ብስትራቴጂ መከላኸሊ ብኹሎም ዓንዲታት ዘይዕፀፍ ጠንካራ ሰራዊት ይህነፅ ኣሎ፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ብስትራቴጂ መከላኸሊ ብኹሎም ዓንዲታት ዘይዕፀፍ ጠንካራ ሰራዊት ይህነፅ ኣሎ፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 17፣ 2019 ዓ.ም. (ኢዜኣ)፦ ብስትራቴጂ መከላኸሊ ብኹሎም ዓንዲታት ዘይዕፀፍ ጠንካራ ሰራዊት ይህነፅ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ብዕለት 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ዘቕረብዎ ትልሚ መንግስቲ 2019 ዓ.ም. መበገሲ ብምግባር ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሕቶታቶምን ርእይቶታቶምን ኣቕሪቦም እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንዝቐረቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን መልስን መብርህን ይህቡ ኣለዉ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሰራዊት ምክልኻል ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ መከላኸሊ ከም ገዛ እዩ፣ ንመከላኸሊ ጥራሕ እንተሃኒፅናዮ ኣይፀንዕን፣ ኢኮኖሚ ንዕኡ ዝስከም ምዃኑ ምርግጋፅ ይግባእ ኢሎም።
መከላኸሊ ብሓደ ዓንዲ ደው ክብል ከምዘይኽእል ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኩሎም ዓንዲታት ክህነፁ ከምዘለዎምን እቶም ዓንዲታት ድማ ናይ ኣየር፣ ናይ ምድርን ናይ ቴክኖሎጂን ምዃኖም ኣመላኺቶም።
በዙይ መሰረት ብስትራቴጂ መከላኸሊ ብኹሎም ዓንዲታት ዘይዕፀፍ ጠንካራ ሰራዊት ይህነፅ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መከላኸሊ ቴክኖሎጂ ብዝግባእ ዝጥቀም ትካል ከምዝተገበረን እዙይ እውን ውፅኢቱ ይረአ ከምዘሎን ኣብሪሆም።