ስፖርት
ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለን ትእግስት ኣሰፋን ኣብ ማራቶን ለንደን ክሳተፉ ኢዮም
Mar 6, 2024 69
ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/27/ 2016 /ኢዜአ/ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለን ወናኒት ክብረ ወሰን ዓለም ማራቶን ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋን ኣብ ውድድር ማራቶን ለንደን 2024 ከምዝሳተፉ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ማራቶን ለንደን ኣፍሊጡ፡፡ ወዲ 41 ዓመት ኣትሌት ቀነኒሳ÷ ኣብ 2023 ማራቶን ቫሌንሲያ 2 ሰዓት 4 ደቒቕን 9 ሰከንድን ብምእታው ኣብ ዘፈር ልዑል ዕድመ ሓዱሽ ክብረወሰን ምምዝጋቡ ይዝከር። ኣትሌት ቀነኒሳ ብመዳይ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ታሪኽ ማራቶን ሳልሳይ ቅልጡፍ ሰዓት ዝውንን ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡ ካብ ኣትሌት ቀነኒሳ ብተወሳኺ÷ ኣትሌት ታምራት ቶላን ሞስነት ገረመውን ኣብቲ ውድድር ከምዝሳተፉ ተገሊፁ፡፡ ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ወናኒት ክብረወሰን ማራቶን ዓለም እዚ እዋን ኢትዮጵያዊት ትእግስት ኣሰፋ ከምትሳተፍ እቲ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ኣፍሊጡ፡፡ ኣትሌት ትእግስት ምስ ነበር ወናኒት ክብረወሰን ማራቶን ኬንያዊት ብሪግድ ኮስጌይ፣ ካብ ዓለም ራብዓይ ቅልጡፍ ሰዓት ትውንን ሩት ቼፕንጌቲች ከምኡ እውን ፔሬስ ጄፕቺርችር ልዑል ንሕንሕ ክገጥማ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ያለምዘርፍ የኋላው ከምታሳተፍ እውን ተገሊፁ፡፡ ማራቶን ለንደን 2024 ከምኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ዝቕፅል ወርሒ ሚያዚያ 21 ክካየድ ኢዩ፡፡
ኣብ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበበ ኣትዩ
Mar 5, 2024 51
  አዲስ አበባ/የካቲት/26/2016/ኢዜአ/ኣብ ስኮትላንድ ግላስኮው ኣብ ዝተሳለጠ መበል 19 ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝለዓለ ውፅኢት ዘመዝገበ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፣ ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሓጋዚት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ፣ ዋና ፀሓፊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዳዊት ኣስፋው፣ ኣመራርሓታት እቲ ፌዴሬሽንን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣቀባብላ ገይሮምሉ። ኣብቲ ውድድር ብ13 ኣትሌታት ዝተወከለት ኢትዮጵያ ብኽልተ ወርቅን፣ ብሓደ ብሪን ሓደ ነሓስን ብድምሩ 4 ሜዳልያታት ብምርካብ ካብ ዓለም መበል ሓምሸይቲ ካብ ኣፍሪካ ድማ ቐዳመይቲ ኾይና ዛዚማ። ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣቀባብላ ምስተገበረ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ከምዝሳለጥ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ከምዘፍለጠ ኢዜአ ፀብፂቡ።
ትካላት ትምህርቲ ብስፖርት ዝተሃነፀ ወለዶ ንምፍራይ ዝገብርኦ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ንክኸውን ኣድላይ ደገፍ ክግበር እዩ
Feb 28, 2024 65
  ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት 20/2016 (ኢዜኣ) ትካላት ትምህርቲ ብስፖርት ዝተሃነፀ ወለዶ ንምፍራይ ዝገብርኦ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ንክኸውን ኣድላይ ደገፍ ክግበር እዩ ክብሉ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ተዛሪቦም። ዩኒቨርሲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲኡ ንዘለው ኮሌጃት ካብ 29 ለካቲት ክሳብ 14 መጋቢት 2016 ዓ/ም ፌስቲቫል ስፖርት ከምዘካይድ ኣፍሊጡ። ኣብ ስነ ስርዓት መኽፈቲ እቲ ፌስቲቫል፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ፣ኢንስትራክተር ካፍ ኤሊት ኣብርሃም መብራቱን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ኣብቲ ፌስቲቫል፣ ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኮሌጃት ዝሳተፉ እንትኸውን እቲ ውድድር ኩዕሶ እግሪ፣ጉያ፣ኩዕሶ ስክዒትን ካልኦት ዓይነታት ስፖርትን ዝሓቖፈ እዩ ተባሂሉ። ስነ ስርዓት ኣወፃፅኣ ዕፃ ድልድል ምደባ ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ኮሌጃት ብኢንስትራክተር ኣብርሃም መብራቱ ከምዝወፀ እውን ተገሊፁ። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ስፖርት ኢኮኖሚ ንምዕባይ፣ርክብ ሕድ ሕድ ንምጥንኻር ከምኡ እውን ምስ ሃገራት ዝህሉ ምሕዝነት ንምጥንኻር ዓብይ እጃም ኣለዎ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ውሽጢ ገዛ ብ14 ኣትሌታት ክትውከል ኢያ
Feb 26, 2024 56
  ኣዲስ ኣበባ/ የካቲት/18/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ውሽጢ ገዛ ስኮትላንድ ብ14 ኣትሌታት ክትውከል ኢያ። ብመሰረት እዚ ብ800 ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ኣትሌት ሃብታም ኣለሙ፣ ፅጌ ዱጉማ እንትሳተፋ ወርቅነሽ መሰለ ድማ ብመሐለውታ ተታሒዛ ኣላ። ከምኡ እውን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ፣ ድርቤ ወልተጂን ብርቄ ሓየሎምን ክሳተፋ ኢየን። ለምለም ሃይሉ፣ ጉዳፍ ፀጋይን ሒሩት መሸሻን ከዓ ብ3 ሺሕ ሜትሮ እንትሳተፋ፥ ኣትሌት መልክናት ውዱ ብመሐለውታ ተታሒዛ ኣላ። ብደቂ ተባዕቲዮ፥ ሰለሞን ባረጋን ጌትነት ዋሌን ብ3 ሺሕ ሜትሮ እንትሳተፉ፥ ጥላሁን ኃይሌ ብመሐለውታ ተታሒዙ ኣሎ። ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራን ቢኒያም መሓሪን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ዝሳተፉ ኢዮም። ብ800 ሜትሮ ኣትሌት ኤፍሬም መኮንን በይኑ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ክሳተፍ ኢዩ ተባሂሉ። ኣብቲ ዓለም ለኻዊ ውድድር፥ 20 ሻምፒዮናት ዓለም፣ 7 ተዓወትቲ ኦሊምፒክ፣ 18 ተዓወትቲ ሕሉፍ ውድድር ውሽጢ ገዛ ክሳተፉ ኢዮም። ብሓፈሻ ካብ 133 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 651 ኣትሌታት አብ እቲ ውድድር ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።
ፅዋዕ ኣፍሪቃ፡ ናይጀርያን ኣይቮሪኮስትን ናብ ፍጻመ ሓሊፈን
Feb 8, 2024 65
  አዲስ አበባ/ጥረ/30/2016/ኢዜአ/ ብኣቆጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰዓት ሸሞንተ ዝተጀመረ ጸወታ ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን ክልቲኤን ግንታታት ተፈራሪሐን ካብ መንበርካ ሓፍ ኮፍ ዘብል ፈተነታታት ከየካየዳ’ዩ 45 ደቂቕ ኣኺሉ ዜሮ ንዜሮ ናብ ዕረፍቲ ኣምሪሐን። ድሕሪ ዕረፍቲ ናይጀርያ ኣብ መበል 67 ደቂቕ ፍጹም ቅላዕ ረኺባ ቍጽሪ ሓሙሽተ ዊልያም ትሩስ ኢኮንግ ብማእከል ብምቕላዕ ኣመዝጊብዎ ናይ ናይጀርያ ክትመርሕ ጀሚራ ጸወታ ክዛዘም ካልኢታት ምስ ተረፎ ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ፍጹም ቅላዕ ስለዝረኸበት ሞካንያ ቀሊዑ ስለዘመዝገባ ምዱብ ግዜ ሓደ ብሓደ ተወዲኡ ናብ ተወሳኺ 30 ደቂቕ ኣምሪሐን። ኣብ ተወሳኺ ግዜ’ውን ዝተመዝገበ ሸቶ ስለዘይነበረ ጸወታ ብፍጹም ቅላዕ ክውዳእ ዳኛ ናይ መወዳእታ ፊሽካ ነፍሓ። ኣብ ርብዒ ፍጻም ካብ ኬፕቨርደ ንዝተቐለዓሉ ኣርባዕተ ፍጹም ቅላዓት ዘድሓና ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊልያምስ ንናይጀርያ’ውን ማይ ከዕምኾም’ዩ ተባሂልሉ ነይሩ። ሓላዊ ልዳት ናይጀርያ ንዋቢሉ ክልተ ቅላዓት ኣድሒኑ ተጻዋታይ ናይጀርያ ሓንቲ ልዕሊ ልዳት ኣሕሊፍዋ ናይጀርያ ንደቡብ ኣፍሪቃ 4 ን 2 ብምስዓር ናብ ፍጻመ ሓሊፋ። እታ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 2013 ናብ ፍጻመ ዝበጽሐት ናይጀርያ ቅድሚ ሕዚ ሰለስተ ግዜ ፅዋዕ ኣፍሪቃ ተዓዊታ ነይራ’ያ። ነታ ኣንኣይቮሪኪሰት ናብ ፍጻም ዘብጸሐት ኣብ 90 ደቂቕ እንኮ ዝተመዝገበት ሸቶን ሰበስትያን ሃለር'ዩ ኣመዝጊብዋ ብኣቈጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ዝተኻየደ ጸወታ ኣታአናጋዲት ኣይቮሪኮስትን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን’ውን እቲ ካልእ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገበረሉ ጸወታ’ዩ ነይሩ። ኣይቮሪኮስት ኣብ ምድባ ክልተ ግዜ ተሳዒራ ብሰለስተ ነጥቢ ሰለስተ ሸቶ ዕዳ ካብተን ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን ዝነበራ ሃገራት ዝሓሸት ካብተን ናብ ኣውዲቕካ ዝሓለፋ ግን መበል 16 ኰይና’ያ ንስክላ ናብ ኣውዲቐካ ምሕላፍ ሰጊራ። እዛ ኣብ ገዛእ ሃገራ ሕፍረት ተጎልቢባ ናይ ምድብ ጸወታታት ዝጀመረት ኣይቮሪኮስት፡ ንኣሰልጣኒኣ ጅን ልዊስ ጋስት ክሳብ ተባርሮ’ያ ኰይና። ቀስ ኢላ እናረረትን ትማሊ ኣጥቓዓይ ቦርስያ ዶርትሙንድ ሰበስትያን ሃለር ኣብ መበል 65 ደቂቕ ብዘመዝገባ እንኮ ሽቶ ተሓጊዛ ናብ ፍጻመ ክትሓልፍ ክኢላ ኣላ። ኣብ ቅድሚ ደገፍታን ርእሳ ኣድኒና ዝነበረት ኣይቮሪኮስት፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ኣንጻር ናይጀርያ ንፍጻመ ክትገጥም’ያ። ናይጀርያን ኣይቮሪኮስትን ኣብ ምድብ ሓደ ኣብ ሓደ ምድብ’የን ነይረን፡ ትማሊ ንቀዳመቲ ሸቶ ናይጀርያ ብፍጹም ቅላዕ ዘመዝገበ ዊልያም ትሩስ ኢኮንግ ብዘመዝገባ ፍጹም ቅላዕ ናይጀርያ ሓደ ንዜሮ ከም ዝተዓወተት ይዝከር። ቀዳም 10 ለካቲት ደቡብ ኣፍሪቃን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን ንሳልሳይ ሰንበት 11 ለካቲት ከኣ ናይጀርያን ኣይቮሪኮስትን ንፅዋዕ ክጋጠማ’የን።
ፕሮፌሽናል ብሽክለተኛ ፅጋቡ ገብረማርያም ካብ ቅድድም ብሽክለታ ክሰናበት ኢዩ
Dec 30, 2023 122
  ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/20/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚ ጋንታ ጄይኮ ኣልኡላ ፅጋቡ ገብረማርያም ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ካብ ቅድድም ብሽክለታ ይሰናበት ምህላው ተገሊፁ። ሓደ ካብ ኣዝዮም ፍሉጥ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝኾነ ፅጋቡ፥ ንልዕሊ 10 ዓመት ምስ ዝተፈላለያ ዎርልድ ቱር ጋንታታት ክወዳደር ዝፀንሐ እዩ። ፅጋቡ ካብ ቅድድም ብሽክለታ ዝሰናበተሉ ዘሎ ምኽንያት ምስታ ኣውስትራልያዊት ጋንታ ውዕሉ ከሕድስ ብዘይምኽኣሉ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ጋንትኡ ጄይኮ ኣልኡላ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ቪድዮ ደቂ ጋንትኡ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎምሉ ። ኣብ 2012 ናብ ጋንታ ኤምቲኤን ኵቤካ ዝተፀንበረ ወዲ 32 ዓመት ፅጋቡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ኮይኑ ክወዳደር ፀኒሑ እዩ። ጋዜጠኛ ስፖርት እንግሊዛዊ ዳንኤል ፍሪቢ ንውሳነ ፅጋቡ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውፅኦ ፅሑፍ፥ “ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ክፋኖ እንተሎ ንስፖርት ከም ክሳራ እዩ” ኢሉ ገሊፁ። ፅጋቡ ገበረማሪያም ፈላሚ ፕሮፌሽናል ዓወቱ ኣብ ዙር ታይዋን ዝተጐናፀፈ እንትኸውን፥ ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ተዓዋቲ ቻምፕዮን ክሮኖሜተር ኣፍሪካ ኮይኑ እዩ። ፅጋቡ 12 ፕሮፌሽናል ዓወታት ከመዝግብ እንተሎ እቲ 10 ኣብ ቻምፕዮና ሃገሩ እዩ። ኣብ ውድድር ፅርጊያ ኢትዮጵያ ሰለስተ ግዜ፣ ኣብ ናይ ግዜ ውድድር (ክሮኖሜተር) ከኣ ሸውዓተ ሻዕ ተዓዋቲ ምንባሩ ሰነዳት መርበብ ሓበሬታ ፕሮሳይክሊን ስታት የርኢ። ኣብ 2015 ፈላሚ ናይ ግራንድ ቱር ውድድሩ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ ዘካየደ ፅጋቡ፥ ኣብ 2015፣ 2016፣ 2019ን 2020 ዓ.ም.ፈ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ኣብ 2016፣ 2017ን 2018ን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ተሳቲፉ። ፅጋቡ ምስ ዎርልድ ቱር ጋንታታት ባሕሬን መሪዳ፣ ሴጋፍሬዶ፣ ሚቸልተን ስኮት፣ ባይክ ኤክስቼንጅን ጀይኮ ኣልኡላን ተፀንቢሩ ዝተወዳዳረ ብሉፅ ተቐዳዳማይ ምንባሩ ደቂ ጋንትኡ ገሊፆም ክብል ቢቢሲ ስፖርት ፀብፂቡ ።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም