ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ ሞሽን ድገፍ ኣፅዲቑ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ ሞሽን ድገፍ ኣፅዲቑ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሕዳር 17/2019 (ኢዜኣ)፦ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ 26 መስከረም 2019 ዓ.ም ብፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝቐረበ ትልሚ ኣንፈት ትኹረት መንግስቲ 2019 ዓ.ም ሞሽን ድጋፍ ኣፅዲቑ።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ዘቕረብዎ ትልሚ መንግስቲ 2019 ዓ.ም. መበገሲ ብምግባር ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሕቶታቶምን ርእይቶታቶምን ኣቕሪቦም እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቐረቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን መልስን መብርህን ሂቦም።
እቲ ቤት ምኽሪ እውን ዝቐረበሉ ሞሽን ደገፍ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።