መንግስቲ ምኽረ ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ተግባራዊ ንክኾኑ ብቆራፅነት ክሰርሕ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 17፣ 2019 ዓ.ም. (ኢዜኣ)፦ መንግስቲ ምኽረ ሓሳባት ሃገራዊ ምኽክር ተፈፀምትን ውፅኢታውን ክኾኑ ከምዝሰርሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ዘቕረብዎ ትልሚ መንግስቲ 2019 ዓ.ም. መበገሲ ብምግባር ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሕቶታቶምን ርእይቶታቶምን ኣቕሪቦም እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቐረቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን መልስን መብርህን ይህቡ ኣለዉ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያውያን ካብ ኩሉ ከባቢ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሮም ተቐሚጦም ዝተመኻኸሩሉ ዓብዪ ስጕምቲ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወፃኢ ሃገራትን ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዘተ ምግባሮም እውን ሓቢሮም።

ኣብ ዋና ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ዝተገበረ ናይ 46 መዓልታት ዘተን ዝቐረቡ ምኽረ ሓሳባትን ዓብዪ ስጕምቲ ምዃኖም ኣልዒሎም።

እቲ ኮሚሽን ምኽረ ሓሳባት ብሰነድ ኣዳልዩ ንመንግስቲ ምቕራቡ ዘመላኸቱ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዝተረፉ ምኽረ ሓሳባት ብሕገ መንግስትን ብምምሕዳራውን መልክዕ ምላሽ ንክረኽቡ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ዝቐረቡ ምኽረ ሓሳባት  ንምትግባርን ውፅኢታዊ ንምግባርን ብቆራፅነት  ከምዝሰርሕ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣካላት መንግስቲ ንተግባራውነትን ውፅኢታውነትን እቶም ምኽረ ሓሳባት  ናይ ባዕሎም ሓላፍነት ንክዋፅኡ ኣተሓሳሲቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም