ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልስን መብርህን ይህቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 17/2019 (ኢዜኣ)፦ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ሕቶታትን ርእይቶታትን መልስን መብርህን ምሃብ ጀሚሮም።
መበል 7ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ብዕለት 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ዘቕረብዎ ትልሚ መንግስቲ 2019 ዓ.ም. መበገሲ ብምግባር ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሕቶታቶምን ርእይቶታቶምን ኣቕሪቦም እዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ድማ ንዝቐረቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን መልስን መብርህን ምሃብ ጀሚሮም ኣለዉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም