ፋውንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተጠቃምነት እቲ ሰራዊት ዘረጋግፁ ስራሕቲ እናሰርሐ 'ዩ




 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/28/2016/ኢዜአ/ ፋውንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል ተጠቃምነት እቲ ሰራዊት ዘረጋግፁ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ሚኒስትር ሚኒስቴር ምክልኻል ዶክተር ኣብረሃም በላይ ኣፍሊጦም።

ፋውንዴሽን ሰራዊት ምክልኻል እናሰርሖም ንዝርከቡ ዘፈር ብዙሕ ተግባራት ዝምልከት ዘተ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ሚኒስቴር ምክልኻል ዶክተር ኣብረሃም በላይ ምክልኻል ብምግቢ ዓርሱ ንምኽኣልን ተጠቃምነት እቲ ሰራዊት ንምርግጋፅን ነቲ ፋውንዴሽን ብዝግባእ ኣዋዲዱ ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ ከምዝሰርሐ ኣረዲኦም።

ነቲ ሰራዊት ተጠቃሚ ዝገብሩ ህንፀት አባይትን ስራሕቲ ልምዓት ብሰፊሑ ከምዝተሰርሑ ምግላፆም 'ውን ካብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም