ክብርን ታሪኽን ኢትዮጵያ ምሕላው ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ክብርን ታሪኽን ኢትዮጵያ ምሕላው ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 17፣ 2019 ዓ.ም. (ኢዜኣ)፦ ክብርን ታሪኽን ኢትዮጵያ ዓቂብካ ምቕፃል ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ብዕለት 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ዘቕረብዎ ትልሚ መንግስቲ 2019 ዓ.ም. መበገሲ ብምግባር ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሕቶታቶምን ርእይቶታቶምን ኣቕሪቦም እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቐረቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን መልስን መብርህን ይህቡ ኣለዉ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ታሪኽ ዝፀገበትን ጠንካራ ሃገርን ምዃና ብምጥቃስ፤ ኣብ ማእኸል ፈተናታትን ማዕበላትን ብፅንዓትን ዘይምንብርካኽን ብምስጋር መንነታ ዓቂባ ከምዝፀንሐት ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ፀኒዓ ክትፀንሕ ዝኸኣለት ዋጋ ንምኽፋል ብዝደለዩ ጀጋኑ ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም።
ሓላፍነት እዚ ወለዶ ታሪኽን ክብርን ኢትዮጵያ ምቕፃል ምዃኑ ዝተዛረቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ናፅነታን መንነታን ሓልያ ክትፀንሕ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ናይ ባዕሉ ግደ ክፃወት ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።