ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ካብ መፍረያይነት ብተወሳኺ መነባብሮ ኣርባሕቲ ኣብ ምቕያር እውን ትምህርቲ ዝተረኸበሉ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 28/2016 (ኢዜኣ) ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ካብ መፍረያይነት ብተወሳኺ መነባብሮ ኣርባሕቲ ኣብ ምቕያር እውን ትምህርቲ ዝተረኸበሉ ልምዓት ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣብ ልምዓት ግብርናን ኣርባሕትን ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ብዝምልከት ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ክልል ዓፋር ኣብ ከይዲ ምሽግጋር ካብ ባህሊ ኣርባሕቲ ናብ ብኽፋል ኣርባሕነት ኣብ ልምዓት ግብርና ዓወት እናተመዝገበ ምዃኑ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እውን ብርክት ዝበሉ ኣብ ልምዓት ዕፉን፣ጡጥ፣ምሸላን ስርናይን እናተዋፈሩ ምዃኖም ኣረዲኦም።

ኣብ ክልል ዓፋር ልምዓር ስርናይ ሓጋይ ሓዱሽ ስራሕ ግብርና ምዃኑ ብምግላፅ፤ ካብ መፍረያይነት ብተወሳኺ መነባብሮ ኣርባሕቲ ኣብ ምቕያር እውን ትምህርቲ ዝተረኸበሉ ዓወት ልምዓት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ልምዓት እቲ ዓውዲ ዕቑር ዓቕሚ ማይን መሬትን እቲ ክልል ብምጥቃም መፍረያይ ዝገበረ ከምኡ እውን ካብ ባህሊ ኣርባሕነት ናብ ክፋል ኣርባሕነት ኣብ ምሽግጋር እውን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናገበረ እዩ ኢሎም።

ኣብ ክልል ዓፋር ተቓላዕነት ውሕጅ ንምቕናስን ንምክልኻልን ዝህነፁ መሰረተ ልምዓታት ግድብ ዘላቕን ዝተረጋገዐን ኢንቨስትመንትን መፍረያይነት ግብርናን ንምጥንኻር ርኡይ እጃም ከምዘበርክቱ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም