ሕብረተሰብ በዓል ትንሳኤ እንተኽብር ንሓደጋ ሃንደበትን ሓውን ከይቃላዕ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 23/2016 (ኢዜኣ) ሕብረተሰብ በዓል ትንሳኤ እንተኽብር ንሓደጋ ሃንደበትን ሓውን ከይቃላዕ ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ብድሙቕ ካብ ዝኽበሩ በዓላት እቲ ሓደ በዓል ትንሳኤ እዩ።

በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንጋቱ ማሞ ከምዝበልዎ፤ ሕብረተሰብ እቲ በዓል ንምኽባር ኣብ ዝግበሩ ምድላዋት ብዝተኣሳሰረ ሓደጋታት ሃንደበትን ሓውን ንከየጋጥሙ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ።

እቲ ኮሚሽን ንዝመፅእ ዘሎ በዓል ትንሳኤ ኣመልኪቱ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝገበረ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ኮሚሽን እቲ ሕብረተሰብ ኣድላይ ቅድመ ምድላው ገይሩ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዝኾነ ምኽንያት ንዘጋጥሙ ሃንደበታዊ ሓደጋታት ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ብእታዎታትን ሓይሊ ሰብን ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ምድላው ከምዝገበረ ኣረዲኦም።

እቲ ሕብረተሰብ ሓደጋታት እንተጋጥሙ ብነፃ መስመር ስልኪ 939፣ቀጥታ መስመራት ስልኪ 0111555300  ብምድዋል ነቲ ኮሚሽን ከፍልጥ ከምዘለዎ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም