ብዘተን ብሰላማዊ መንገድን ፀገማት ምፍታሕ ምልክት ስልጣነ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 17፣ 2019 ዓ.ም. (ኢዜኣ)፦ ፀገማት ብዘተን ብሰላማዊ መንገድን ምፍታሕ ምልክት ስልጣነ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ብዕለት 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ዘቕረብዎ ትልሚ መንግስቲ 2019 ዓ.ም. መበገሲ ብምግባር ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሕቶታቶምን ርእይቶታቶምን ኣቕሪቦም እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቐረቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን መልስን መብርህን ይህቡ ኣለዉ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሰላምን ይቕረታን ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ፀገማት ብዘተን ብሰላማዊ መንገድን ምፍታሕ ምልክት ስልጣነ ምዃኑን ትዕግስትን ይቕረ በሃላይነትን ምልባስ ንህንፀት ሃገር ብዓብዩ ከምዝሕግዝን ገሊፆም።

ሰላም ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዋጋ ናይ ሓደ መዓልቲ ዕረፍቲ ንኣዴታት ዘለዎ ረብሓ ስለዝፍለጥ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምእንቲ ሃገር ዝኽፈል ዋጋ መሪር ሓቂ ምቕባል ከምዝሓትትን ካብኡ ውሽጢ ድማ ሓደ ይቕረታ ምዃኑን ኣመላኺቶም።

ይቕረታ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ድማ ዘተን ሰላምን ንኢትዮጵያን ነቲ ዞባን ኣዝዩ ጠቓሚ ስለዝኾነ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም