ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ትደሊ ንኻልኦት ንምጉዳእ ዘይኮነስ ብሓባር ንምዕባይ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 17፣ 2019 ዓ.ም. (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ትደሊ ንኻልኦት ንምጉዳእ ወይ ንምምንዛዕ ዘይኮነስ ብሓባር ንምዕባይ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ ናይ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣካይዱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓሉሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብሓባር ምዕባይ ዘለዎ ኣድላይነት ብምልዓል፣ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ልምዓት ብሓባር ንምስራሕ ልዑል ፃዕሪ ምግባራ ገሊፆም።

ብፍላይ ድማ መስመር ኤሌክትሪክ ብዋጋ ኢትዮጵያ ናይ ምእታው ከምኡ እውን መንገድን ወደብን ናይ ምህናፅ ሓሳባት እኳ እንተቐረቡ ኣወንታዊ ምላሽ ከምዘይተረኸበ ኣመላኺቶም።

ኣብ እዋን ኲናት ሰሜን መንግስቲ ኤርትራ ዘርኣዮ ናይ መጀመርታ ተግባር ሰናይ ጉርብትና ዘመስገኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኣብ ቀፃሊ እቲ ጎንፂ ናብ ትግራይ እንትሰፍሕ ዝተፈፀሙ ጥፍኣታትን ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ስዒቡ ዝተፈጠረ ቅሬታን ፀገም ምፍጣሩ ኣብሪሆም።

ካብ መንግስቲ ኤርትራ ትፅቢት ዝግበረሎም ክልተ ቀንዲ ነጥብታት ዝፈለዩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ቀዳማይ ንፀላእቲ ኢትዮጵያ መዕጠቕን መተሓባበርን ምዃን ደው ምባል እንትኸውን፣ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ሓባራዊ ልምዓት ምስራሕ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ንሓባራዊ ስራሕቲ ልምዓት ሓሳብ፣ ገንዘብን ጉልበትን ከምእተዋፅእ ብምግላፅ፤ ካብዚ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ንምፍፃም ትልሚ ከምዘይብላን እቲ ጉዳይ ብሰላምን ብዘተን ከምዝፍታሕን ኣረጋጊፆም።

ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ብዝምልከት እውን ልሂቃን ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወሰኑ እዋናት ዝነበሮም ግጉይ ግንዛበ ኣሪሞም ናብ ስትራቴጂካዊ ንቕሓት ምምፅኦም ገሊፆም።

ዓለም ለኸ መስመር ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ውሑዳት ዓመታት ብሰንኪ ለውጢ ኣየር ንብረትን ሓደሽቲ መስመራት ትራንስፖርትን (ከም መስመር ኣርክቲክ) ቀዲሙ ዝነበሮ ረብሓ ክንኪ ከምዝኽእል ብምሕባር፤ ይኹን እምበር ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኣድላዪ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ትደሊ ንኻልኦት ንምጉዳእ ወይ ንምምንዛዕ ዘይኮነስ፣ ዮርዳኖስ ምስ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢራቕ ከምኡ እውን ፖላንድ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝረኸብኦ ተመኩሮ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ብምትግባር ብሓባር ንምዕባይ ምዃኑ ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም