ኣብ ክልል ሶማሌ ዝተፈጠረ ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ግብርናን ካልኦት ዓውድታትን ልዑል ኢንቨስትመንት ክስሕብ ክኢሉ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል



 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 28/2016 (ኢዜኣ) ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ክልል ሶማሌ ብዝተፈጠረ ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ግብርናን ካልኦት ዓውድታትን ልዑል ኢንቨስትመንት ንክፍጠር ከምዘኽኣለ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሙስጠፌ መሀመድ ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሀመድ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ልምዓትን ዓወታትትን ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ክልል ሶማሌ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ጎንፂ ከምዝፀንሐ ብምምዝኽኻር ድሕሪ ለውጢ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ተፈጢሩ እቲ ህዝቢ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ልምዓት ተረባሒ ኮይኑ እዩ ኢሎም።

ብፍላይ ድማ ኣብ ግብርና፣ኢንዱስትሪን ዓውድታት ኣገልግሎትን ልዑል ኢንቨስትመንት ብምስሓብ ብሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝተኸፈተ ብምግላፅ፤ ድሕሪ ለውጢ ፍርያት ግብርና ብዕፅፊ ከምዝዓበየ ኣረዲኦም።

ፀገማት መንገዲ፣ማይን መሰረተ ልምዓትን እቲ ክልል ብዘላቕነት እንትፍትሑ ዕቑር ዓቕምታት እቲ ክልል ንሃገራዊ ልምዓት ንምውዓል ከምዘኽእል እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም