ህዝቢ ትግራይ ፈታዊ ሰላምን ትጉህ ሰራሕተኛን እዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 17፣ 2019 ዓ.ም. (ኢዜኣ)፦ ህዝቢ ትግራይ ፈታዊ ሰላምን እዩ ክብሉ  ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ብዕለት 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ዘቕረብዎ ትልሚ መንግስቲ 2019 ዓ.ም. መበገሲ ብምግባር ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሕቶታቶምን ርእይቶታቶምን ኣቕሪቦም እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቐረቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን መልስን መብርህን ይህቡ ኣለዉ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ክልል ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ህዝቢ ትግራይ ትጉህ ሰራሕተኛን ፈታዊ ሰላምን እኳ እንተኾነ ዕድል ከምዘይረኸበ ገሊፆም።

ብልዑል ኩነታት መንእሰያት እናሰውኡ ዕድሚኦም ዝዕቅቡ ሰባት ተፈጢሮምሉ ከምዝፀንሑ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቶም ኣብ ግዘ ሰላም ዝፍክሩ ሰባት ኣገደድቲ እምበር ሞት ዝቕበሉ ከምዘይኮኑ ኣመላኺቶም።

ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ብዝግባእ ከምዝነቕሐን ናብ ሰላማዊ ጉዕዞኡ ከምዝተመለሰን ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ውሽጢ እዙይ ናይና ተግባር  ናብ ሙሉእ ሰላም ምምላስ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎት ምምላስ፣ ህዝቢ ትግራይ ርእሱ ብርእሱ ንኸመሓድር መረፃ ብቕልጡፍ ምክያድን ዝተፀገሙ ድማ ምሕጋዝን ምዃኑ ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም