ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዘልዕልዎም ዘለዉ ሓሳባት

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ 1ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤኡ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ ስሩዕ ጉባኤ፣ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ብዕለት 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ሓበራዊ መኸፈቲ ኣኼባ ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ዘቕረብዎ ትልሚ መንግስቲ 2019 ዓ.ም. መበገሲ ብምግባር ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሕቶታትን ርእይቶታትን የልዕሉ ኣለዉ።
ካብ መንጎ ዝተልዓሉ ሓሳባት እውን፦
• ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ዝቐረቡ ምኽረ ሓሳባት መንግስቲ ንምትግባር ዝገብሮ ዘሎ ምድላው እንታይ ይመስል?
• ዓብዪ ስትራቴጂ መደመር ናብ ተግባር ንምቕያር ዝተዘርግሑ ስርዓታት ኣሰራርሓ እንታይ እዮም? ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር?
• መንግስቲ መደመር ልዕልነት ሕግን ሰላምን ንምርግጋፅ ዘሳልጦም ዘሎ ስራሕቲ እንታይ ይመስሉ?
• መንግስቲ መደመር ሰላም ኢትዮጵያ ብዘይደሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ከመይ ይርእዮ?
• ትግበራ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ሐዚ ዘለዎ ብርኪ ከመይ ይግለፅ?
• መንግስቲ መደመር ምኽባር መነባብሮን ወሰኽ ዋጋን ንምስትኽኻል ብዘላቕነት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ እንተዝብራህ?
• ብብስራታት ጉባ ዕላዊ ዝኾኑ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኣፈፃፅማኦም ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ?
• መንግስቲ መደመር ድሌት ኣባይቲ ዜጋታት ንምምላስ ዘሳልጦም ዘሎ ስራሕቲ እንተዝብራህ? ዝብሉ ይርከብዎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም