ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ብሓባር ንምልማዕ ዘድሊ ሓሳብ፣ ገንዘብን ጉልበትን ብምውፃእ ንምስራሕ ድልውቲ እያ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 17፣ 2019 ዓ.ም. (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ብሓባር ንምልማዕ ዘድሊ ሓሳብ፣ ገንዘብን ጉልበትን ብምውፃእ ንምስራሕ ድልውቲ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ሎሚ ኣካይዱ።

ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ዘቕረብዎ ትልሚ መንግስቲ 2019 ዓ.ም. መበገሲ ብምግባር ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሕቶታቶምን ርእይቶታቶምን ኣቕሪቦም እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቐረቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን መልስን መብርህን ሂቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኤርትራ ኣመልኪቶም ኣብ ዘልዓልዎ ሓሳብ፤ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝተሓብአሉ ወፂኡ ናብ ዘይፈልጦ ብናይ ባዕልና ነፋሪት እናወሰድና ምስ ጎረቤት ኣራኺብናዮ ኢና ክብሉ ገሊፆም።

እዚ ዝገበርናዮ ብሓባር ምዕባይ ከምንኽእል ስለንኣምን እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብሓባር ንምልማዕ ልዑል ፃዕሪ ምግባሮም ሓቢሮም።

ንኣብነት ኤሌክትሪክ ስለዝፅገሙ ክነእትወልኩም እሞ ብዋጋ ኢትዮጵያ ተጠቐሙ ኢልናዮም ነይርና፤ ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ኣይደለየን ክብሉ ዝነበረ ኩነታት ኣዘኻኺሮም።

መንገድን ወደብን ብሓባር ንስራሕ ኢልና ሓቲትና መንግስቲ ኤርትራ ኣይደለየን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ምኽንያቱ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ንግዚኡ መንግስቲ እዩ ይኹን እምበር ልምዓት፣ ዕብየት ዝብል ቋንቋ ኣብ መዝገበ ቃላቱ የብሉን፣ ልምዓት ፈፂሙ ኣይርድኦምን፣ እዚ ናቶም ድኽመት ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ብኻሊእ ወገን እዚ ሰሜን እንትጥቃዕ ዘርኣይዎ ባህሪ ሰናይ ጉርብትና ድማ ይምስገን እዩ ኢሎም። ይኹን እምበር እቲ ፀገም ዝተጀመረ ናብ ትግራይ ብምእታው መንእሰያት ምቕታል፣ መሰረተ ልምዓት ምዕናውን ምዝራፍን እንትጅምሩ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ መወዳእታ እውን ውዕል ፕሪቶሪያ እንትፍረም መንግስቲ ኤርትራ ምኹራይ ብምጅማሩ ምዃኑ ገሊፆም።

ሐዚ ካብ መንግስቲ ኤርትራ እንደልዮ ክልተ ነገር ኣሎ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ሓደ ንፀላኢ ኢትዮጵያ ምዕጣቕ፣ መስመር መዕጠቒ ምዃንን ንፀላእቲ ኢትዮጵያ ምትሕብባርን ደው የብል፣ እቲ ካልኣይ ድማ ንሓባራዊ ልምዓት ብሓባር ንስራሕ ዝብሉ ምዃኖም ኣመላኺቶም።

ብሓባር እንትንሰርሕ ሓሳብ፣ ገንዘብን ጉልበትን ንሕና ነዋፅእ፣ ተሓባበርቲ ጥራሕ ንክትኮኑ ኢና እንደሊ ክብሉ እውን ወሲኾም።

እዚ ምግባር እንተኽኢልኩም ብሰላም ብሓባር ምንባር ይከኣል እዩ፤ ይኹን እምበር ሻዕብያ ኣብ ዘይእረም ስሕተት ዝዳኸር ሓይሊ እንተኾይኑ ጥፍኣቱ ንኤርትራ እዩ ዝኸውን ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣገንዚቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም