ሓምለዋይ ኣሰር ንቀፃሊ ወለዶ እነመሓላልፎ ገፀ በረከት እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓምለዋይ ኣሰር ንቀፃሊ ወለዶ እነመሓላልፎ ገፀ በረከት እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 22/2017(ኢዜኣ) ሓምለዋይ ኣሰር ንቀፃሊ ወለዶ እነመሓላልፎ ገፀ በረከት እዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
መበል 7ይ ዙር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር”ብምትካል ምንስርራእ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብዕሊ ከምዝተጀመረ ዝፍለጥ እዩ።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ዕላዊ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ተኸላ ፈልሲ እናተሳለጠ እንትኸውን፤ ሎሚ እውን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ተፈለጥቲ ውልቀ ሰባት፣ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ፣ሰብ ሞያ ሚድያ፣ስፖርተኛታት፣ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኮሙኒኬሽን ብምዃን ሓምለዋይ ኣሰረን ኣንቢረን።
እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ንቀፃሊ ወለዶ እነመሓላልፎ ገፀ በረከት እዩ።
ፈልሲ ምትካል ንሎሚ ጥራ ዘይኮነስ ንናይ ፅባሕ ወለዶ እውን ምችውቲ ሃገር ብምህናፅ እነረክበሉን ውሕስና ምግቢ እነረጋግፀሉን ቁልፊ መሳርሒ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ስለዝኾነ እውን ኣካላት ሚድያ ሓዊሱ ኩሎም ዜጋታት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ተሳትፈኦም ንከጠናኽሩ ብምግላፅ፤ ወለዶ ኣብ ምህናፅ እውን ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ ፃውዒት ኣቕሪበን።