ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ምሃብ ጥበብ ኣርሒቕካ ምሕሳብ እዩ - ሚኒስትር ምክልኻል መሃመድ እድሪስ - ኢዜአ ትግርኛ
ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ምሃብ ጥበብ ኣርሒቕካ ምሕሳብ እዩ - ሚኒስትር ምክልኻል መሃመድ እድሪስ
ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 17፣ 2019 ዓ.ም. (ኢዜኣ)፦ ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ምሃብ ጥበብ ኣርሒቕካ ምሕሳብ ምዃኑ ሚኒስትር ምክልኻል መሓመድ እድሪስ ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ስሩዕ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንዘርኣይዎ ውግንና፣ ኣፍልጦን ክብርን ብሽም እቲ ሰራዊት ዝለዓለ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ሉኣላውነትን ሰላምን ሃገር ንምኽባር ክቡር ህይወቱ እናኸፈለ ንዝርከብ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ደው ኢሎም ዘርኣይዎ ዓብዪ ክብርን ናእዳን፣ ወሰን ዶብን ህልውናን ሃገር ንምሕላው ንዝተግህ ሰራዊት ዓብዪ ስንቂ ሞራልን ብርታዕን ከምዝኸውን ኣመላኺቶም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም እውን ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክብርን ሞገስን ብምግላፅ፣ ኢትዮጵያ ብደቃ ተፈሪሓን ተኸቢራን ንዘለኣለም ንክትነብር ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።