቀፃሊ እውን ብፍሉይ ትኹረት ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ውሕስና ምግብን ነፃነት ኢኮኖምን ምርግጋፅ ማለት ልኣላዊነት ሃገር ንምኽባር ዓብይ ዓቕሚ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ ካብ ኩሎም ክልላት ዝተውፃእፅኡ ሓለፍቲ ፓርቲን መንግስትን ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም