ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያዊያን ፍልፍል ኩርዓት ዝኾነ ዓብዪ ትካል ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዚያ/23/ 2016 /ኢዜአ/ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያዊያን ፍልፍል ኩርዓት ዝኾነ ዓብዪ ትካል ከምዝኾነ ከንቲባ ምምጀሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

በተን ከንቲባ ዝተመርሐ ጉጅለ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዑደት ገይሩ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ዑደት÷ እቲ ሓይሊ ኣየር ካብ ዝተውሃቦ ሃገራዊ ልኡኽቶ ብተወሳኺ ኣብ ልምዓት ሕርሻ ኣቐዲሙ ብዘይግቡእ ካብ ረብሓ ወፃኢ ተገይሩ ዝነበረ ናይቲ ትካል መሬት ናብ ልምዓት ብምቕያር ዘመዘገቦ ዓብዪ ዓወት ብብርኪ ሃገር መርአዪ ዝኸውን ዘኹርዕ ተግባር ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ብሰላም ወፂኡ ንምእታው ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሃገር ንዝተትሓዘ ጉዕዞ ልምዓት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘፅነዖ ሰላም ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንመላእ ኢትዮጵያዊያን ፍልፍል ኩርዓት ዝኾነ ዓብዪ ትካል ኢዩ ኢለን።

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ÷ ኣብ ሃገርና ዝተጀመረ ትካላት ውቁባትን ፅሩያትን ገይርካ ናይ ምህናፅ ተግባር ኣብ ሓይሊ ኣየር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ብምግላፅ፤ እተን ከንቲባን ካቢኔአንን ኣብቲ ትካል ዝገበሩዎ ዑደት ልዑል ረብሓ ዘለዎ ናይ ሞራል ስንቂ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም