ቻይና ንኢትዮጵያ ዝገበረቶ ሓገዝ ናብ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ከምዝዓበየ ዘመላኸት ከምዝኾነ ተገሊፁ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/28/ 2016 /ኢዜአ/ናይ ስራሕ ግዘኦም ዝዛዘሙ ኣምብሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዡዩኣን ናብ ሃሮም ተመሊሶም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም እዋን ስራሕ ዕዉት ከምዝነበረ ዝገለፁ ኣምባሳደር ዣኦ ዡዩኣን÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር 50 ዓመታት ካብ ምስጋሩ ሓሊፉ ናብ ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ከምዝዓበየ እውን ፀሪሖም።

ኣምባሳደር ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ክልተኣዊ ርክብ ንምጥንኻር ዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ስራሕ ፃንሒቶም ብሓገዝ መንግስቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገኑ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት ንፍፃመ ከምዝበቕዑ ተሓቢሩ፡፡

ኢትዮጵያ ናብ ብሪክስ ንኽትፅምበር ቻይና ዝገበረቶ ሓገዝ ጥንኩር ምሕዝነት እተን ሃገራት ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ምፍናው ተገሊፁ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦተ ኣመራርሓን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርካብ ኣፋኒዮምዎም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም