ኢትዮጵያ ብታሪኻ ንዝኾነት ሃገር ብምውራር ኣይትፍለጥን፣ ንኢትዮጵያ ወሪርካ ብኽብሪ ምምላስ እውን ኣይከኣልን - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብታሪኻ ንዝኾነት ሃገር ብምውራር ኣይትፍለጥን፣ ንኢትዮጵያ ወሪርካ ብኽብሪ ምምላስ እውን ኣይከኣልን - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 17፣ 2019 ዓ.ም. (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ብታሪኻ ንዝኾነት ሃገር ብምውራር ከምዘይትፍለጥን ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ድሌት ከምዘይብላን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ብዕለት 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ዘቕረብዎ ትልሚ መንግስቲ 2019 ዓ.ም. መበገሲ ብምግባር ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሕቶታቶምን ርእይቶታቶምን ኣቕሪቦም እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቐረቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን መልስን መብርህን ይህቡ ኣለዉ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያን ዓወትን ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ኢትዮጵያ ብታሪኻ ንዝኾነት ሃገር ብምውራር ከምዘይትፍለጥን ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ድሌት ከምዘይብላን ገሊፆም።
ይኹን እምበር ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ ካልኦት ክፈልጥዎ ዘለዎ ሓቂ፤ ዝኾነ ሰብ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ መፂኡ ንኢትዮጵያ ወሪሩ ብኽብሪ ክምለስ ከምዘይኽእል ኣመላኺቶም።
እዚ ብጂኦግራፊ ዝተሓፅረ ጉዳይ ከምዘይኮነን ዓድዋ ክድገም ከም ዝኽእልን ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንኢትዮጵያ ንምንካእ ከይፍትኑ ኣጠንቂቖም።