ኣምር መደመር ሰብ፣ ተፈጥሮን ፈጣርን ብሚዛን ብምትእስሳር ሚዛን ህልውና ንምሕላው ዝሕግዝ እዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 17፣ 2019 ዓ.ም. (ኢዜኣ)፦ ኣምር መደመር ሰብ፣ ተፈጥሮን ፈጣርን ብሚዛን ብምትእስሳር ሚዛን ህልውና ንምሕላው ከምዝሕግዝ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ናይ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣካይዱ።

ኣብቲ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መልስን መብርህን ዝሃቡ እንትኾኑ፤ እቲ ዝዓበየ ፍሉይ ባህሪ መደመር ሰብ፣ ተፈጥሮን ፈጣርን ዝተብሃሉ ሰለስተ ዓንዲታት ህልውና ብሚዛን ምትእስሳሩ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብ ምድሪ እንትንነብር ኣብ መንጎ ሰብ፣ ተፈጥሮን ፈጣርን ዘሎ ምትእስሳር ሚዛኑ እንተዘይሓልዩ ህይወት ከምእትዛባዕ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ወዲ ሰብ ምስ ተፈጥሮ ተሰማሚዑ ምንባር እንተዘይክኢሉን ምስ መሬት ዘይተኣሳሰረ እንተኾይኑን ረባሽን ኣጥፋእን ከምዝኸውን ገሊፆም።

ዝኾነ ሰብ በብእምነቱ ምስ ፈጣሪኡ ጠንካራ ርክብ ክህልዎ፣ ምስ ተፈጥሮ እውን ተኸባቢሩን ተኣሳሲሩን ክነብር ከምዝግባእ ብምልዓል፤ ነዚ ሚዛን ንምሕላው መደመር ልዑል ሓገዝ ከምዝገብር ኣመላኺቶም።

ኣምር መደመር ኣብ ተመኩሮ ኢትዮጵያ ጭቡጥ ውፅኢት ምምፅኡን ብርክት ዝበላ ሃገራት እውን ናብ ናይ ባዕለን ቋንቋ እናተርጎምኦ ጠቓሚ ምዃኑ ይምስክራሉ ከምዘለዋን ተዛሪቦም።

መደመር ሙሉእ ሓሳብ ብምዃኑ ንቐፃሊ እናሰፍሐን እናዓበየን ወለዶ ብብዙሕ እናልዓለ ዝጥቀመሉ ከምዝኸውን ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሚዛን ምሕላው ንውልቃዊ ልምምድ ናብራ እውን ኣዝዩ ወሳኒ ብምዃኑ ዜጋታት ነቲ ሓሳብ ብዝግባእ ተረዲኦም ክጥቀሙሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም