ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ይግባእ - ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/23/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ከምዝግባእ ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም ገሊፆም።

ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ህንፀት ሃገር መሰረታዊ ጉዳያት ዘድሀበ መድረኸ ስልጠናን መጀመሪ ጎስጓስን ይካየድ ኣሎ።

ብሚኒስቴር ሰላም ዝተሰናደአ እቲ መድረኽ ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ከምኡ እውን ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልላት ተረኺቦም።

ዕላማ እቲ መድረኽ ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር ናይ ኩሉ ተሳትፎ ምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ክልላት ናይ ምትሕበባር ርክብ ብምጉልባት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ሰላም ሕጊ መውፃእቲ ኣካላት ሕጊታት ናይ ምውፃእን ኣፈፃፅመኦም ናይ ምክትታልን ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣልዒሎም።

ዘላቒ ሰላም ሃገርን ከይዲ ህንፀት ልምዓትን ናይ ኩሉ ምትሕብባርን ተሳትፎን ዝሓትት ብምዃኑ፤ በዚ መልክዑ ክንሰርሕ ይግባእ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓን ምትሕብባር ህዝብን ብሓንሳእ ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ብሓባር ደው ንበል ክብሉ ሓቲቶም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም