ኣብ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበበ ኣትዩ



 

አዲስ አበባ/የካቲት/26/2016/ኢዜአ/ኣብ ስኮትላንድ ግላስኮው ኣብ ዝተሳለጠ መበል 19 ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝለዓለ ውፅኢት ዘመዝገበ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፣ ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሓጋዚት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ፣ ዋና ፀሓፊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዳዊት ኣስፋው፣ ኣመራርሓታት እቲ ፌዴሬሽንን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ኣብቲ ውድድር 13 ኣትሌታት ዝተወከለት ኢትዮጵያ ብኽልተ ወርቅን፣ ብሓደ ብሪን ሓደ ነሓስን ብድምሩ 4 ሜዳልያታት ብምርካብ ካብ ዓለም መበል ሓምሸይቲ ካብ ኣፍሪካ ድማ ቐዳመይቲ ኾይና ዛዚማ።

ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣቀባብላ ምስተገበረ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ከምዝሳለጥ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ከምዘፍለጠ ኢዜአ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም