ኣብ ከተማ ድሬደዋ ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ኣድላይ ምድላው ተገይሩ

ድሬደዋ/ሓምለ 23/2017(ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ድሬደዋ ፅባሕ ንዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ንምዕዋት ምድላው ከምዝተገበረ ሓላፊ ቢሮ ግብርና፣ማይ፣መዓድንን ኢነርጅን ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣይተ ኑረዲን ኣብደላ ገሊፆም።

ሓምለዋይ ኣሰር ንቀፃሊ ወለዶ እነመሓላልፎ ገፀ በረከት እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኑረዲን ኣብደላ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተተኸሉ ፈልስታት ድሬደዋ ምችውቲ ከባቢ ስራሕን መንበርን ንክትኸውን ኣኽኢልዋ እዩ።


 

ሓደጋ ውሕጅ ከተማ ድሬደዋ ኣብ ምክልኻልን ውሕስና ምግቢ ሕብረተሰብ ገጠር ኣብ ምርግጋፅን እውን ልዑል ውፅኢት ከምዝተረኸበሎም ሓቢሮም።

 

ኣብዚ ዓመት እውን “ብምትካል ምንስርራእ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተሳለጠ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

 

ብብርኪ ሃገር ፅባሕ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ዝተፈላለዩ ረብሓ ዘለዎም ፈልስታት ከምዝትከሉ ብምሕባር፤ ኣብዚ ታሪኻዊ ስራሕ ንምስታፍ ድማ ኣብ ከተማ ድሬደዋ እውን ምድላው ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

 

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ፤ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬደዋ ከድር ጁሃርን ኣባላት ካቢኔ እቲ ምምሕዳርን፣ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ድሬደዋ፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን በቢብርኩ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብን ከምዝሳተፉ ኣረዲኦም።

 

ብተወሳኺ እውን ኣብ ዓመታዊ በዓል ናፍቆት ድሬደዋ እናተሳተፉ ዘለዉን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወፃኢ ዝመፁ ኣጋይሽን ክሳተፉ እዮም ኢሎም።



 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም